Sunday , May 5 2024

ቲቪ

ንምግታእ ኮርኖ ቫይረስ ዝተነድፈ ሓድሽ ሕጊ ከቢድ መቕጻዕቲ ዘጠቓለለ መኻኑ ሰብ መዚ ሽወደን ይሕብሩ

 ካብዚ ዝቅጽላ ክለተ ሰሙናት ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ መንግስቲ ትርር ዝበለ ሓድሽ ሕጊ ከተግብር ሙኻኑ ይሕብር። በዚ ተደንጊጉ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ መንግስትን ምምሕዳራትን ወይ ኮሚናት ዝልዓለ ስልጣን ዝህልዎም ኮይኑ፣ ንምግታእ እዚ ኮረና ቫይረስ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ስጋብ ምዕጻው ዓበይቲ ናይ ሸቀጥ ማእከላት ወይ ሞላት፣ ዱካናት፣ ምቁራጽ ህዝባዊ ኣገልግልት ከም ኣውቶብሳትን ባቡራትን ዘጥቓለለ ኾይኑ፣ ነዚ ዝጥሓሰ ድማ በቲ ዝልዓለ መቕጻዕቲ ክቐጽዕኦ …

Read More »

ህዝባዊ መጎዓዓዝያ ከተማ ስቶክሆልም (SL) ወስክ ዋጋ ከምዝገብረ ሓቢሩ

ህዝባዊ መጎዓዓዝያ ከተማ ስቶክሆልም ማለት ኩባንያ SL ኣብ ስቶክሆልምን ከባብን ዝንቀስቀሳ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ባቡራት፣ ጀላቡን ኣውቶብሳትን ካብ 5 ጥሪ ጀሚሩ ብ 2.2 ሚእታዊት ወስክ ታሪፍ ምግባሩ ሓቢሩ። በዚ መስረት ካብ ዕለት 5 ጥሪ ጀሚሩ ወርሓዊ ካርድ 950 ክሮነር፣ ወርሓዊ ካርድ ጥሮተኛታት፣ ተምሃሮን መንእሰያትን ድማ 640 ክሮነር ክኸውን ከሎ 38 ክሮነር ድማ ዋጋ ሓደ ጉዕዞ ሙኻኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

Read More »

ክታበት ኮቪድ 19 ስጋብ ሕጂ ዘይበጽሔን ሃገራት ኤውሮጳ ከምዘለዋ ተግሊጹ

ብመሰረት ውሳኔ ሕብረት ኤውሮጳ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ካብ ዕለት 27 ታሕሳስ ናብ ኩለን ኣባላት ሃገራት ክባጻሕን ክታበት ክጅምር ዝተወሰነ ኮይኑ፣ ስጋብ ሕጂ ግን ስጳኛ ትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ኣባላት እዚ ሕብረት ከምዘይ በጽሔን ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምስ ትራንስፖርት ዝተትሓሓዘ ጸገም ከምዝኾነን ናይ ስጳኛ ግን ምስ ኩነታት ኣየር ዝተሓሓዘ ኮይኑ ኣብ ምጽዓንን ምርጋፍን ዘምጼኦ ጸገም ከምዝኾነ ሰብ መዚ ጥዕና ስጳኛ ይገልጹ። …

Read More »

ልዮነል መሲ ተዘካሪት ጉሩብ MSN ስጋብ ሕጂ ርኽብ ከምዘሎም ይገልጽ

ወትሩ ካብ ኣእምሮ ኣፍቀርቲ ስፖርት ብሓፈሻ ካብ ደገፍቲ ባርሶሎን ብፍላይ ዘይሃስስ ተዘክሮ ዘልዎም ብጥምረት MSN መሲ፣ስዋረዝ ነይማር ዝፍልጥ መስመር ምጥቃዕ እዛ ጋንታ ኮይኑ ዓመታዊ ዘመዝገብዎ ብድምር ሸቶታቶም እውን ክበረ ወሰን ፍሉይን እዩ። MSN ካብ ዝገበሮ 450 ጸወታታት ብድምር 364 ሸቶታትን 173 ቀረብ ንሸቶታት ከምዝገብረት ዝዝከር ኮይኑ ብሕሪኡ ነዛ ጥምረት ትትክእ ዝኮነ መስመር ምጥቓዕ ዛጊድ ኣይተራእየን። ብተወስኺ እዛ ጥምረት ኣብ 2014/15 …

Read More »

ሓዲሽ ባህሪ ዘለዎ ኮረና ቫይረስ ኣብ ሽወደን ከምዝተረኽበ ሰብ መዚ ጥዕና ይሕብሩ

ኣብ ድሮ በዓል ልደት ብኢኪላታት ጥዕና ኢንግሊዝ ሓድሽ ባህሪ ማለት ብ 70 ሚእታዊ ዝልዓለ ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ዘለዎ ኮረና ቫይረስ ድሕሪ ምርካቦም፣ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ብመሬት ኮነ ብ ሰማይ ዘራኽበን መንገዲ ዝዓጸዋ ኮይነን፣ካብ ዚ ዓይነት ቫይረስ መልከፍቲ ግን ከምልጣ ኣይከኣላን።  እዚ ቀልጢፉ ናይ ምልባዕ ባህርያት ዘልዎ ኮረና ቫይረስ ኣብ ኢንግሊዝ ድህሪ ምርካቡ ሽወደን ትርከበን ቡዙሓት ሃገራት ናይ ድሒሩ ይርኽቡ ሙህላው …

Read More »

ጋል 91 ዓመት ሽወደናዊት ጉን ቢሪት ፈላሚት ተኸታቢት ጸረ ኮቪድ 19

ትማሊ ኣብ መላእ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ክታበት ኮረና ቫይረስ ብወግዒ ዝጀመረ ኮይኑ። ሽወደን እውን ከም ኣካል እቲ ሕብረት ትማሊ ዕለት 27 ካብ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ጀሚራ ክታበት ብውግዒ ክትህብ ጀሚራ። ኣብ መእለዪ ዓበይቲ ሚዮልቢ  ዞባ ኦስተርጎትላንድ እቲ እለ ጋል 91 ዓመት ጉን ብሪት ጆንሰን ድማ ናይ ፈላሚ ተከታቢት ኣብ ሽወደን ክትከውን ከላ፣ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቅረበላ ሕቶታት ከመይ ከምዝስዕምዓ ክትምልስ …

Read More »

ብ ግሎባል ሶከር ዝወሃብ ሽልማት ን ክርስትያኖ ሮናልዶ ብሉጽ ተጻዋታይ እዚ ዘመን ብምባል ይረቚሖ

ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ብሽም ግሎባል ሶከር ዝወሃብ ሽልማት ንህዝቢ ማእክለ ብምግባር ንቡሉጻት ናይዚ ዘምነ ዝበሎም ብሉጽ ተጻዋትይ፣ ወኪል ተጻወቲ፣ ኣሰልጣኒን ጋንታን ረቑሑ። በዚ መሰረት ብሉጽ ተጻዋታይ ኣዚ ዘመን ንመሲን ሳላሕን ዝቀደመ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብሉጽ ወኪል ተጻወቲ እዚ ዘመን ጆርጅ መንድስ ብሉጽ ኣሰልጣኒ እዚ ዘመን ድማ ፔፐ ጋርድዮል ንሰር ኣለክስ ፈርጉሰ ከምኡ ድማ ን ሞሪኖ ብምክታል ዕውት ኮይኑ ከምእውን ብሉጽቲ ጋንታ …

Read More »

ሙቑር ህያብ በዓል ልደት ኣርሰናል ንደገፍታ

ኣርሰናል ኣርእስቲ ማእከናት ዜና ኮይና ድሕሪ ምቕናያ ን ጸወታ ደርቢ ሎንደን 3 ብ 1 ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ብምዕዋት ሙቑር ክያብ በዓል ልደት ን ደገፍታ ለጊሳ። ን ኣርሰና ድሕሪ ባሕቲ ህዳር ኣብ ፕሪመርሊግ ናይ መጀመርያ ዓወታ ኮይኑ ኣብ ርእስኣ ዘንቢዩ ዝቀነየ ነቐፍታታት ብዝተፈላለየ ተንተንቲ ስፖርት ኣፎም ብምትሓዛ ብ ጸወታን ብምዕብላል ኣእማኒ ዓወት ብምሕፋሳ፣ ጸቕጢ ኣብ ኣሰልጣኒ ኣርተታ ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ዝተሓሳሰብ …

Read More »

ክልተ ተጻወቲ ማንቸስተር ሲቲ ብ ኮቪድ 19 ተለኺፎም

ተጻወቲ ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ እቲ ምስ ኣርሰናል ኣብ ካራቦኣ ካብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣብ ተጻወታ ኣብ ዝገብረቶ መርመራ ኮቪድ 19 ክልተ ተጻወቲ ማለት ኣጥቃዕቲ እዛ ክለብ ብራዚላዊ ጋብርኤል ሄሱስን ኢንግሊዛዊ ካየል ወከር በዚ ቫይረስ ብምልካፎ ካብዚ ዝቕጽል ሰልስተ ተኸታታሊ ናይ ቦክሲንግ ማች ከምዝበርኽሩ ክለቦም ኣፍሊጣ።

Read More »

ጉዕዞ ኣርሰናል ናብ ዓወት ዶ ወይስ ንቑልቁል ?

ሎሚ ቀዳም ኣብ ሰሜን ሎንደን ተዶኪነን ናይ ደርቢ  ጸወታ  ዝጽበየን ዓበይቲ ጋንታታት ኣርሰናልን ቸልሲን ኣብ ሜዳ ኢማራት ዝገብርኦ ጸወታ ብዙሕ ኣቃላቦ ካብ ዝረኸበ ጸወታ ኮይኑ ኣሎ። ንቡዙሓት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑሉ ዘሎ ብቕዓት ኣርሰናል ኮይኑ ቡዙሓት ካብ ዝሰማምዕሉ ጸገም እዛ ጋንታ ኣሰልጣኒ ዘይኮነስ እቶም ብስዕረታ ወላሓንቲ ዘይስምዖም ተጻወቲ እዛ ጋንት ሙዃኖም ገማቲ ቢቢሲ ላውሮ ብምግላጽ ውጺኢት ናይ እዚ ግጥም ድማ 1 ብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com