Wednesday , May 8 2024

ሃገራዊ ዜና

ዳንኤል ዋና ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ሽወደን ኮይኑ

ጆን ዳህል ቶማሶን ሓድሽ ዋና ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ሽወደን ኮይኑ ስርሑ ጀሚሩ። እዚ ደንማርካዊ ዜጋ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢጣልያዊት ክለብ ኤሲ ሚላን ከምኡ’ውን ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝርከብ ፈየኖርድ ተጻዊቱ እዩ። ንማልሞ ኤፍ ኤፍ እውን ኣሰልጢኑ፡ ኦልስቨንስካን ክልተ ግዜ ክትዕወት ከኣ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ሽወደን ናይ ወጻኢ ኣሰልጣኒ ክህልዋ ሕጂ …

Read More »

ሳፖ “ፒ.ኬ.ኬ ኣብ ሽወደን ሽበራ ንምምዋል ይጽዕር ኣሎ”

ብፒ.ኬ.ኬ ዝፍለጥ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን ንጥፈታት ምወላ ግብረሽበራ የካይድ ከምዘሎ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ከሲሱ። ፒ.ኬ.ኬ ኣብ ሽወደንን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ግብረሽበራዊ ትካል ዝተመደበ ኮይኑ፡ ማዕከኑ ንምስሳስን ዓመጽን ምፍርራሕ ይጥቀም ከምዘሎ እዩ ዝንገር። ንጥፈታት ፒ.ኬ.ኬ ኣብ ሽወደን ኣዝዩ ዓብዪ ጒዳይ ኮይኑ ክረአ ዝጀመረ ቱርኪ ንኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ንምጽዳቕ ድሕሪ ዘቕረበቶ ቅድመ ኲነት ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ህሉው ግዜ ትጽቢት ሕክምና ስነ-ኣእምሮኣዊ ህጻናት ቅቡል ኣይኮነን ተባሂሉ

ሓደ ህጻን ኣብ ሽወደን ኣበየናይ ሸነኽ እታ ሃገር ይቕመጥ ዝብል ረቑሒ ናብ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ንምኻድ ክንደይ ግዜ ክጽበ ከም ዘለዎ ይውስን ምህላዉ፥ እዚ ድማ ንውዕል መሰል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ምዃን ተገሊጹ። እዚ ናይ ትጽቢት ግዜ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን (BUP) ቅቡል ኣይኮነን ክትብል ሓባሲት ንብዓት ህጻናት ኤልሳቤጥ ዳህሊን ትገልጽ። ብርክት ዝበሉ ህጻናት ብጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፡ ንኣእምሮኣዊ ንጥፈታት …

Read More »

ኣወሃሃዲ ሙዚቃን ሙዚቀኛ ጃዝን ጆርጅ ሪደል ኣብ መበል 90 ዓመቱ ዓሪፉ

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍቱዋት ኣወሃሃድቲ ሙዚቃን ሙዚቀኛ ጃዝን ሽወደን ዝኾነ ጆርጅ ሪደል ኣብ መበል 90 ዓመቱ ዓሪፉ። ሪድል ንገለ ካብቶም ኣብ ሽወደን ፍሉጣት ደርፍታት ንፊልምታት ህጻናት መጽሓፍቲ ኣስትሪድ ሊንድግረን ብምምርኳስ ኣዳልዩ እዩ። ህጻናት ሽወደን እናሰምዕወን ዝዓበዩ ከምኒ ኢዳ ሶማቪዛ ከምኡ’ውን ዱ ሻረሊል ሽንከቡ ስርሃት ድርሰታት ሪደል እየን ኔረን።

Read More »

ኣብ ቀጽርታት ኣመሓደርትን ተቓወምትን ዘሎ ፍልልይ ደገፍ እናጸበበ ይኸይድ

ኣብ ቀጽርታት ኣመሓደርትን ተቓወምትን ዘሎ ፍልልይ ደገፍ እናጸበበ ይኸይድ ከምዘሎ ኢንዲካተር ብስም ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየዶ ናይ ቀረባ ዳህሳስ ርእይቶ ኣመልኪቱ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ንማግዳሌና ኣንደርሰን ካብ ተቓወምቲ ሶሻል ዲሞክራት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ክትከውን ዝደልዩ ሰባት ውሑዳት እዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተቦሪ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ ሄንሪክ ኤከንግረን ኦስካርሰን፡ እቲ ውጽኢት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዙርያ እቲ ሰልፍን መራሒኡን ዝተራእየ ዕግርግር ዘንጸባርቕ …

Read More »

ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክትፈርም 10 መዓልታት ክወስደላ ይኽእል እዩ

ሃንጋሪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽዳቕ ዝወሰደቶ ውሳነ ብወግዒ ክትክትም ክሳብ 10 መዓልታት ክወስድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ነዚ ዝበለ ቤት ጽሕፈት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ሃንጋሪ ከምዝኾነ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ብኻልእ ወገን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ዝካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፍሉይ ኣቀባብላ ከምዝተሰጋገረ ማዕከን ዜና TT ሓቢራ’ላ። እዚ እናኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ባይቶ ሃንጋሪ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንዩክሬን ንምድጋፍ ተኣኪቦም

ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ሰርገልስ ቶርግ ሰፊሕ ሰልፊ ተኻይዱ፡፡ እዚ ሰልፊ ንኻልኣይ ዓመት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘኪሩ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን ኣብቲ ሰልፊ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ስዕረት ሩስያ እቲ እንኮ ቅቡል መደምደምታ ናይቲ ኲናት ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣምባሳደር ዩክሬን ኣብ ሽወደን ብወገኑ፡ እቲ ሰልፊ ምናልባት ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ዝዓበየ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

Read More »

ባይቶ ሃንጋሪ ትማሊ ሰኑይ ንኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣመልኪቱ ተኻቲዑ

ባይቶ ሃንጋሪ ሎሚ ሽወደን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ስሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ንምጽንባር ዘቕረበቶ ሕቶ ኣመልኪቱ ኣድሚጹ። ዛጊት ኣብዚ ጒዳይ ንሕቶ ሽወደን ድምጺ ኣብ ምሃብ ሃንጋሪ ናይ መወዳእታ ሃገር ኮይና ጸኒሓ’ላ። እቲ ኣኼባ ከባቢ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ኮይ እቲ ድምጺ ድማ ከባቢ ሰዓት 4፡30 ድሕሪ ቀትሪ ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ብምድማጽ ነቲ ዝጸንሐ ናይ መወዳእታ ዕንቅፋት ክእለ ጌሩ’ሎ። ይኹን’ምበር፡ ባንዴራ …

Read More »

ኣብ ኲናት ዩክሬይን ክዋግኡ ዘይደልዩ ሩስያውያን መንእስያት ኣብ ሽወደን ዕቚባ ይሓቱ

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ሩስያ ናብ ዩክሬን ክዋግኡ ንኸይለኣኹ ብምፍራህ ካብታ ሃገር ምህዳሞም  ገለ ካብኣቶም ከኣ ኣብ ሽወደን ዕቚባ ምሕታቶም ተሓቢሩ። እዚ ይዂንምበር ዛጊት ብዙሓት ሩስያውያን ኣብ ሽወደን ዘቕረብዎ ናይ ዕቚባ ሕቶ እወታዊ መልሲ ኣይተዋህቦን ኣሎ። ሓደ ካብቶም ሕቶ ዕቚባኦም ተቐባልነት ዝረኸቡ መንእሰያት 33 ዝዕድሜኡ ኣንድሬይ ኮይኑ፡ ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ተመኩሮ የብሉን። ንሱ ምዕጾ ቤቱ ብልኡኻት ሰብመዚ ክዂሕኳሕ …

Read More »

ኦርባን “ንሓድሕድና ኣብ ክንዲ እቲ ካልእ ክንሓልፍ ድሉዋት ኢና”

ሃንጋሪ “ሳብ ያስ ግሪፐን” ዝዓይነተን ኣርባዕተ ነፈርቲ ውግእ ካብ ሽወደን ንምግዛእ ስምምዕ ከምዝገበረት ዝሓለፈ ዓርቢ ኣፍሊጣ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ ቡዳፐሽት ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን፡ እቲ ዝተኸተመ ስምምዕ ምክልኻል ንርክብ እተን ሃገራት ኣገዳሲ ምዃኑን ከም ኣባላት ኔቶ መጠን ምትእምማንን ምክብባርን ከዕዝዛ ከም ዘለወን ኣስሚሩሉ። ንሱ ወሲኹ ሓንቲ ሃገር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com