Thursday , May 2 2024

ምክልኻል ኮረና

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዝተሃስያ ሸውዓተ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓውያን ሃገራት

ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ዝተሃስያ ርእሰ ከተማታት ንምውድዳር፡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣብ መንጎ ዓበይቲ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓ ዝገበሮ ምንጽጻር ምርኩስ ብምግባር፡  ከተማ ስቶክሆሎም፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ከምትርከብ ተፈሊጡ። እቲ ዝተገብረ ምንጽጻር፡ ካብ 100 ሽሕ ሰባት ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ዝወዳድር እዩ። እተን ኣብ ምንጽጻር ዝኣተዋ ዓበይቲ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓ፡ በርሊን፡ ለንደን፡ ማድሪድ፡ ኦስሎ፡ ፓሪስ፡ ሮማን ስቶክሆሎምን እየን። ኣሚስተርዳም፡ ብራጋን ብሮክስሊን ኣብቲ ምንጽጻር …

Read More »

ኣብ ቡደን (Boden)፡ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ተዓጽያ

ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ቡደን እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ስቫትቢያርንሽቢን (Svartbjörnsbyn) ከም ተዓጽወት ተፈሊጡ። ብመሰረት እታ ቤት ትምህርቲ፡ ብዝሕ ዝበለ ቑጽሪ ኣባላታ ብሕማም ስለ ዝተጠቕዑን፡ እኹል ቁጽሪ ተካእቲ ብዘይምህላዎምን ነቲ ውሳነ ክትወስድ ከምተገደደት ትሕብር። እዛ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ቅድመ ትምህርቲ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ትምህር ኮይና ኣስታት 150 ተማሃሮ ኣለውዋ።

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 27 November 2020

Read More »

በዓልመዚ ጥዕና፡ ኣብ እዋን ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን እገዳታት ጉዕዞ ኣይክህሉን እዩ ይብል

በዓልመዚ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ እዋን ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን፡ ናይ ጉዕዞ ቀይድታት ኣይከምሓላልፍን እዩ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ድማ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን፡ ሓደስቲ ምኽርታትን መምርሒታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ ሓቢሩ። ምሉእ እገዳ ጉዕዞ ንእውጀሉ እዋን ኣይበጻሕናን ይኹን እምበር፡ ሰብ ኣብ ዝገሸሉ እዋን፡ ሓላፍነታዊ ክኸውን ከምዝግባእ ኣማኻሪ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ሕማማት ለበዳ፡ ኣንደሽ ቲግኔል፡ ሓቢሩ። ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ ጥርዙ ክበጽሕ ከም ዝኽእል …

Read More »

ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን፡ ብሰንኪ ኮሮና ጎዲሉ

ናይዚ ዓመት ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ክጎድል ትጽቢት ከምዘሎ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን ሓቢሩ። ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ 84.7 ናብ 84.4 ዓመትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ 81.3 ናብ 80.8 ዓመት ክጎድል ከምዝኽእል ገምጋማት’ቲ ማእከል ይገልጹ። ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ መጨረሽታ ሰማንያታት ጀሚሩ፡ ሒደት እዋናት ጥራይ ምጉዳሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ደቂ …

Read More »

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ንሰባት ኣብ ገዝኦም ብምኻድ ክታበት ኮሮና ክህባ ይውጥና

ሓፈሻዊ ክታበት ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ሰባት፡ ኣብ ዓበይቲ ኣብያተ ጽሕፈታት፡ ማእከላት ጥዕናን እንዳ መናበይ ዓበይትን ከምኡ ውን ኣብ ኣባይቲ ብምኻድ ክታበት ጸረ ኮሮና ንኽህባ ይውጥና ምህላወን ምምሕዳራት ሽወደን ይገልጻ ምህላወን መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ፡ መስርሕ ክታበት ኮሮና ክጅምር ትጽቢት ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ገጽ ክታበት ክወስዱ ቀዳምነት ዝዋሃቦም፡ እቶም ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ …

Read More »

ቁጽሪ ተጠቀምቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶክሆልም፡ እናወሓደ ምምጽኡ ተገሊጹ

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ምስፍሕፋ ለበዳ ኮሮና ከምእንደገና እናገደደ ምስ መጸ፡ ከባብያዊ ቀይድታት ንኽተኣታተው መምርሒታት ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብቲ እዋን ጀሚሩ፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ባቡራት እናወሓደ ምምጽኡ፡ ኩባንያ SL ሓቢሩ። ኣብ ምጅማር ናይዚ ሰሙን፡ መጠን ብዝሒ ተሳፈርቲ ባቡራት፡ ብ40% ምጉዳሉ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም። ብተወሳኺ፡ መጠን ብዝሒ ብኣውቶቡሳት ዝሳፈሩ ሰባት፡ እናጎደለ ምምጽኡ ውን …

Read More »

ኣባል ናይ ሓንቲ ስድራ ብኮሮና ምስ ዝልከፍ፡ ህጻናት ክውሸቡ ይግባእ ክብላ ማሕበራት ይጽዋዓ

ኣባል ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ብቫይረስ ኮሮና ምስ ዝልከፍ፡ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ዝመሃሩ ኣባላት’ታ ስድራ ቤት (ህጻናት) ክውሸቡ ኣለዎም ክብላ ማሕበራት ሰራሕተኛታትን መማህራንን ጠለበን ከም ዘቕረባ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ከቢድ ጻዕቂ ስራሕ ኣሎ። ኣብ ገዛ፡ ብኮሮና ዝተለኽፈ ሰብ ምህላዉ እናተፈልጠ፡ ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ምግባር፡ መማህራን ልዕሊ መደቦም ክሰርሑን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ ክእትዉን ዝገብር እዩ …

Read More »

ምጉዕዓዝን ምክፍፋልን መድሃኒት ክታበት ኮሮና፡ እቲ ቀንዲ ብደሆ ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ

መድሃኒት ክታበት ኮሮና ናብ ሽወደን ምስ ኣተወ ፡ ናብ ኩለን ምምሕዳራት ዝካየድ መስርሕ ምጉዕዓዝን ምክፍፋልን፡ ሓላፍነት ናይ መጓዓዝያ ኩባንያታት ክኸውን ምዃኑን ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ መስርሕ፡ ከቢድን ዝተሓላለኸን በዳህን ክኸውን ከምዝኽእል ሓላፊ ማሕበር መከፋፈሊ መድሃኒት ሽወደን፡ ላርስ ሺናትዝ፡ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። እዘን ኩባንያታት፡ ካብቲ ዘጓዓዕዘኦ ዝነበራ መጠን ብዝሒ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝበዝሕን ኣብ ውሱን መጠን ሙቐት ተዓቂቡ፡ ናብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ሽወደን ክበጽሕ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 25 November 2020

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com