Thursday , May 9 2024

ሃገራዊ ዜና

ኣብ ኦስተርሱንድ ብዘጋጠመ ባርዕ ህንጻ መንበሪ ክልተ ሰባት ይሞቱ

ኣብ ኦስተርሱንድ ኣብ ዝርከብ ህንጻ መንበሪ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ሞይቶም። እቶም ግዳያት ኣብ ዕድመ ሰብዓታት ዕድመ ዝርከቡ ሰብኣይን ሰበይቲን ምዃኖም ብፖሊስ ይግለጽ። ኣገልግሎት ህጹጽ እዋን እቲ ጻውዒት ለይቲ ቅድሚ ሰዓት 1፡30 ከም ዝበጽሖምን ሰባት ካብቲ ህንጻ ክወጹ ምግባሮምን ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

መርመራ TV4: “ሰልፊ ዴሞክራትና “ፋብሪካ ትሮል” ኣካይዶም እዮም”

ሰልፊ ዲሞክራሲ ሽወደን ቅድሚ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን 2018 ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፕሮፖጋንዳ ንምፍራይን ንምዝርጋሕን ዘኽእሎም ኣገባብ “ትሮል ፋክትሪ” ምትእትታዎም መደብ ቲቪ4 ካላ ፋክታ ኣቃሊዑ። እዚ ሰልፊ ስሞም ዘይተገልጸ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሕሳባት ምውጻእ ይቕጽሉ ከምዘለዉ እቲ መደብ ብተወሳኺ ሓቢሩ’ሎ። ኣካያዲ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ውድብ፡ ነዚ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ርእይቶ ንምዝባዕ ዝሰርሕ ኣገባብ ጨሪስና ኣይወዓልናዮም ኢላ ድሕሪ ምንጻግ ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት …

Read More »

ስነጥበባዊት ቪልሄልሚና ትሮስት—”እንስሳታት መዘናግዒና ኣይኮኑን”

ስነጥበባዊት ቪልሄልሚና ትሮስት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ “ኣኒሜሽንስካደሚን” ኣብ ዘቕረበቶ ኣካል ፕሮጀክት ምረቓ ዝኾነ ሓጺር ፊልም ንኣምርን ኣታሕዛን መካነ እንስሳታት ነቒፋ። ዕላማ ናይታ ሓጻር ፊልም ብዛዕባ ምስ እንስሳታት ዝተኣሳሰር ኣብ ህሉው ሞራላዊ ኣተሓሳስባ ዘሎ ክትዓት ክቕጽል ንምትብባዕ እዩ። 'ሰብኣዊ' ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ እዛ ፊልም፡ ስቶፕሞሽንን 3Dን 2Dን ኣኒሜሽንን ተጠቒማ ዝተሰርሐት ኮይና፡ ኣብ ዙርያ ወዲ 3 ዓመት ቶርስተን ዘማእከለት እያ። እዚ …

Read More »

ከተማ ማልም ዩሮቪዥን ኣብ እተካይደሉ ዘላ ሰሙን ብርቱዕ ሓለዋ ጸጥታ ይካየድ

ቅነ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ሰሙን፥ በጻሕትን ተቐማጦን ማልም ልዑል ህላወ ፖሊስ፡ ከምኡ’ውን ትራፊክ ዝጸሉ ምኽባብ ከባቢታት ክህሉ ምዃኑ ኣብ ግምት ከእትዉ ከም ዝግባእ ተገሊጹ። ኣብ ከተማ ማልሞ ሓላፊ ጸጥታ ኡልፍ ኒልሰን፡ ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ከባቢታት ዩሮቪዥን ቦርሳ ኢድ ምሓዝ ክኽልከል ምዃኑ ጽንዕ ዝበለ ክትትል ጸጥታን ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ። “ነዚ ጽንብል ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ጸጥታ ንምስላጥ ኣብ ውሽጢ ሽወደንን …

Read More »

ወጻእተኛታት ኡፕሳላ ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ደገፍ ይረኽቡ

ሬድዮ ሽወደን ምስቶም ኣብ ማእከላይ ኡፕሳላ ዝርከቡን ወርሓዊ ሓንሳብ ናይ ቊርሲ መደብ እናዳለዉ ናብ ካልእ ሃገር ናይ ምጒዓዝ ተመኲሮኦም ዘካፍሉ ሰባት ዝዕድሙ ወጻእተኛታት ተቐማጦ ዘትያ። እዚ ምርኻብ ብ Uppsala International Hub ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ናብ ሽወደን ዝገዓዙ ሰባት ብቐሊሉ ኣዕሩኽ ኸጥርዩን ንኽወሃሃዱን ዕላማ ጌሩ ዝሰርሕ እዩ። “ከምዚ ዓይነት ማሕበረሰብ ምህላው ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ዘሕለፍዎ ገድሊ ዘካፉሉሉ ስለዝኾነ ” ትብል ቅድሚ …

Read More »

ጠሊቕካ ኣብ ምሕንባስ ዝነጥፉ ወጻእተኛታት (ዳይቨርስ) ብሰንኪ ድሕነታዊ ስግኣት ካብ ስርሖም  ይወጹ::

ጥሒልካ ኣብ ምሕንባስ ዝነጥፉ ወጻእተኛታት፥ ብምኽንያት ጸጥታዊን ድሕነታዊን ስግኣታት ኣብ ሽወደን ዝነበረ ስርሖም ገዲፎም ይወጹ ከምዘለዉ፥ ዳህሳሲ መደብ ሬድዮ ሽወደን–“ካሊበር”–ኣጣሊሉ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጻ ሽወደን ክሰርሕ ዝጸንሐ ስኮትላንዳዊ ፕሮፌሽናል ዳይቨር ራስል ሲምፕሰን፡ ኣብ ሽወደን ምስራሕ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ኣብ ዝብል ግንዛበ ብምብጽሑን፥ ኣብ ሽወደን ምቕጻል ካብ ረብሓኡ ጒድኣቱ ዝዛይድ መሲሉ ስለዝተራእዮን ክወጽእ ከም ዝወሰነ ገሊጹ’ሎ። “ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ እየ። …

Read More »

ኣዳለውቲ “ዩሮቪዥን” ባንዴራታት ይዂን ምልክታት ፍልስጤም ክንኣሊ ኢና ይብሉ

ኣዳለውቲ ውድድር ደርፊ “ዩሮቪዥን” ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ሽወደን ኣብ ዝካየድ ውድድራዊ ምርኢት፥ ባንዴራ ፍልስጤምን ን ፍልስጤም ዝድግፉ ኲሎም ምልክታትን ናይ ምእላይ ስርሓት ከካይዱ ምዃኖም ገሊጾም። እዚ ኣዋጅ ዝወጽእ ዘሎ፡ እስራኤል ኣብ ዓመታዊ ውድድር ሙዚቃ ክትሳተፍ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቓዛ ኣንጻር ሓማስ እትገብሮ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙሉ ኣብ ዘሎን እቲ ወጥሪ እናኸበደ ኣብ ዝኸደሉን ዘሎ እዋን እዩ። በዚ …

Read More »

ወጻኢታት ምክልኻል ብዓለም ደረጃ ዓብዪ ወሰኽ የርኢ

ዓሚ ኣብ ዓለም ንወተሃደራዊ መዓላ 2.4 ትሪልዮን ዶላር ወጻኢታት ከም እተገብረ፡ እዚ ድማ ብዓለምለኻዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም (SIPRI) ክሳብ ሕጂ ዝተመዝገበ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ እዩ ተባሂሉ። ሲፕሪ ካብ 1949 ጀሚሩ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ክከታተል ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ትማል ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻቡ፡ ኣብ 2023 ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ዝነበረ 2.2% ናብ 2.3% ካብ ዓለማዊ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት (GDP) ዕቤት ኣርእዩ’ሎ። …

Read More »

ይፈቶ ይጸላእ SFI ምሕዳስ የድልዮ’ሎ

መንግስቲ ኣብ ሽወደን ዘለዉ ስደተኛታት ኣመልኪቱ እተተኽለ ኮርስ ቋንቋ ኤስ.ኤፍ.ኣይ ዝወሃበሉ ኣገባብ ዳግማይ መርመራ ክገብረሉ ከም ዝደሊ ተፈሊጡ። እቶም ዝቐረቡ ለውጥታት ኣብ መሰረታዊ ንባብን ምጽሓፍን ከምኡ’ውን ዝያዳ ውልቃዊ ኮርሳት ዝያዳ ኣተኲሮ ክግበርን ካልእን ዘጠቓልል እዩ። ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ብነጻ ኣብ ዝወሃብ ናይ SFI ኮርስ ዝጅምሩ፡ ከምዘይውድእዎ ነቲ ኮርስ ኣመልኪቶም ዝወጹ ኣሃዛት ይሕብሩ። ብኻልእ ዜና ዓሚ መንግስቲ ኣባላት ጕጅለታት ካብ ገበናዊ …

Read More »

ኣማንዳ ሊንድ ሓዳስ ልፍንታዊት መራሒት ሓምለዋይ ሰልፊ ኮይና

ኣማንዳ ሊንድ ሓዳስ ልፍንታዊት መራሒት ሓምለዋይ ሰልፊ ኮይና። ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ ድሕሪ እተዋህበ ድምጺ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ደጊፎም ገሊጾምላ ኣለዉ። ሓምለዋይ ክልተ ናይ ሓባር ”ኣፈኛታት”፣ ሓደ ወዲ ተባዕታይን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ናይ ምግባር ልምዲ ኣለዎ። እቲ ካልእ ልፍንታዊ መራሒ ድማ ዳኒኤል ሄልደን እዩ። ብኻልእ ዜና ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ወለዲ ካብቶም ሽወደናዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ወለዲ ብዝበዝሕ መጠን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com