Thursday , May 2 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሽወደን ሻምፕዮን ዓለም ን9ይ ግዜ ብተኸታታሊ

ጋንታ ፍሎርቦል ደቂ ኣንስትዮ ኲዕሶ እግሪ ሽወደን ድሕሪ ህልኽ ዝመልኦ ጸወታ ኣብ ልዕሊ ፊንላንድ ተዓዊታ። ኣብ ቀዳማይ እብረ ሽወደን 6 ብ 0 መሪሓ። ካልኣይ እብረ ዝያዳ መሳጢ ዝነበረ ኮይኑ፥ ኖርወይ 4 ሸቶታት ኣመዝጊባ እያ። እንተኾነ ሽወደን ኣብዚ ዳሕረዋይ ጸወታ እውን መሪሕነት ሒዛ ግጥም 6 ብ 4 ተዛዚሙ’ሎ። በዚ ድማ ሽወደን ብተኸታታሊ ን 9ይ ግዜ ሻምፕዮን ኲዕሶ እግሪ ምዃና ኣረጋጊጻ’ላ ብመሰረት …

Read More »

ሽወደን ንዩክሬን ተወሳኺ 1.4 ቢልዮን ክሮና ፍይናንሳዊ ደገፍ ትገብር

ሽወደን ንዩክሬን 1.4 ቢልዮን ክሮና ብምልጋስ ንሲቪል ህዝቢ ዩክሬይን ኣብዚ ክረምቲ ክትሕግዛ ምዃና ተፈሊጡ። እቲ ገንዘብ ብቐንዱ ንመውዓዪ፣ ንጸዓት ኤሌክትሪክ፣ መጽለልን ክንክን ጥዕናን ዝውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰንን ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ዮሃን ፎርሰልን ነቲ ናይ ደገፍ ፓኬጅ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዮም ዕላዊ ጌሮም ዘለዉ።

Read More »

ሽወደናዊ ኣብ ኢራን ናብ ፍርዲ ቀሪቡ

ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ሕብረት ኤውሮጳ ዝሰርሕ ዝነበረ ሽወደናዊ ዮሃን ፍሎደሩስ ናብ ፍርዲ ከምዘቕረበት ገሊጻ። ዮሃን ፍሎደሩስ ንእስራኤል ብምስላይ ንጸጥታ ኢራን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ተባሂሉ እዩ ብኢራን ተኸሲሱ ጸኒሑ። እቲ ክሲ ብመሰረት ስርዓተ ፍትሒ እታ ሃገር ብሞት ከቕጽዕ ዝኽእል እዩ። እንተኾነ ግና እቲ መስርሕ ፍርዲ ዝተናውሐ ኮይኑ መዓስ ከም ዝቕጽል ንጹር ኣይኮነን። መንግስቲ ሽወደን እቲ ክስታት ”መሰረት …

Read More »

ኤችኤስ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ፊንላንድ ዝርከባ ኣውቶቡሳት ሓሙስ ደው ክብላ ይኽእላ እየን።

ማሕበር ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ፊንላንድ (AKT) ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝዓበያ ከተማታት ፊንላንድ ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ደው ዘብል ኣድማ ክገብር መደብ ከምዘለዎ ሄልሲንጊን ሳኖማት ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ፊንላንድ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣገልግሎት ባቡር ከተማ፣ ሜትሮን ባቡርን ደው ዘብል ኣድማ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ ኔሩ። ኣብ ትራንስፖርት ዞባ ሄልሲንኪ (HSL) ሓላፊ ርክብ ዮሃንስ ላይቲላ፡ እቲ ኣድማታት ብሓንሳብ እንተተፈጺሙ፡ ኣብ ዞባ ርእሰ ከተማ …

Read More »

ባንክታት ን ዝውውር ክፍሊት ኣፕ ክድርታ ተኽእሎ’ሎ

ብመንገዲ ሞባይል ክፍሊት ኣፕ ስዊሽ ብዙሕ ገንዘብ ንዝልእኩ ዓማዊል ባንክታት ኣብ ቀረባ እዋን ዝያዳ መሰናኽላት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ማሕበር ባንከኛታት ሽወደን ነዚ ተርእዮ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ባንክታት ምትላል ደው ንምባል ገለ ጸጥታዊ ስጉምትታት ከጽንዓ ተኽእሎ ከምዘሎ ይገልጽ። ሓደ ዓሚል ዓቢ ባንክ ኖርድያ፡ 100 ሽሕ ክሮና ናብ ሓደ መጭበርበሪ ብምስዳዱ ነቲ ባንክ ምኽሳሱ ሬድዮ ሽወደን ከም ኣብነት ናይዚ ኲነታት …

Read More »

ገለ ኩባንያታት ስርዓተ ተፍቲሽ ባዮሜትሪክ የተኣታትዋ

ብተዛማዲ ዘይተለምደ ኣገባብ እኳ እንተኾነ ገለ ኩባንያታት ስርዓተ ተፍቲሽ ባዮሜትሪክ ምትእትታወን ተገሊጹ። እዚ ኣገባብ ኣብ ናይ ግዜ ወረቐት ንዝፍጠር ጌጋታት ንምንካይ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ እዩ። ብምኽንያት ግጒይ ናይ ግዜ ወረቐት፡ ሃገራዊ ኤጀንሲ መድሕን ነቲ ብጌጋ ናብ ኲባንያታት ኣባይቲ ክንክን ብሕቲ ዝተኸፍለ ገንዘብ ንኽምለስ ዝገብሮ ልሙድ ምኽንያት እዩ። ብሕማም ሴረብራል ለምሲ ዝሳቐ ወዲ 24 ዓመት ከምኡ’ውን ኣብ ቤቱ ክንክን ዝረክብ ውላድ …

Read More »

መንግስትን ሰልፊ ደሞክራትናን ጽልዋታት ኢሚግሬሽን ብጥንቃቐ ክምርምሩ ይጠልቡ

መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ስደተኛታት ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ዘምጽእዎ ቁጠባዊ ሳዕቤናት መርመራ ክጅመር ከም ዝደልዩ ተሓቢሩ። ጸሓፊ ሰልፊ ደሞክራትና ማትያስ ቢክስትሮም ዮሃንሰን “ፖለቲካ ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብ ባይታ ብዘለዉ ሓቅታት ዝተሃንጸ ክኸውን ይግብኦ እዩ” ክብል እዚ ዕማም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ሃገራዊ ትካል ቁጠባዊ ምርምር፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ቁጠባ እንታይ ጽልዋ ከምዘሕደሩ ንምፍታሽ ዕማም ፍሉይ ክወሃቦ እዩ። ስደተኛታት ኣብ …

Read More »

ዝኣረገ መንገዲ ባቡር ንብዙሕ ምድንጓያት ምኽንያት ይኸውን

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ክቕየሩ ዝግብኦም ዝነበረ ገለ ኣቕሑ ባቡር ኣብ ግዜኡ ዘድሊ ኣቓልቦን ምቕያርን ስለ ዘይተገርሎም ንብዙሕ ምድንጓያት ባቡር ምኽንያት ይኾኑ ኣለዉ ተባሂሉ። ኣብ ሽወደን ልዕሊ 80 ክቕየራ ዝግብአን ስዊቻት ባቡር ከምዘለዋ ፡ እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከም ዝርከባ ብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ መርመራ የመልክት። እቶም ዝበዝሐ ምድንጓያት ዘስዕቡ ስዊች ኣብ ዮተቦሪ ዝርከቡ እዮም፡፡ ይኹን …

Read More »

ኣብ ዮትላንድ ክብረወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ ጫቚት ወርቃዊ ንስሪ ተራእዩ

ኣብዚ ዓመት ኣብ ደሴት ዮትላንድ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ክብረወሰን ዝሓዘ ጫቚት ወርቃዊ ንስሪ ተራእዩ። በዚ ድማ እታ ደሴት ድሮ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ኣዕዋፍ ብጻዕቂ ዝነብሩለን ቦታታት ኮይና ኣላ። እዚ ምፍራይ ናብ ሓደጋ ዓቐን ዘይብሉ ብዝሒ ከይክሰት ስግኣት ፈጢሩ’ሎ። ተመራማሪ ስነ ህይወት ዮሃን ማንሶን ድሮ ኣብዚ ዓመት 51 ጫጩት ምርኣዩ እዚ ድማ ካብቲ ወትሩ ኣዝዩ ዝዛይድ ኣሃዝ ምዃኑ ይገልጽ።

Read More »

ሕብረት ኤውሮጳ ንመሰል ዜጋታት ንምሕላው ኣብ ዓለም ፈላማይ ሕጊ ብዛዕባ AI ክወጽእ ይደሊ

ሕብረት ኤውሮጳ ብፍላይ ከም ቻትጂፒቲ ዝኣመሰለ ጀነሬቲቭ ኤኣይ ብኸመይ ከም ዝከታተል ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣጸጋሚ ድርድር ስዒቡ፡ ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝቆጻጸር ስፍሕ ዝበለ ሕግታት ዝምልከት ስምምዕ ክሃርም ይጽዕር ኣሎ። ብራስለስ ግን እንታይ እያ ትደሊ? ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኩለመዳያዊ ሕጊ AI ንምጽዳቕ ይቀዳደም ኣሎ፡ እቲ ጉዳይ ዝሓለፈ ዓመት ቻትጂፒቲ ቦት ናብ መድረኽ ምስ ፈንጀረ፡ ምዕባለታት ኤኣይ ኣጉሊሑ፡ ዝያዳ ህጹጽነት ድሕሪ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com