Saturday , May 4 2024

ሃገራዊ ዜና

ሽወደን ዝነውሓ መካይን ናብ ጎደና ክኣትዋ ትፈቅድ።

ሽወደን ኣብ ጽርግያታታ ዝፍቀድ ዝለዓለ ንውሓት መካይን መጓዓዝያ ካብቲ ሕጂ ዘሎ 25.25 ሜትሮ ናብ 34.5 ሜትሮ ክውስኽ ጌራ። ሽወደን ነዚ ብምፍቃዳ በዚ መዳይ ነታ ኣብ ኤውሮጳ ዝነውሓ ተሽከርከርቲ ዘለዋ ፊንላንድ ተጸንቢራታ’ላ ። ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን (ትራፊክ ቨርከት)፡ እዘን ሓድሽ 34.5 ሜትር ቁመት ዘለወን ሱፐር ትራክስ፡ ንኢንዱስትሪ መጓዓዝያ ሽወደን ጥራይ ዘይኮነ ንሽወደን ብሓፈሻ ከም ዝጠቕማ ይገልጽ። “ኣብ ሽወደን ተወዳዳሪ ኢንዳስትሪ ክህልወና …

Read More »

ቊጽሪ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኣጸቢቑ ይንኪ

ኣብ ሽወደን ቁጽሪ ሓደስቲ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነክዩ። ሓደ ምኽንያት ድማ እቲ ብዝፍለጥ መከላኸሊ መድሃኒት ምዃኑ ሰደቓ ሳይንስ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺቡ። ኣብ ሓደ ናይ ስቶክሆልም ክሊኒክ ጾታዊ ጥዕና፡ ቁጽሪ ሓደስቲ መልከፍቲ ዓመታዊ ካብ 50 ናብ ትሕቲ 15 ምውራዱ ኣብ ሆስፒታል ስቶክሆልም ግብረሰዶማዊ ጾታዊ ርክብ ንዝፍጽሙ ሰባት ዘማኽር ዶክተር ፊን ፍሊያን ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ገሊጻ’ላ። ኣብ ሽወደን 8 …

Read More »

ክሳራ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ይውስኽ

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (SAS) ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ዳርጋ ክልተ ቢልዮን ክሮነር (191 ሚልዮን ዶላር) ክሳራ ኣመዝጊቡ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝዛዘም ምሉእ ፋይናንሳዊ ዓመት እቲ ኲባንያ፡ ኣታዊታት እቲ መንገዲ ኣየር ወሲኹ፡ ጽሩይ ክሳራኡ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ሸውዓተ ቢልዮን ክሮነር ናብ 5.7 ቢልዮን ክሮነር ኣጉዲልዎ’ሎ። ይኹን እምበር ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ጥራይ እቲ ጽሩይ ክሳራ ምስ ቅድሚ …

Read More »

ቊጠባ ሽወደን ምንቊልቋል የጋጥሞ

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ምንቁልቋል ከምዘሎ ሎሚ ብወግዒ ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡ ን ክልተ ተኸታተልቲ ርብዒ ዓመት ኣሉታዊ ዕብየት ኣመዝጊቡ’ሎ። ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2023 ውሽጣዊ ፍርያት ሽወደን ብ 0.3% ምንካዩ ሎሚ ካብ ስታቲስቲክስ ሽወደን ዝወጸ ሓድሽ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። “ስድራቤታት ምስ ክብሪ ናብራ ኣብ ምቅላስ እዮም ዝርከቡ፣ ሸመታ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ነክዩ’ሎ፣ ብሰንኪ ልዑል ዋጋታት ንብረትን ልዑል መጠን ወለድን ጸቕጢ ይስምዖም ኣሎ” ክብል …

Read More »

ሰልፍታት ማእከል፡ ሊበራልን ክርስትያናዊ ዲሞክራሲን ትሕቲ 4% ድምጺ ኣለዎም

ማእኸል ሰልፊ 3.8% ድምጺ ህዝቢ ከም ዘለዎ፣ እዚ ድማ ካብቲ ሓደ ሰልፊ ናብ ባይቶ ሽወደን ንምእታው ዘድልዮ መጠን ዝወሓደ እዩ። ሓድሽ መራሒ ሰልፊ ሙሓረም ደሚሮክ ብዙሕ ዘይፍለጥን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ ክትብል ኣብ ትካል መርመራ ኢንዲካቶር ሓላፊ ምግምጋም ርእይቶታት ፐር ኦለስኮግ ትሪግ ቫሶን ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። ካልኦት ሓያሎ ውድባት እውን ኣብ ዝተሓተ ነጥቢ ተቐባልነት ምህላወን ተፈሊጡ። ንኣብነት ሰልፍታት …

Read More »

ሽወደን፥ ድሕሪ ቸርኖቢል ክሳብ ሕጂ ጽልዋ ራድዮኣክቲቭ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ 1986 ኣብ ቸርኖቢል ዘጋጠመ ኒዩክለራዊ ሓደጋ፡ ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይን ሰሜናውን ሽወደን ራድዮኣክቲቭ ዝናብ ክሃርም ጌሩ እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ሓመድ ራድዮኣክቲቭ ባእታ ሴዝየም-137 ንኽእከብ ምኽንያት ምዃኑ፣ እዚ ድማ ነቲ ሓሰማ በረኻ ዝበልዕዎ ዕፉን ምብካሉ እዩ ዝንገር። ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን፡ ሃደንቲን ከምኡ’ውን ዕፉን ዝምእርሩን ሰባት ናሙናታት መርመራ ክሰዱ ሓቲቱ’ሎ። እዚ መርመራ ደረጃ ሴዝየም-137 ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኸመይ ከም ዝፈላለ …

Read More »

“ተርሞስኲም ኣይትረስዑ” ምኽሪ ፖሊስ

ኣብ ቀረባ እዋን ዝወረደ በረድ ብሰንኪ ዘኸተሎ ሸታሕትሖ ምዕጻው ጽርግያታትን ደውታ መካይንን ብርክት ዝበሉ ሓደጋታት ትራፊክ ኣጋጢሙ። ጽርግያታት ዳግማይ ንኽኽፈቱ ወይ ሓገዝ ንኽለኣኽ ቁሩብ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። በዚ ኣቐዲምካ ምውጣን ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ፖሊስ ንሰባት ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ኣብ መንገዲ ብሰንኪ ሸታሕትሖን ግመን ደውታ ከጋጥም ስለ ዝኽእል ሰባት ውዑይ መስተ ዝሕዙሉ ቴርሞስ ክማልኡ ተላብዮም ኣለዉ።

Read More »

ቴስላ ታርጋ ንምእካብ ፍቓድ ይረክብ

ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ንቴስላ ንመካይኑ ዝኸውን ታርጋ ብቐጥታ ካብቲ ኣፍራዪ ንኽወስድ ፍቓድ ሂብዎ። ቴስላ ንኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደንን ፖስትኖርድን ነዚ በይምምጽኦም ከሲሱ ነይሩ እዩ። ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ኖርሾፒንግ፡ እቲ ትካል ስጉምቲ ክወስድ ሰሙን ከም ዘለዎ፡ እንተዘይኮይኑ ግና ናይ ሓደ ሚልዮን ክሮነር መቕጻዕቲ ክውሰነሉ ምዃኑ ብይኑ ሂቡ’ሎ።

Read More »

ኣብ ዱባይ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ብዙሕ ትጽቢት የሕድር

ጽባሕ ሓሙስን ዓርብን ልዕሊ 140 መራሕቲ ሃገራትን መንግስትን ንቅልውላው ክሊማ ንምፍታሕ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝጸንሕን ጒባኤ COP28 መደረ ከስምዑ ዝርርብ ክጅምሩን ምዃኖም ተፈሊጡ። ሽወደን ኣካል ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኮይና፡ ምስ ካልኦት ኣባላት ሃገራት ብሓባር ኣብ ዓለማዊ ተበግሶ ክሊማ ኣብ ናይ ሓባር መትከል ምህላዋ እዩ ዝግለጽ። ምስ ክሊማን ኣከባብን እትሰርሕ ጋዜጠኛ ሬድዮ ሽወደን ሞና ሃምብራየስ፡ ናብ ዕላማታት ስምምዕ ፓሪስ ዝወስድ ምዕባለታት …

Read More »

ኣብ ገበን ፍንጀራ ዝሳተፉ መንእሰያት ከቢድ ጸገም ዕዳ ዘለዎም እዮም ተባሂሉ

ሓያሎ ፍንጀራ ዘካየዱ ወይ ነዚ ኣብ ምድላው ዝተሓባበሩ መንእሰያት ኣብቲ እዋን ከቢድ ዕዳ ዝነበሮም ኮይኖም፡ ክቱር ሕጽረት ገንዘብ ከም ዘንጽላልዎም ተገሊጹ። ዳህሳስ ሬድዮ ሽወደን ናብዚ መደምደምታ ዝበጽሐ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ፍንጀራ ብተተሓሒዙ ዝተፈርዱ ኲሎም ጒዳያት ትሕቲ ዕድመ ኣመልኪታ ድሕሪ ዘካየደቶ መርመራ እዩ። ስሙ ዝተቐየረ ኣሌክስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ገበን ዝተሳተፉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኮይኑ፡ ናብ ንቡር ካብ ዕዳ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com