Thursday , May 16 2024

ዜና

ናይ ዳዊት ኢሳቕ መጽሓፍ ኣብ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ንምዕዳል ጐስጓስ ምውጻእ ገንዝብ ይካይድ

ሎሚ ቀዳም፡ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛን ደራሲን ዳዊት ኢሳቕ ዕለተ-ልደቱ እዩ – ንመበል 17 ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ ዘብዕላ ዕለተ-ልደቱ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ መጽሓፉ ንኣባላት ባይቶ ሕብረተ ኤውሮጳ ንምዕዳላ ምእንቲ ክከኣል፡ ጐስጓስ ምውጻእ ገንዘብ ተዳልዩ ኣሎ። እቲ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ ናይ ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ን17 ዓመታት ብዘይ ፍርዳዊ መስራሕ ተቐይዱ ይርከብ። ብ2001 ኣብ ዝተታሕዘሎ ግዜ፡ ምስ’ታ …

Read More »

ሚኒስትሪ ምክልኻል ንግዙፍ ወተሃደራዊ ልምምድ ይቀራረብ

ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን፡ ፔተር ሁልትክቪስት (ሶ)፡ ነቲ ኣብ ኖርወይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ልምምድ ኔቶ ጽባሕ ሰንበት ክዕዘብ እዩ። ብወገን ሽወደን፡ 2300 ወተሃደራት፡ ክልተ ንኣሽቱ መራኽብ ውግእን ሸሞንተ ያስ ግሪፐን-ፕላን ዝዓይነተን ነፈርቲን ክሳተፉ እዮም። ፔተር ሁልትክቪስት፡ “ተሳታፍነት ሽወደን ኣብቲ ልምምድ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባር፡ ንልዑላውነትና፡ ንሃገራዊ ሓድነትን ከምኡ’ውን ነቶም ቅዋም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝደንገጎም መትከላትን ንምክልኻል ድሎዋት ምህላውና መልእኽቲ ይሰድድ፡” ምባሉ …

Read More »

ስቨርየ ደሞክራተርና SD ምኽንያት ዕግርግር

ሰልፊ ሞደራተርና ንስልጣን ኢሉ ምስ ስቨርየ ደሞክራተርና ብምትሕብባር ኣብ ብዙሕ ኮሙናት ነቲ ናይ ሰልፉ መምርሒ ይጥሕሶ ኣሎ።I መራሒቲ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሶን ርእይቶ ኪህብ ኣይደለየን፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ጉናር ስትረመር፡ ኣቦመንበር ሰልፊ፡ መልሲ ሂቡ። ኣብ ሶልቨስቦርይ፡ ሞደራተርና ናይ ባዕሎም መምርሒ ከም ዝገሃሱ ድማ ገሊጹ። ግን እቲ ምስ ስቨርየ ደሞክራተርና እተገብረ ምትሕብባር ዞባዊ ጥራይ ከም ዝኾነ ድማ ብተወሳኺ ሓቢሩ። እዚ ኣንጻር ቅዋም …

Read More »

ሚነሶታ – ሰኽራማት ኣዕዋፍ ነበርቲ የሻቕላ

ኣብ ጂልበርት፡ ሚነሶታ ሰኺረን መሳዅቲ ብዝሰብራን ውንአን ብዘጥፍኣን ኣዕዋፍ ዝተጨነቑ ተቐማጦ፡ ናብ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ብተደጋጋሚ ብምድዋል ሻቕሎቶም ክገልጹ ከምዝቐነዩ ስካይኒውስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዘይከም ካልእ እዋናት፡ ብዙሓት ኣዕዋፍ ንደቡብ ገጸን ስለዘይተሰደዳ ኣብቲ ከባቢ ብዝሒ ኣዕዋፍ ኣሎ። ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ኣልኮል ዘለዎም ፍረታት መሮር ኣብዚ ዓመት’ዚ ቅድሚ እዋናቶም ስለዝበሰሉ’ሞ እተን ኣዕዋፍ ብሃነፍነፍ ክበልዕኦም ስለዝጀመራ ከኣ፡ …

Read More »

ባዕዳዊት መርከብ ኣብ ሊንድዮ ተራእያ

ሳብማሪን እትመስል መርከብ ኣብ ጥቓ ደሴታት ስቶክሆልም ተራእያ። ብመሰረት ዳገንስ ኒሄተር፡ ብዙሓት ስባት ተመልኪቶምዋን ስኢሎምዋን። ኣብ ዝሓለፈ ሰነ እዩ እዚ ነገርዚ ብገለ ሰብ መራኽብ እተራእየ። ሓደ ካብዚኣቶም ኣብቲ ማያት ዓፍራ ዚመስል ነገር ርእዩ፡ ብድሕርዚ መጠንቀቕታ ተላኢኹ። ብመሰረት መሰኻኽር፡ እታ ብውሽጢ ውሽጢ እትኸይድ መርከብ ኣርባዕተ ኩርናዓት ዘለዋ ትመስል ይብሉ። ብድሕርዚ ፊልም ኣልዒሎምዋ። ቅሩብ ጸኒሓ እታ መርከብ ናብ ናይ ስቶክሆልም ደሴታት ሸነኽ …

Read More »

ጓለንስተይቲ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ

ወይዘሮ ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ብባይቶ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ናይ ኢትዮጵያ ፕረሲደንት ኮይነን ተመሪጸን። ንሰን ኣቐዲመን ከም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይነን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣገልጊለን፡ ከምኡውን ኣብ ናይሮቢ ናይ ው.ሕ ቤትጽሕፈት ዋና ዲረከተር ኮይነን ኣገልጊለን። ወይዘሮ ሳህለወርቅ ነቲ ካብ 2013 ጀሚሩ ናይ ኢትዮጵያ ፕረሲደንት ዝነበረ ሙላቱ ተሾመ እየን ዚትክኣ ዘለዋ።    

Read More »

ቱርኪ ነቲ ቅትለት ካሾጊ፡ ብፊልም ከም ዝቐረጸቶ ትገልጽ

ኩሉ ዓለም ብዛዕባ እቲ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጃማል ካሾጊ ሕቶታት የቕርብ ኣሎ። ይኹንምበር፡ ብመሰረት ጸብጻባት፡ ቱርኪ ናይቲ ፍጻመ ብፊልም እተቐድሐ መረጋገጺ ኣሎዋ። እቲ ፊልም ወይ ቪደዮ፡ ቅትለት ካሾጊ ኣብ ውሽጢ ቤትጽሕፈት ቆንስል ስዑዲ ከም እተፈጸመ ይገልጽ። ነዚ ሓበሬታዚ ዝሃበ ድማ ኣስራሒ ናይቲ ጋዜጠኛ ዝኾነ ዋሺንግቶን ፖስት እዩ። ገለ ማዕከናት ዜና ከም ዚብሉዎ፡ እቲ ምርመራን ስቓይን ቅትለትን ኣብቲ ቪደዮ ተቐዲሑ ኣሎ። ግን፡ …

Read More »

ተወሳኺ ተፈንጃሪ ነገር ናብ ደኒሮን ናብ ጆ ቢደንን ይልኣኽ

ናብቲ ተዋሳኢ ፊልም፡ ሮበርት ደ ኒሮን ናብ ምክትል ፕረሲደንት ነበር ጆ ቢደንን ተወሳኺ ተፈንጃሪ ነገራት ተላኢኹ። ክሳዕ ሕጂ መን ይልእኮ ከም ዘሎ ኣይተፈልጠን፡ ኤፍ.ቢ.ኣይ ግን ናይ ግብረሽበራ ስራሕ ከም ዝኾነ ትገልጽ። ፖሊስ ኒዩዮርክ ሓሙስ ንግሆ እዩ ነቲ ናብ ሮበርት ደ ኒሮ እተላእከ ተፈንጃሪ ዝረኸቦ። እቲ ሮበርት ደ ኒሮ ኪቕበሎ ዝተላእከ ፖስታ ብራጂ ምስ ተመርመረ፡ ተፈንጃሪ ምዃኑ ተፈሊጡ። ደ ኒሮ ተቓዋሚ …

Read More »

ምቅይያር ሰዓታት ኣይትረስዑ!!

ኣብዚ ዓመት’ዚ እቲ ኣቆጻጽራ ሰዓታት ስዊድን ጥቅምቲ 28 ናብ ሰንበት ዘውግሕ ለይቲ ናብቲ ንቡር (standard) ኪምለስ እዩ። ከም ዚፍለጥ፡ ኣብዚ ዓመትዚ ኣብ ወርሒ መጋቢት እቲ ኣቆጻጽራ ብሓደ ሰዓት ወሲኹ ነይሩ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ወርሓት ሓጋይ፡ ጸሓይ ቀልጢፋ ስለ እትወጽእን፡ ደንጕያ ድማ ስለ እትዓርብን፡ ንግሆ ሰዓት 7 ተንሲእካ ንስራሕካ ትኸይድ ዝነበርካ፡ ነቲ 7 ናብ 8 ምስ ቀየርካዮ ነቲ ብርሃን …

Read More »

ናብ ገዛውቲ ክሊንቶንን ኦባማን ዝቐንዐ ተተኳሲ

ኣብቲ ናብ ባራክ ኦባማን ናብ እንዳ ክሊንቶንን እተላእከ ፖስታ፡ ተተኳሲ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ። ተመሳሳሊ ተተኳሲታት ናብቶም ምስ ሰልፊ ደሞክራሲ ኣመሪካ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባትውን ተላኢኹ ኣሎ። እቲ ፖስታታት ናብ እንዳ ክሊንቶንን፡ ኣብ ኒዩሮርክ፡ እንዳ ኦባማን፡ ኣብ ዋሺንግቶን፡ ከይበጽሐ ከሎ ደው ከም ዚብል ተገይሩ። – ሳላቶም ናይ ጸጥታ ሰራሕተኛታት ምንም ኣይኮናን፡ ትብል ሂላሪ ክሊንቶን ብመሰረት ሮይተርስ። ቤትጽሕፈት CNN ከይተረፈ  ኣብ ዒላማ ብምእታዉ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com