Saturday , May 4 2024

ሃገራዊ ዜና

ምስ ምውሳኽ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ኣብ ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታት ቦርሳ ምሓዝ ክኽልከል እዩ

ምስ ምውሳኽ ደረጃ ስግኣታት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ፖሊስ ሽወደን ኣብ “ዓበይቲ ኣጋጣሚታት” ቦርስታት ከይተሓዙ ጊዶም ኣለዉ። እቲ እገዳ ንኹሉ ዓይነት ቦርሳታት ዝሽፍን ኮይኑ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ንሕክምናኢ ጒዳያት ጥራይ ክፍቀድ እዩ። ኣካያዲ ጸጥታ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ማልሞ ኤፍ ኤፍ ፒተር ናርቤ፡ እቲ እገዳ ኣብ ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሉ ኣጋጣሚታት ስግእታት ጸጥታ ከቃልል ከምዝኽእል እኳ ዝቕበል እንተኾነ ብዛዕባ እቲ እገዳ ዘይፈልጡ ኣጋይሽ ዘይድሊ …

Read More »

ኣብ ሽወደን መልከፍቲ Covid-19 መሊሱ ይውስኽ

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ቁጽሪ መልከፍቲ Covid ብ 50% ወሲኹ፡፡ በዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሆስፒታል ዘድሊ ክንክን እናተዋህቦም ይርከቡ’ለው። በዚ ሃንደበታዊ ወሰኽ ሓያሎ ሆስፒታላትን ምምሕዳራት ከተማን ብርቱዕ ጸቕጢ ተሰሚዕወን ኣሎ፡፡ምምሕዳራት ከተማ ብፍላይ ብሰንኪ ምሕማም ሰራሕተኛታትን ኣብ መዕበዪ ህጻናትን ሆስፒታላትን ዝኽሰት ለበዳን ተወጢረን ኣለዋ። እዚ ይዂንምበር በቲ ሕማም ብኸቢድ ዝጥቅዑ ሰባት ብቚጽሪ ይውሕዱ ምህላዎም፡ እቲ ኩነታት ድማ ምስቲ ኣብ …

Read More »

ድሕሪ 140 ዓመታት ታሪኻዊ መዝገበ ቃላት ሽወደንኛ ፊደል ‘Ö’ በጺሑ

ድሕሪ ናይ 140 ዓመታት ናይ መወዳእታ እኹብ ጥራዝ ኣካዳሚ መዝገበ ቃላት ሽወደንኛ ንኽሕተም ተላኢኹ። “ ምዝዛሙ ዝህበካ ስምዒት ዝተፈልየ እዩ” ይብል ንዝሓለፉ 8 ዓመታት ዋና ኣሰናዳኢ ናይቲ መዝገበ ቃላት ዝነበረ ክርስቲያን ማቲሰን። ልዕሊ 33,000 ገጻት ዝሓቖፈ 39 ጥራዛት ዘለዎ መዝገበ ቃላት ሽወደንኛ ካብ መዝገበ ቃላት ኦክስፎርድ እንግሊዝኛ ብዓቐን ዝዓቢ እዩ።

Read More »

ሆስፒታል ስከለፍትዮ ብምኽንያት ምውሳኽ መልከፍቲ Covid-19 ስርሒታቱ ይስርዝ

11 ሕሙማት ብኮቪድ-19 ተጠቒዖም ኣብ ሆስፒታል ስከለፍትዮ ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።  በዚ ድማ እቲ ሆስፒታል ኣብ በጻሕቲ ኣዝማድ እገዳ ምግባር ከምኡ’ውን ስርሒታታ ምስርዝ ዝኣመሰሉ ስጒምቲታት ትትግብር ኣላ። ካልኦት ሓያሎ ሆስፒታላት እውን ንሕሙማት Covid-19 ይሕክማ ከምዘለዋ ሓቢረን ኣለዋ።

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት – 26-10-2023

Read More »

ኣብ ትካላት ኣይሁድ ተወሳኺ ውሕስነት ንምርግጋጽ 10 ሚልዮን ክሮና ክወሃብ እዩ

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጒዳያት ጸጥታ ዝውዕል 10 ሚልዮን ክሮና ንወግዓዊ ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኣይሁድ ሎሚ ዓመት ክህብ እዩ። እቲ ገንዘብ ኣብ ሽወደን ዝርከባ ጉባኤታት ኣይሁድ፡ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ኣብያተ ትምህርትን ዝህሉ ኲነታት ጸጥታ ንምምሕያሽ ዝውዕል እዩ። እዚ ብመንግስትን ዲሞክራስያውያን ሽወደንን ዝተበጽሐ ውሳነ፡ ድሕሪ’ቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ሳዕቤናቱን ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፍጸም ስግኣታት እናወሰኸ ብምምጽኡ ምዃኑ …

Read More »

ኣብ ቬትላንዳ ብጌጋ ብቕትለት ተኣሲሩ ዝጸንሐ መንእሰይ ክፍታሕ እዩ

19ን 20ን ዝዕድሚአን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ብቕትለትሓንቲ ጓለንስተይቲ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪደን። ዓሚ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ቬትላንዳ ደሃያ ዝጠፍአት እዛ ግዳይ ዝኾነት መንእሰይ ድሒሩ ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ጫካታት ሞይታ ከም እተረኽበት ዝፍለጥ እዩ። ብቕትለት እዛ መንእሰይ ተፈሪዱ ዝጸንሐ 19 ዝዕድሜኡ ሕጂ ብይግባይ ቤት ፍርዲ ናጻ ክወጽእ እዩ። እታ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ብምኽንያት ገበን ቕትለት ዝተበየነላ ፍርዲ ተቐባልነት …

Read More »

ተኸሳሲ ጠበቓ ገበናዊ ክሲ ቀሪብሉ እናሃለወ ስራሕ ይቕጽል

ንመስራቲ ማዕከን ጡረታ ኩባንያ ኣልራ ካብ ዕቋር ጡረታ ሚልዮናት ክሮነር ክወስድ ብምሕጋዙ ዝተኸሰሰ ጠበቓ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሓምሳ ናይ ክሳራ ጉዳያት ክሰርሕ ምጽንሑ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። መስራቲ ኣልራ ኣሌክሳንደር ኤርንስትበሪ ኣብ 2021 ካብ 170 ሚልዮን ክሮን ዕቚር ጡረታ ምትላል ብምፍጻሙ ንሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ እዩ። “ኣብ ከምዚ ኩነታት ስራሕ ክቕጽል የብሉን” ክትብል ኣብ ትሮልሃታን ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ …

Read More »

ኣብ ሓምላይ ሰልፊ ኣብ ምሕጻይ ሓባራዊ መሪሕነት ዘይምርድዳእ ተራእዩ 

ሽማግለ ምቕራብ ሕጹያት ሓምላይ ሰልፊ፡ ዳኒኤል ሄልደን ምስ ናይ ሕጂ መራሒት ማርታ ስቴነቪ ብምዃን ሓባራዊ መራሒ ናይቲ ሰልፊ ክኸውን ሕጹይ ገይሩ ኣቕሪብዎ ። ዳኒኤል ሄልደን ኣባል ባይቶ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስቶክሆልም ኣባል ባይቶ ምምሕዳር ከተማ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። እቲ ሰልፊ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዝገብሮ ሃገራዊ ዋዕላ፥ ካብ ክልቲኦም መን ነቲ ውድብ ከም ዝመርሕ ብወግዒ ክውስን እዩ።

Read More »

ሓድሽ  ሕጊ  ኢመግረሽን ካብ 1  ጥቅምቲ 2023 ክጅምር እዩ።

ሚኒስተር ኢመግረሽን ማርያ  ማልመር ከምዝሓበረቶ ካብ  1 ጥቅምቲ  2023 ጀሚሩ  ብናይ  ስራሕ ፍቓድ ናብ ስዊድን ምምጻእ ዝምልከት ካብቲ  ቅድሚ  ሕጂ  ዝነበሮ ድሞዝ ናይ 13000 ክሮነር ብዕጽፊ ብምውሳኽ ዝኾነ መንበሪ ፍቃድ ብምኽንያት  ስራሕ ዘመልክት ሰብ ደሞዙ  26650 ክኽውን ከምዝተወሰነ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ  መግለጺ ኣፍሊጣ። እዚ ማለት ነቶም ትሑት እቶት ዘለዎ  ስራሕ ዝሰርሑ ከም  ናይ  ጽሬት  ስራሕተኛታትን ናይ  ቤት መግቢ  ሰራሕተኛታትን ዝጸልው  …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com