Friday , May 17 2024

ዜና

ኣብ መላእ ሃገር ሽወደን ውርጪ ይወድቕ ምህላዉ ተገሊጹ።

ዋላኳ ወቕቲ ሓጋይ እንተሃለወ ኣብ መላእ ሃገር ሽወደን ውርጪ ይወድቕ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ዞባታት ደቡብ ዝመክኽ በረድ ብቕጽበት ከም ዝበርድ፥ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ እምባታት Naimaka ትማል ለይቲ እቲ ዝተሓተ መጠን ዛሕሊ ማለት ኣሉታ 39.3 ተመዝጊቡ ምህላዉ ተፈሊጡ። ብመሰረት ማእከል ሜትሮሎጂ ውርጪ ክሳብ ጽባሕ ምውዳቕ ክቕጽል እዩ። ኣብቲ ኣዝዩ ቈራሪ ሰሜናዊ ዞባ ምንም ውርጪ የለን። ኣብ ደቡባዊ ዞባ Sakonah ከሙኡውን Haland …

Read More »

ሴቭ ዘ ቺልድረን: ብዙሓት ቆልዑ ሽወደን ኣእምሮኣዊ ጥዕናኦም ኣብ ኣስጋኢ ኲነታት ከምዝርከብ ገሊጹ።

ሴቭ ዘ ቺልድረን ዝተባህለ ትካል ብዙሓት ቆልዑ ሽወደን ኣእምሮኣዊ ጥዕናኦም ኣብ ዝፈታተን ኣስጋኢን እናዓበየን ዝመጸ ኲነታት ምህላዎም ገሊጹ። ብመሰረት ኣገልግሎት ጥዕና እኹል ትምህርቲ ካብ ዘይረኸቡ ወይ ጡረታ ዝወጹሞ እኹል ማል ዘይብሎም ወለዲ ዝውለዱ ቈልዑ ድኽነት ከም ዝስምዕምን ካብ ካልኦት ቈልዑ ብዝያዳ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ከም ዝጥቅዑን ይገልጽ። ብመሰረት ተኸታታሊ መጽናዕቲታት እቲ ኮሚሽን ቊጠባን ሽቕለትን ብሓፈሻ እቶም ኣዝዮም ጸለውቲ ባእታታት ጥዕና …

Read More »

መዘወሪ መኪና ፍቃድ ዘይብሉ ዘዋራይ ን ኣምቡልናስ መንገዲ ይዓጹ።

ትማል ንግሆ ሓንቲ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ዝወረዳ ሰበይቲ ናብ ሆስፒታል እተብጽሕ ዝነበረት ኣምቡላንሳ መምርሒ ፍቓድ ብዘይብሉ ዘዋር መኪና ከም እተዓግተት ተገሊጹ። እዛ ኣምቡላንሳ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ተልእኾ ምህላዋ ንምምልካት ሰማያዊ መብራህቲ እኳ እንተወልዐት እቲ ዘዋር መኪና ምትሕብባር ምእባዩ እዩ ተገሊጹ። እዚ ፍጻመ ኣብ börlänge መንገዲ ቁ 50 ከም ዘጋጠመን እቲ ምዕጋት ንትሽዓተ ደቓይቕ ምጽንሑን ተሌቪዥን ሽወደን ገሊጻ’ላ። እዚ …

Read More »

ሓላፊ ጒጅለ SD ስቶክሆልም Peter Valmark ንገዛእ ነብሱ ፖለቲካዊ ጸሓፊ ጌሩ ምሻሙ ተገሊጹ።

እዚ ማለት ብ ክልተ ደሞዝ ብምውሳድ ክኽሰስ ይኽእል’ዩ ክትብል ጋዜጣ Aftonbladet ሎሚ ጸብጺባ። ብመሰረት እታ ጋዜጣ Valmark ከም ሓላፊ SD መጠን ወርሓዊ ደሞዙ 40,623 ክሮነር ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ። ብዘይካዚ ከም ፖለቲካዊ ጸሓፊ ናይቲ ሰልፊ ካልኣይ ናይ 50,000 ክሮነር ደሞዝ ከም ዝቕበል እውን ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ህንጻ ቆንስል ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ተመሳሳሊ ድርብ ስራሕ ዘለዎ ካልእ ሰብ የለን ክትብል እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ገሊጻ’ላ። …

Read More »

መበል 24 ሰሙን ግጥማት ፕርመር ሊግ ጽብሕ ሰሉስን ሮብዕን ይቕጽል!

መበል 24 ሰሙን ግጥማት ፕርመር ሊግ ጽብሕ ሰሉስን ሮብዕን ጽባሕ ሰሉስ ብ ሽዱሽተ  ሮብዕ ድማ ብ ኣርባዕተ ግጥማት ብ ኸምዚ ዝስዕብ ክቕጽል እዩ። ሰሉስ                                                              8:45 ኣርሰናል ምስ ካርዲፍ                                8:45 ወልቭስ ምስ ዌስት ሃም8:45 ሀድርስፊልድ ምስ ኤቨርተን8:45 ፉልሃም ምስ ብራይተን9:00 ኒውካስትል ምስ ማን ሲቲ9:00 ማን ዩናይትድ ምስ በርንለ ሮቡዕ 8:45 በርንማውዝ ምስ ቼልሲ8:45 ሳውዝሃምተን ምስ ክርስትያል ፓላስ9:00 ተቶንሃም ምስ ዋትፎርድ9:00 ሊቨርፑል …

Read More »

መሓመድ ሑሴን ኣልዓሙዲ ድሕሪ ናይ 14 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተለቂቁ።

ወናኒ መዐደል ነዳዲ ፕሪም (Preem) ዝኾነ ብዓል ሃብቲ መሓመድ ሑሴን ኣልዓሙዲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተለቂቁ። ወሃቢ ቃል እዚ ትካል ከምዝገለጾ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተለቀቀ እምበር ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ዝቅጽል መዓልታት ካብ ቤተሰብ ክረኽቡ ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጹ።

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ብሰንኪ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ይንቀፍ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ጒዳይ ብሸለልትነት ብምሓዝ ንሓደ ዓመት ክደናጐ ብምግባሩ ካብ ትካል ተጣባቒ ፍትሒ ትርር ዝበለ ነቐፌታ አአንጊዱ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን እዛ ሰበይቲ ነቲ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ዝሃቦ ውሳነ ብምቅዋም ጥርዓን ኣቕሪባ ኔራ። እዛ ሰበይቲ ዘቕረበቶ ናይ ዕቚባን ፍቓድ ግዜያዊ መንበሪን ድሕሪ ምንጻጉ ዘቕረበቶ ጥርዓን ንሓደ ዓመት ምስ ገበረ እያ ናብ ቤትፍርዲ ኦሚግሬሽን ከም ዝሓልፍ ጌራ። …

Read More »

ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ዜግነት ንዘሎ ሕጊ ክትርሮ ምዃኑ ቃል ይኣቱ።

ሽወደናዊ ዜግነት ንዝሓቱ ሰባት ናይ ቋንቋ ፍልጠቶም ዝዕቅን መርመራ ክወሃቦም ምዃኑ እውን ገሊጹ’ሎ። እዚ ውሳነ ሊበራላዊ ሰልፊ ንዝሓለፋ 16 ዓመታት ክደፍኣሉ ዝጸንሐ ሓሳብ እዩ። ሕጂ እዚ ብልፍንቲ ሶሻል ዲሞክራትስን ሓምላይ ሰልፊታት ዝቘመ መንግስቲ ናይ በጀት ሕቶኡ ብሊበራላዊ ሰልፊ ድጋፍ መታን ክረክብ እዚ ዝተገልጸ ለውጢ ፖሊሲ ዝተኣታተወሉ መስርሕ መርመራ ከበግስ እዩ። ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ባይቶ Gulan Avci ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

ኣብ ዒራቕ ኣሽሓት ስድራቤታት ብግብረሽበራዊ ጒጅለ ዳዕሽ ተሓዪሮም ምህላዎም ተገሊጹ።

ነዞም ስድራቤታት ካብ ሕብረተሰብ ምንጻል ኣብኡ ንዝዓብዩ ቆልዑ ብፍላይ ግዳይ ብምግባር ኣሰር ኣቦታቶም ንኽስዕቡ ዝገብር እዩ ይብሉ ወሃብቲ ርእይቶ። እዚ ንጥንታዊ ስርዓት ስፓርታ ዝመስል ጥቕጣቕ ሕጊታት ዝመልኦ ዶራን መዓስከር ጎማ መኪና ዘንከባልሉ ህጻናት ብመሽጐራጉር ቴንዳታት ሕልኽልኽ ክብሉ ብብዝሒ ይረኣዩሉ። ብዙሓት ካብዚኣቶም ሓመድ ዝመስሉ ኮይኖም ቈርበቶም ዝሓፈወ እዩ። ነበርቱ ካብ ቀጽሪ መዓስከር ተወዝ ክብሉ፡ ሰብ ክበጽሖም ይኹን ሞባይል ክጥቀሙ ኣይፍቀደሎምን እዩ። …

Read More »

ሓንቲ ሰበይቲ ናጽላ ብምጥፋኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።

እዛ ሰበይቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ መውዓሊ ህጻናት ዮተበሪ ናጽላ ክወጽእ ጌራ’ያ ብዝብል እያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ ዘላ። እታ ሰበይቲ ነዚ እኳ እንተተኣመነት ነቲ ካሮሴላ (barnvagn) ጥራይ እየ ደልየ ኔረ፥ ጸኒሐ እየ ቆልዓ ከም ዘለዎ ርእየ” ኢላ። ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ገበን ካብ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል ናብ ዘይሕጋዊ ምሕያር ዝብል ስያመ ኣሰጋጊርዎ’ሎ። ዓቓቢ ሕጊ Hedvig Lundblad ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ነዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com