Sunday , May 5 2024

ደሃይ ጥበባት

ዩኒቨርሳላዊ ንቕሓት 2ይ ክፋል

ዓለምና እቲ ዘድሊ ዓቕምን ንቕሓትን ደኣ ኣይነበራን እምበር፡ ካብ ጥንቲ ጀሚራስ ብደረጃ ቍሸት ይኹን ብደረጃ ዓዲ ወይ ብደረጃ ግዝኣታት ወይ ክልላት ግሎባላይዘሽን ወይ ዓውለማ ነይሩዋ ኢዩ። ንኣብነት፡  ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር፡ ዓለም ኪብሃል ከሎ፡ ነተን ንማእከላይ ባሕሪ ወይ ከኣ ንመዲተራነያን ባሕሪ ከቢበናኦ ዝነበራ ሃገራት (ከም እኒ እስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ግሪኽ፡ ቱርኪ፡ ጳለስጢንያ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ቱኒዝያ ከምኡውን ብመጠኑ ንህንድን ንፋርስን …

Read More »

ዩኒቨርሳላዊ ንቕሓት ቀዳማይ ክፋል

ሓንቲ ዓለም ብ ኣማኑኤል ሳህለ ወድሰብ ብጥንቲ ኣብ ዓለም ኪነብር ከሎ፡ ነታ ዝነብረላ ዝነበረ ንእሽቶ ቍሸት ከም ዓለም ገይሩ ይወስዳ ነበረ። ክንዮ​’ቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ደረት​-ትርኢት ድማ ካልእ መሬት ዘሎ ኣይመስሎን ነበረ። ብምሕላፍ ዘመናትን​ ብዕቤት​ ኣእምሮኡን​ ግን​ እታ​ ዓለሙ​ ካብታ​ ቍሸቱ​ ሓሊፋ​ ካልኦት​ ሃገራት​ ክትጥርንፍ​ ጀመረት።  ንሓደ ቘልዓ ከም ኣብነት ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። እቲ ህጻን፡ ወዲ ሰለስተ ወርሒ ኸሎ፡ ግዜኡ …

Read More »

ስዕረት ብናስሮቪች “ገሊኣቶም ስዕረታት ሓለፋ ዓወት ይምቅሩ” ሞንታኝ

ዓወትን ስረትን ክልተ ፊጺሞም ክዕረቑ ዘይክእሉን ኣንጻራውንን እዮም ዝመስሉና፡፡ ብዘይ እቲ ሓደ እቲ ካልእ ትርጒም ዝስእን ክሳብ ዝመስሉና መብዛሕትኡ እዋን ከም ክልተ ገጻት ናይ ሓደ ሳንቲም ኮይኖም እዮም ዝቐርቡ፡፡ ኩልሳዕ ከምኡ እዩ ማለት ግና ኣይኮነን፡፡ ከምቲ ተዓዋቲ ዘይብሉ ስዕረት ዘሎ ፤ ብዓወት ዝዛዘም ስዕረት ከኣ ኣሎ እዩ፡፡ ዓወትን ውድቀትን ከም ሌጣ ጻዕዳን ጸሊምን ጌርና ክንርዳኣ እንተ ፈቲንና ህይወትና ከም ላቦራቶሪ …

Read More »

ዓምዲ ሓንቲ ዓለም “ኣንበሳ”

ኣንበሳ ንጉስ እንስሳታት ኢዩ ይብሃል። ስለምንታይ ኢዩ ንጉስ እንስሳታት ተባሂሉ ኺጽዋዕ ዝኸኣለ? 1 ካብ ኩሎም እንስሳታት ዝሓየለ ስለ ዝኾነ። 2 ከም ንጉስ ኵሩዕ ስለ ዝኾነ። ኣንበሳ ዳርጋ ምስ ኩሎም እንስሳታት ተቃሊሱ የሕምቖም ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ንዘራፍን ንሓርማዝን እውን ይገጥመለን ኢዩ። ግንከ፡ ኵሩዕ ስለ ዝኾነ፡ ባዕሉ ኣይሃድንን። ናብቲ ኣንስቶት ሃዲነን ዘምጽኣሉ ጠለበዱ ወይ ኣድጊ- በረኻ ከይዱ ኮፍ ኢሉ ኢዩ ዚበልዕ። ንሱ …

Read More »

ዓምዲ ሓንቲ ዓለም፣ ናብ ሰማይ ጠምት ።

ሓደ እዋን ሓደ ሰብኣይ ለይቲ ተንሲኡ ንወዱ “ተመልሶ ወደይ፡ ተንስእ፡ ናብዛ ቐረባ ዓዲ በጺሕና ክንምለስ ኢና” በሎ። ተመልሶ ድማ ባዕጊጉ፡ “ኣቦ፡ ከውታ ለይቲ ደኣ እንታይ ክንገብር ኢና ናብ ቀረባ ዓዲ እንኸይድ” በሎ። ግን ከኣ ንኣቦኡ ስለ ዘኽብሮ ተንሲኡ ክዳኑ ወድዩ ምስ ኣቦኡ ንደገ ወጸ። ኣቦኡ ኣድጉ ኣኸቲሉ ወዱ ድማ ብጐድኑ ዘብዘብ እናበሉ መገዶም ቀጸሉ። ወርሒ ደሚቓ ወጺኣ ስለ ዝነበረት ኩሉ …

Read More »

ምሕሳው ብ መንጽር ሓንቲ ዓለም

ምሕሳው ነውሪ ኢዩ። ሓሶትን ስርቅን ብሓደ ኢዩ ዚኸይድ። ሓሳዊ ምስ እትኸውን፡ ብዘይ ፍቓድ ስድራኻ ገለ ነገር ኣልዒልካ ትወስድ እሞ፡ ኣቦኻ ወይ ኣደኻ “መን ኢዩ ካብዚ ኸብሒ ገንዘብ ወሲዱ?” ምስ ዚብሉኻ፡ “ኣነ ኣይኮንኩን” ትብል። እንተ ዘይትሰርቕ ኣይምሓሶኻን፡ እንተ ዘይትሕሱ ድማ ኣይምሰረቕካን። ትሕሱ ከም ዘሎኻ ብምንታይ ክትፍለጥ ትኽእል? ነቲ ዝሓተካ ዘሎ ሰብ ኣብ ዓይኑ ክትርእዮ ኣይትኽእልን።ኣእዛንካ ኪረስና ይጅምራመልሓስካ ደርበስበስ ይብልቀልጢፍካ ትሓርቕብውሽጥኻ ትጭነቕ፡ …

Read More »

ትፈልጡዶ?

1. ስዑዲ ዓረብ ካብ ኦስትረልያ ኣግማል ከም እትዕድግ 2. ኢራን፡ ብምሒር ናይ ድሕንነት ቅልውላው ብስለያ እተጠርጠራ 14 ምጹጽላይ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወት 3. ናይ ዓሳ ነባሪ ወይ ናይ ወይል መልሓስ፡ ካብ ምልእቲ ሓርማዝ ከም ዚኸብድ 5. እቲ ኣርምስትሮንግ እተባህለ ንመጀመርያ ግዜ ንወርሒ ዝረገጸ ኣመሪካዊ ኣስትሮኖት፡ ካብ ወርሒ ምስ ተመልሰ ብቤትጽሕፈት ኢሚግረሽን ከም ዝሓለፈ ትፈልጡዶ? 6. ወድሰብ እቲ እንኮ ፍጥረት ዘይ …

Read More »

መጋበርያ ክኸውን ኣይተፈጠርኩን!

ብናስሮቪች Nature ንነፍሲ ወከፍና ብስምና እያ ትፈልጠና። ነዚ ዝኸውን ማእለያ ዘይብሉ ሳየንሳዊ መርትዖታት ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ ኣሰር ኣጻብዕና’ኳ ይፈላለ እዩ። ካብቶም ናብ ርሕሚ እኖኻ ዝኣተዉ ኣማኢት ሚልዮናት ዋህዮ ዘርኢ እቲ ሓደ ዕዉት እዩ ብውህደት እንቋቑሖ ሰሪሑካ። ዝተፈልየ ዋህዮ እንተዝዕወት “ንስኻ” ኣይምኾንካን። ኣብዚ ደርማስ ጠፈር ብዂለንትናኡ ንኣኻ ዝመስል ሰብ ኣይነበረን፥ የሎን፥ ንዘለኣለም ከኣ ኣይክትድገምን ኢኻ። እዝስ ንኣእምሮ’ውን ዝኸብድ እጹብ ድንቂ ነገር …

Read More »

“ናጻ ሕርያ” ብናስሮቪች

ትምል ምሸት “ሰብ ክሳብ ክንደይ ናጻ ሕርያ ኣለዎ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ምስ ሓደ ብጻየይ ደስ ዝብል ዕላል ጌርና። ዕላልና ብረቂቕ ህላዌን ደራኺ ሓይልን “ገዛኢ መንፈስ” ( Zeitgeist) ዝተቓነየ እዩ ኔሩ። ወከፍ ወለዶ ንመላእ ድርኺቱን ሓሳቡን፡ ብቐንዱ ድማ ንህይወቱ ትርጉም ዝህበሉን ዘማእዘነሉን” ገዛኢ መንፈስ” (spirit of the age) ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ 60ታትን መፋርቕ ሰብዓታትን ዝነበሩ ኣያታትና በቲ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ገኒኑ …

Read More »

ትፈልጡ’ዶ?

ብኣማኑኤል ሳህለ 1. ደፋእቲ ኣብ ቶኮዮ ርእሰከተማ ጃፓን፡ ኣብቲ ቱነልባና ወይ ናይ ትሕተምድሪ ባቡራት፡ በታ ኩባንያ እተቖጽሩ ደፋእቲ ኣለዉ። ስርሖም ከኣ ነቶም ኣብተን ባቡራት ብብዝሒ ዝኣትዉ ሰባት፡ ደፊእካን ደፋፊእካን እኹል ቦታ ንምርካብ እዩ። ክዳን ሰብ ከየበላሽዉ ብማለት፡ ጓንቲ ይግብሩ እዮም። ኣብቲ ውሽጢ ባቡራት፡ ኣይትዳፋእ ዚብል ቃል ትርጉም የብሉን ብኣንጻሩስ ተዳፋእ ምባል እዩ ዚቐለካ። 2. ተስቲፋይ (ምስክርነት ምሃብ) ተስቲፋይ (testify) ወይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com