Sunday , May 19 2024

ዜና

ሮበርት ልዋንዶውስኪ ብሉጽ ተጻዋታይ፣ የርገን ክሎፕ ብሉጽ ኣሰልጣኒ ዓለም ፊፋ ‘THE BEST’ 2020።

ትማሊ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ኣብ ዝተካየደ ስነስርዓት ሕርያ ብሉጻት ፊፋ 2020። ብ ደቂተባዕትዮ ኣብ ዝሓለፈት ዓመት ካብ 47 ጸወታታት ብድምር 55 ሸቶታት ዘመዝገበ ፖላንዳዊ ኣባል ክለብ ባየር ሙኒኽ ወዲ 32 ዓመት ሮበርት ልዋንዶውስኪ ን ዝሓለፉ 10 ዓመታት ዓብለልቲ እዚ መድረኽ ዝነበሩ ክርስትያኖ ሮናልዶን ልዮነል ሜስን ረቲዑ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ፊፋ ‘THE BEST’ 2020 ኮይኑ ክምረጽ ከሎ። ኣሰልጣኒ ክለብ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ንኣዋሃህባ ክታበት ኮሮና ምድላዉ ይጻፈፍ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ነቶም ብደረጃ ሕብረት ኤዉሮጳ ተቐባልነት ረኺቦም ዘሎዉ ፊዘርን ቢዮንቴክን ዝተባህሉ ክልተ ክታበት ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ናብ መዓላ ህዝቢ ንምውዓል፡ ብመሰረት ተታሒዙ ዘሎ ሃገራዊ መደብ ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን በብዘብኡ ዝግበሩ ዘለው ምድላዋት የዋሃህድ ከምዘሎን ኩለን ምምሕዳር ዞባታት ሽወደን ንጠለባተን ዘድሊ ዓቀን መዲቡ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሩ።  ኩሉን ዞባታት ሽወደን እቲ ዘድልየን ብዝሒ ዓቐን ምስ ረኸባ ፡ ብመሰረት ንሓደ …

Read More »

ንግዳዊ ባንክ ዳላርና ሽጉጥ ብዝዓጠቑ ሰባት ተዘሪፉ።

ኣብ ዳላርና ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ሽጉጥ ብዝዓጠቑ ሰባት ስርቂ ተፈጺሙ ክብል ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ሰባት ብሽጉጥ ሰራሕተኛታት ብምፍርራሕ ከምዝፈጸምዎ ተፈሊጡ። እቶም ዘረፍቲ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ወሲዶም ዛጊት ከምዘይተፈለጠ ተሓቢሩ። ፖሊስ እቲ ዞባ፣ ሰራሕተኛታት እቲ ባንክ ብምርግጋእ ተክኒካዊ ምርመራ ከምዝጀምረ ኣረዲኡ።

Read More »

ሰሜናዊ ምንቅስቓስ ናዚ፡ ኣብ ካርልስታድ ዝርከባ ቤት ትምህርታት፡ ታዕሊም ናይ ቅልስ ስነጥበብ፡ ኣዳልዩ

ሰሜናዊ ምንቅስቓስ ናዚ፡ ኣብ ካርልስታድ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ሾፕካሽኩላን (kroppkarrlsskolan) ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ ስፖርት፡ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል፡ ታዕሊም ናይ ቅልስ ስነጥበብ፡ ከምዘካየደ ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሓደ ሰብ፡ ነቲ ኣደራሽ ሓዚኡ ብዘይ ኣፍልጦ ናይታ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ምንቅስቓስ ብምሃቡ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ምምሕዳር እታ ከተማ፡ እቲ ኩነታት ድሕሪ ምፍላጡ ተቐላጢፉ ደው ከምዘበሎምን ኣብ ቀጻሊ፡ ከምዚ ዓይነት ጉድለት ንኸይፍጸም ክሰርሕ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna. 11 December 2020

Read More »

ኤርትራዊ ደራሲ፡ ንሽልማት Västerbottning ተሓጽዩ

ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ኣብቲ ዓመታዊ ብሽወደናዊት ጋዜጣ VÄSTERBOTTENS-KURIREN ዝካየድ፡ ብሉጽ ድርሰታዊ ኣበርክቶ፡ ዝብል ውድድር፡ ከም ሕጹይ ኮይኑ ከምዝቐረበ ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታ ናይታ ጋዜጣ ሰፊሩ ይርከብ። እዛ ጋዜጣ ካብ ዝሓጸየቶም ሸሞንተ ስነጥበባውያን እቶም ሸውዓተ ሽወደናውያን ክኾኑ ከለዉ፡ እቲ እንኮ መወዳድርቶም ወጻእተኛ ብምዃን ዝተረቑሐ ድማ ኤርትራዊ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ኮይኑ ኣሎ። ተዓዋቲ ናይዚ ውድድር፡ ብብዝሒ ድምጺ ህዝቢ ዝውሰን ኮይኑ፡ ክሳብ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 09 December 2020

Read More »

ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ስቶክሆሎም፡ ነጻ ቦታ ከምዘይብለን ሓቢረን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆሎም ዝርከባ ኣሃዱታት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ዝህበኦ ኣገልግሎታት ኣብ ጥርዙ ከምዝበጸሐ ሓቢረን። ካብቲ ዝለወን ቦታታት፡ እቲ 99% ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ከምዘሎን ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ካብ ዝጅምር እዚ ተርእዮ ናይ ፈለማ ምዃኑ ጋዜጣ ዳግኔዝ ኒሂተር ገሊጹ። እዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት፡ ናይ ሞትን ሕየትን ብምዃኑ፡ ሓደገኛ ይገብሮ ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሮሊኒስካ ሓላፊ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝኾነ ቢሮን ፒርሾን ሓቢሩ። …

Read More »

ዝበዝሑ ኣባላት ፓርላማ ዝኾኑ ሰልፍታት፡ ንእማመ መንግስቲ፡ ተቋዊሞም

እቲ ብመንግስቲ ዝቐረበ ብሕጊ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ (gymnasielagen) ዝፍለጥ ሓድሽ እማመ፡ ብዝበዝሑ ኣባላት ፓርላማ ዝኾኑ ሰልፍታት ተቛውሞ ከምዝረኸበ ተፈሊጡ። እዚ ማለት ድማ፡ መንግስቲ ንዘቕረቦ እማመ ክስሕብ ክግደድ ማለት እዩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንፓርላማ ክሰምዕ ይግባእ ክትብል ኣብ ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ወሃቢት ቃል ጉዳይ ስደተኛታት ዝኾነት ማርያ ስቲንርጋርድ፡ ን SVT ሓቢራ። እዚ ኣብ 2018 ዝጸደቐ ሕጊ፡ ንብዙሓት ብዘይ መሰነይታ …

Read More »

ሚኒስተር ፋይናንስ፡ እቶም ዝለዓሉ ተረባሕቲ ድጎማ መንግስቲ፡ ቤት ምግብታት እዮም ትብል

ሆቴላት፡ ቤት ምግብታት፡ ባህላውን መዘናግዕን ጨንፈራት ኣገልግሎታትን እቶም ቀንዲ ተረባሕቲ ናይቲ ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና ብመንግስቲ ዝተዋህበ ገንዘባዊ ሓገዝ (ድጎማ) እዮም ክትብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግዳሊና ኣንደርሾን፡ ሓቢራ። መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም ወነንቲ ናእሽቱን ብሕታውያን ኩባንያታትን ብውልቆም ንዝሰርሑ ሰባትን፡ ገዚፍ መጠን ድጎማ ከምዘካየደ፡ ኣንደርሾን፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። መንግስቲ፡ ነቶም ብሕታውያን ኩባንያታት ዝገብሮ ድጎማ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com