Wednesday , May 15 2024

ዜና

ኣገልግሎት ዲጂታላዊ ሕክምና ልዑል ወሰኽ ተገልገልቲ ኣርእዩ።

ከምኒ ክራይ(Kry),  ሚን ዶክተርን (Min Doktor) ዝበላ ዲጂታላዊ ዌብሳይታት ተጠቀምተን ምውሳኹ ኣብዚ ዓመትዚ ኣብ ዝተራእየ ምውሳኽ ኣገልግሎት ዲጂታላዊ ሕክምና ተራ ኔርዎ ተባሂሉ። እቲ ትንበያ ከም ዝበሎ ተበጻሕነት ዲጂታላዊ ዌብሳይታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን በጺሑ’ሎ።ሕሳብ ከፈልቶ ግብሪ ሓደ ቢልዮን ክሮነር ሽወደን ክብጸሕ ከም ዝክእል ድማ ኤስ ቪ ቲ ኒውዝ ጸብጺቡሎ። ዝሓለፈ ዓመት እቲ ቁጽሪ ዲጆታል 200000 ጥራይ እዩ ኔሩ።

Read More »

ሶርያውያን ዳግማይ ክስደዱ ተኽእሎ ኣሎ ተባሂሉ።

ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ሶርያውያን ዳግም ክስደዱ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ።”እዚ ዝኽውን ዘሎ ምናልባት ሰባት ምስ ክዉንነት ዘይዛመድ ስእሊ ናብራ ሽወደን ስለ ዘሕድሩ ከይኮነ ኣይተርፍን” ይብል ኣብ ብሮሞላ ዝምቕማጡ ኣናስ ኢድሊቢ። ኣብቲ ጸብጻብ ሶርያውያን ስደተኛታት ኣብ ቦኽሪ ዓመተ ስደቶም ዘርኣይዎ ባህሪ ብዝርዝር ብምክትታል ምናልባት ናብ ዳግማይ ስደት ከምርሑ ይኽእሉ እዮም ክብል እቲ በዓል መዚ ናብ መደምደምታ በጺሑ። “ብተዛማዲ ገዚፍ ቊጽሪ ዘለዎ ሶርያውያን …

Read More »

ኣብ ቨሊንግ ንልመና ዝምልከት ውሳነ ተመሓላሊፉ ።

  እዚ መልእኽቲ ዝመጸ ብውሳነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ምምሕዳር እዩ።”ኣነ ብርግጽ ኣዝየ ሕጉስ እየ። ኣብ መላእ ሽወደን እዚ ጉዳይ ዓቢ ቆላሕታ ክስሕብ ጸኒሑ’ዩ። ብዙሓት ምምሕዳር ከተማታት ነዚ ብኣንክሮ እየን ከክታተለኦ ጸኒሐን።” ትብል ኣደመንበር ቆንስል ምምሕዳር ከተማ ቨሊንግ ካሪና ዉዝለር። ምምሕዳር ከተማ ቨሊንግ ኣብ ሓሙሽተ ውሱናት እተመልከታ ከባቢታት ጥራይ ልመና ፈቒዱ። እዚ ውሳነ ፍትሓዊ እዩ ብዙሓት ምምሕዳር ከተማታት ኣሰሩ ክስዕባ ውን ከተባብዕ …

Read More »

ዕጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ዓርሞሸሽ ፒኤስጂ የራጽም!

ሎሚ ዕጫ ዙር 16 ቻምፒዮንስ ሊግ ኣብዝወደቀሉ ስለስተ ክለባት ኢንግሊዝ ምስ ክለባት ጀርመን ከራኽብ ከሎ ዝተረፈት ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ድማ ምስ ገዚፍ ፋናንሳዊ ወጻኢታት ዝገበረት ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ ኣራኺብዋ።  ዕድል መሪኖ ዝውሰነሉ ጸወታ ክኸውን እዩ ክብሉ ተንተንቲ ስፖርት ይሕብሩ። እዚ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ዝጅመር ናይ ክልተ ዙር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኢንግሊዛዊት ክለብ ቶተንሃም ምስ ብመንእሰያት ተሃኒጻ ኣብ ጹቡቅ ቁመና ትርከብ …

Read More »

ጋነርስ ኣብ ሜዳ ሰንቲ መሪ ጥሒሎም::

ኣብ ፕርመርሊግ ኢንግሊዝ ብ ጹቡቅ ገስጋስ ድሕሪ ናይ 22 ዝይተሰዓርነት ብክለብ ሳውዝሃምብተን ኣብቒዑ። ኣብዚ ናይትማሊጸወታ ኣርሰናላውያን ካብ ድሕሪ ተበጊሶም ብሸቶታት ማክተረያን ናብ ናይ 2 ብ2 ውጺኢት ክመዓራረዩ እካ ኣንተኻኣሉ፣ ኣብ 85 ደቂቅ ብጉድለት ሓላዊ ልደት ኣርሰናል ዝረኸባ ቻርሊ ኡስታን ዘመዝገባ 3ይቲ ሸቶ ንዘይተሰዓርነት ጉዕዞ ኣርሰናል ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ የዩና ኤምሬ ብሓድሽ ኣሰልጣኒ ክለብ ሳውዝሃምብተን ራፍ ሀዜንሁት ደው ኢሉ።

Read More »

በዓልመዚ ማዕርነት ጾታ(ጀንደር) ተዓጽዩ።

ኮሚተ ዕዮ ሽቅለት ዝሓለፈ ሰሙን ንውጥን ባጀት ለዘብተኛን ክርስትያናዊን ሰልፊታት ዝድግፍ ድምጺ ምሃባ ተረጋጊጹ። እዚ ህጹጽ ፍታሕ ንበዓል መዚ ማዕረ ዕድላት ኣቖጢዕዎ’ሎ።እዚ በዓልመዚ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጥሪ 12 እዩ ስርሑ ጀሚሩ። “ኣነን መሳርሕተይን ሎሚ ብዙሕ ኢና ጒሂና” ትብል ዳይረክተር ጀነራል በዓል መዚ ማዕረ ዕድላት ሌና ኣግ። ዋላኳ ኮሚተ ዕዮ ሽቅለት ዝሓለፈ ሰሙን ንውጥን ባጀት ለዘብተኛን ክርስትያናዊን ሰልፊ እንተጽደቐት እቲ …

Read More »

ኢመግረሽን ቦርድ ሽወደን ብዙሕ ወጻኢ ምግባር ከም ዝጽበዮ ይትንበ።

ኣብ ዓመታት 2018 ክሳብ 2021 ብሰንኪ ምዕቋር ባጀት ኤምን ኬዲን ወጻኢታት ቦርድ ስደተኛታት ብሓደ ቢልዮን ክሮነር ክውስኽ ምዃኑ ተገሊጹ። ዳይረክተር ሚካኤል ራበንቪክ ንሪክስዳግ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ንዚ ምግላጹ ቲቲ ጸብጺቡ’ሎ።”ኣብ ዝቕጽል ዓመት ሪጋ፡ ንመስርሕ ዝወስድ ግዜን ተጠቀምቲን ብናህሪ ክውስኽ እዩ” ይብል እቲ ደብዳቤ። ኣቦመንበር ማሕበራዊ ሽማግለ ጆን ፎርሰል ናብ ቲቲ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ “ቀዳምነትና ምክልኻል፡ ፖሊስን ከምኡ ዝመሰለን እዩ” ይብል።

Read More »

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ግጭት 21 ሰባት ከም እተቐትሉ ሬድዮ ፋና ጸብጺቡ::

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራት ብዝተኸስተ ግጭት 21 ሰባት ከም እተቐትሉ ፋና ዝተባህለ መንግስታዊ ሬድዮ ጸብጺቡ። እዚ ግጭት ኣብ መንጎ ብሄራት ኦሮሞን ሶማልን ዘጋጠመ ኮይኑ፥ 61 ዝኾኑ ስባት እውን ግዳይ መቚሰልቲ ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ግርጭት ዓሚ ካብ ዝልዓል ንነጆ ዛጊት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ። ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ በቲ ዘተኣታተዎ ፖለቲካዊ ጽገናን ዕርቂ ምስ ጎረባብቲ …

Read More »

“ኣብ ዝቕጽል ዓመት ሪጋ፥ ንመስርሕ ዝወስድ ግዜን ተመዝገብትን ብናህሪ ክውስኽ እዩ ” ዳይረክተር ጀነራል ኢመግረሽን ስዊድን ሚካኤል ሪበንቪክ

“ኣብ ዝቕጽል ዓመት ሪጋ፥ ንመስርሕ ዝወስድ ግዜን ተመዝገብትን ብናህሪ ክውስኽ እዩ ” ክብል ናብ ኩሎም ኣባላት ኮሚተ ማሕበራዊ መድሕን ባይቶ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ ዳይረክተር ጀነራል ኢመግረሽን ስዊድን ሚካኤል ሪበንቪክ  ኣጠንቂቑ:: ቅዳሕ ናይቲ ደብዳቤ እውን  ናብ ማዕከን ዜና ቲቲ በጺሑ ኣሎ።  ብተወሳኺ እቲ ዳይረክተር ጀነራል ካብ ዓቐን ንላዕሊ ንዋይ ምፍሳስ ቦርድ ስደተኛታት ኣብ 2019 ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሰጒጉ ኣብ 2020 ክመልሶም እዩ …

Read More »

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ሶማልያ ኣትዩ::

እዚ ብጸጋማይ ወገን ቀይሕ ምንጻፍ ዝርአ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብፕረዚደንት ሶማልያ ደሚቕ ኣቀባብላ ተጌሩሉ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንመጀመርታ ግዜኡ እዩ ናብ ሶማልያ ኣትዩ ክብል ሚኒስተር መራኸቢታት እታ ሃገር ሓቢሩ። እዚ ምብጻሕ መርኣያ ናይቲ ብዙሕ ምምሕያሽ እናርኣየ ዝመጸ ዝምድና ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፥ ብፍላይ ድማ ካብ ቀውዒ ጀሚሩ እናሞቕ ዝመጸ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ። ሶማልያን ኤርትራን ዝሓልፈ ክረምቲ እየን ዝምድንአን ናብ ንቡር ክመልሳ ተሰማሚዐን። ፕረሲደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዲላሂ መሓመድ ብወገኑ ናብ መዲና ኤረትራ ኣስመራ ምብጻሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com