Sunday , May 19 2024

ዜና

ሽወደን ኣብ ክንክን ኣረጋውያን ፍሽለት ምርኣያ ተገሊጹ።

ነቲ ሽወደን ዘጋጠማ ፍሽለት ንምሕካም መርማሪት ሽማግለ ሓድሽ ንድፊ “ሕጊ ክንክን ኣረጋውያን” ክትጅምር እያ ተባሂሉ። ኣብ ቀረባ እዋን ኮሚሽን ኮሮና ኣብ ዝገብሮ መርመራ ኣብዚ ስርዓተ ክንክን ከቢድ ህጓፋት ሕጊ ምርካቡን ቀዳማይ ሚኒስተር ሉፊን ከይተረፈ ሽወደን ንኣረጋውያን ዝግባእ ክንክን ኣብ ምሃብ ምፍሻላን ምዝራቡ ተገሊጹ። እዚ ብምቕያር ቅዋም ከይተረፈ ንምምሕያሹ ክስራሓሉን መንግስቲ ዝሕይለሉ ኣገባብ ንምንዳይ ክጽናዕ ከም ዝግባእን ምትሕስድሳቡ ድማ ተመልኪቱ።

Read More »

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣዕናዊ ዝተባህለ ወፍሪ ጠቐነ ከምዝጀመረ ሲኤን ኤን ሓቢራ።

ሓድሽ ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ስርሑ ክጅምር ሰላሳ መዓልታት ተሪፈናኦ ኣብ ዘለዋሉ እዋን ትራምፕ ኣዕናዊ ዝተባህለ ወፍሪ የካይድ ምህላዉ ሲኤንኤን ሓቢራ። እዚ ናይ ጠቐነ ወፍሪ ትራምፕ ብ ተበለጽቲ ባእታታት ይድግፍ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ካብ ዋይት ሃውስ ክወጽእ ካብ 30 ዘይበዝሓ መዓልታት ዝተረፎ ትራምፕ ናይ ምርጫ ማሽናት ክእግድ፥ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ምትእትታው ክገብር ወይ ወተሃደራዊ ሕጊ ከተኣታቱን ዝብሉ ተራ ዝተባህሉ …

Read More »

ኣብ ሃገረ ኢንግሊዝ ዝተራእየ ሓዲሽ ተላባዒ ቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ሻቕሎት ይፈጥር።

ተመሳሳልነትን ምስ ኩሮና ቫይረስ ምኻኑ ዝተነግረሉ ሓዲሽ ተላባዒ ቫይረስ ፡ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ከም ዝተርኣየ ሰብ መዚ መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሮም። በዚ መሰረት ኣብ መላእ ኤውሮፓ ብዝዕባ እዚ ጉዳይ ዓቢ ሻቅሎት ስለ ዝተፈጥረ ፡ ዓበይቲ ጥንቃቀታት ክግበር ፡ ነፍሲ ወከፍ መንግስቲ ኣድላይ ዘበለ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ከም ዝርከባ ይግለጽ ኣሎ። ብመሰርት ክሳብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ፡ ብዙሓት ሃገራት ኤውሮፓ …

Read More »

ምድላው ኣልኮምፒስ ትግርኛ ቅርጹን ሽሙን ክቅይር ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።

ማዕከን ዜና ኣልኮምፒስ ትግርኛ ፡ ሽምን ቅርጽን ብምልዋጥ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ ናይ ሓድሽ ዓመት ፡ ኣብ ትሕቲ ሃርሞንይ ሜድያ ዝተባህለ ፡ ሓድሽ ናይ ቃንቃ ትግርኛ ትካል ብሙኻን ፈነውኡ ከካይድ ምኻኑ ክፍሊ ምድላው ኣልኮምፒስ ትግርኛ ሎሚ 21 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ መግለጺ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ምስቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብሽርክነት ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ፈነወ መደብ ዓረብ ኣልኮምፒስ …

Read More »

“ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክሰጋገር ድልው እየ” ልዋንዶውስኪ።

ፓላንዳዊ ኣጥቃዒ ክለብ ባይረ ሙኒኽን ተዓዋቲ ቡሉጽ ፊፋ 2020 ዝኾነ ሮበርት ልዋንዶውስኪ  ምስ ኢንግሊዛዊት ማንቸስተር ዩናይትድ ተሰሊፉ ክጻወት ዘልዎ ባህጊ ብምግላጽ ፣ ናብዛ ክለብ ንክሰጋገር ድልው ምህላዉ ገሊጹ። እዚ ቆማት ኣጥቓዒ ኣብ 2012 ብ ሰር ኣለክስ ፈርጉሰን ንምስግጋሩ ኣብ ጥርዚ እካ በጺሑ እንተነበረ፣ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ብዘራየእቶ ዛሕልታት ብ ጀርመናዊት ክለብ ዶርትመን ኣብቲ ምሰርሕ ኢዳ ብምሕዋስ ምስኣ ብምንጽንባር ድሕሩ ድማ …

Read More »

ቁኑዕ ኣጠቓቕማ መሸፈኒ ወይ መከላከሊ ኣፍ ከመይ ይመስል

ብመሰረት ሓቤረታ ብዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ነፍሲ ወከፍ ስብ ኣብ ህዝባዊ ኣገሎግሎት ዝህባ ባቡራት ኮነ ኣውቶብሳት ኣብ ዝጥቀመሉ ግዜ ናይ ኣፍ መሸፍኒ ክንወዲ የተሓሳስቡን ለበውኦም የመሓላልፉ ኣለዉ። ብተወስኽውን መሽፈኒ ኣፍ ኣብ ንጥቀመሉ ግዜ፣ ናይ ግድን በቲ ቁኑዕ ኣገባብ ክንጥቀመሉ ከምዘለና ወሲኾም ይሕብሩ። ገለ ካብቲ ኣገባብ ኣጥቃቕምኡ፣ 1, ናይ ግድን ኣፍናን ኣፍንጫናን ብጉቡእ ክንሽፈኖ ከምዘለና 2, ነቲ መከላከሊ ጨርቂ ብ ኢድና …

Read More »

ቦሪስ ጆንሰን ነቲ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክናዋሕ ዝብል ሕቶ ምንጻጉ ተገሊጹ።

ንሱ ነቲ ኣብ መንጐ ዕልቕልቕ ዶብን ሓድሽ ለበዳ ቫይረስን ዝተቐልቀለ ሕቶታት ምንዋሕ እቲ ተግባር ነጺግዎ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተት ስኮትላንድ ምስ ምኽሳት እዚ ሓድሽ ለበዳ ብሪጣንያ ገለ ምንዋሕ እዚ ውሳነ ክትገብር ሓሳብ ምቕራቡ ድማ፡ተመልኪቱ። “እዚ ሓድሽ ዝዓይነቱ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣሸጋሪ ኲነታት ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ምህላዉን 100% ዓቕምና ኣብኡ ከነውዕሎን ኣሎና ዘመልክት እዩ ዘመልክት እዩ” ክትብል ወ/ሮ፡ስታርጎን ኣብ ዝሰደደቶ መልእኽቲ ትዊተር ገሊጻ’ላ። ዝኾነ …

Read More »

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሎሚ ዝጅምር ተሪር ጽኑዕ ሕግታት ምርጋጥ ኣንቡሩ።

ኣብ ሃገረ ኤርትራ ብሰንኪ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብናህሪ ዝተራእየ ቫይረስ ኩሮና ምኽንያት ብምግባር ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ካብቲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ንህዝባውን ማሕበራውን ምንቅስቃሳት ዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት ብዝያዳ ዘትርር ሕግታት ከም ዝኣወጀ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ብመሰረት እቲ ዜና ካብን ናብን ከተማታት ምንቅስቃስ ከም ዝተኸልከለ ከምኡ’ውን ካልኦት ጽኑዓት ናይ ምውሻብ ሕግታት ተመሓላሊፎም ከምዘለዉ ሓይሊ ዕማም ምኽልኻል እዚ ቫይረስ ኣፍሊጡ።

Read More »

ቑጽሪ ብክሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ኣሜሪካውያን 18 ሚልዮን በጺሑ።

ጆን ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 18 ሚልዮን ሰባት ብክሮና ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ኣፍሊጡ። ከምዝፍለጥ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 319 000 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ። ክፍለ መጓዓዝያ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት መዓልታዊ ብኤርፖርትታት ከምዝተጉዓዙ ሓቢሩ። ናህሪ መልከፍቲ ክውስኽ ዝኸኣለ ብዙሓት ብሰንኪ በዓል ናብ ቤተሰቦም ስለዝተጉዓዙ ምኻኑ ክኢላታት ጥዕና ኣሜሪካ ሓቢሮም።

Read More »

ሓድሽ ዓመት ኣብ ትሕቲ ትርር ዝበለ ሕጊ ርችት ክጽንበል እዩ ።

ሽወደን ኣብ ትሕቲ ትርር ዝበለ ሕጊ ርችት ሓድሽ ዓመት ንምብዓል ትዳሎ ምህላዋ ተገሊጹ። እዚ ካብ ሰነ 2019 ንደሓር ከም ዝተኣታተወ ምዃኑ ዝንገረሉ ትርር ዝበለ ሕጊ ርችት ንምትኳስ ግድነት ልምድን ስልጠናን ዝሓትት ኰይኑ ኣብቲ ኣብ ዲሰምበር 31 ኲልሳዕ ዝግበር ምትኳስ ርችት እዚ ዘየማልእ እሞ ኣብዚ ተግባር ንዝዋፈር ሰብ ተሓታቲ ዝገብር እዩ ተባሂሉ ኣሎ። ዕላማ እዚ ሕጊ ብግጒይ ኣገባብ ርችት ምትኳስ ከስዕቦ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com