Saturday , May 4 2024

ሃገራዊ ዜና

ሬሳ ዝጠፍአት ጓል 17 ዓመት ተረኺቡ

ፖሊስ ደቡባዊ ምዕራብ ሽወደን ትማሊ ምሸት ዝተረኽበ ሬሳ ናይ ሓንቲ ዝጠፍአት መንእሰይ ጓል ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እታ ካብ ምምሕዳር ከተማ ማርክስ ዝመጸት ጓል 17 ዓመት መንእሰይ፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት እያ ተራእያ። ሓደ መንእሰይ ወዲ ብቕትለት ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ። እቲ መንእሰይ ነቲ ገበን ኣይወዓልክዎን ክብል ናይ እምነት ኽሕደት ቃሉ ሂቡ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ ሰሜን …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ሰባት ካብ ሽወደን ወጺኦም

ዓሚ ብወለንታኦም ናብ ዓዶም ክምለሱ ገንዘባዊ ደገፍ ዝረኸቡ ሰባት ምስ ናይ 2022 ክነጻጸር እንከሎ ዳርጋ ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ ተባሂሉ። ካብቶም ካብ ኤጀንሲ ሚግሬሽን “ደገፍ ዳግመ ምጥያስ” ዝበሃል ክፍሊት ዝረኸቡ ልዕሊ ፍርቂ ናብ ዒራቕ ተመሊሶም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብጠቕላላ 463 ሰባት እቲ ክፍሊት ተቐቢሎም እዮም። ሽወደናውያን ብሓፈሻ ካብቶም ኣብ ካልኦት ትሽዓተ ሃገራት OECD ዝርከቡ ሕሙማት ዝተሓተ ተመኩሮ ክንክን ጥዕና ከምዘለዎም …

Read More »

ብሰንኪ ጒድለት ንቕሓት ኣብ ቦት ስራሕ ዘሎ ኣድልዎ ይቕጽል

ብሰንኪ ዋሕዲ ሲቪካዊ ንቕሓት ኣብ ቦታ ስራሕ ዝኽሰት ወገናውነት ንምንካይ ዝዓለመ ስልጠና ብዙሕነት፥ ክንድቲ ዝተሓሰበ ውጽኢት ከምዘይኣምጽአ ዩኒቨርሲቲ ማላርዳለን ዝገበሮ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ዋላ’ውን ንሰሙናት ዝቕጽል ጽዑቕ ምክትታል ዝግበረሉ ሰፊሕ መደባት ስልጠና፡ ኣብ ተሳተፍቲ ብውሽጠ ውነ ነቶም ‘ልሙዳት ገጻት ሽወደናውያን” ዝድግፍ፡ ከምኡ’ውን ኣንጻር ካብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ንዝመጹ ኣስላም ዘሎ ኣሉታዊ ኣረኣእያን ወገናውነት ከጉድል ከምዘይከኣለ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። ይኹን’ምበር ከምዚ …

Read More »

ፖሊስ ጀርመን ክልተ ኣፍጋናውያን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ

ፖሊስ ምብራቓዊ ጀርመን: ኣብ ልዕሊ ሪክስዳግ ሽወደን መጥቃዕቲ ንምፍጻም መደብ ኣውጺኦም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ክልተ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉ ማዕከናት ዜና ጀርመን ሓቢረን። ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ዓቃብ ሕጊ ጀርመን፡ እቶም ጥርጡራት ምስ ጉጅለ ዳዕሽ ርክብ ዘለዎም እዮም። ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ሪክስዳግ ወይ ኣብ ጥቓ ሪክስዳግ ንዝርከቡ ኣባላት ፖሊስን ካልኦትን ተኹሲ ክኸፍቱ መደብ ከምዝነበሮም ድማ ገሊጾም ኣለዉ። ፖሊስን …

Read More »

ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ንተርጎምቲ ክወሃብ ዝተሓስበ ክፍሊት ደው ክብል ተጌሩ

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብሌኪንገ ዝርከቡ ዞባዊያን ፖለቲከኛታት፡ ቅድሚ ሳምንታት ምስ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ዝገበርዎ ርክባት፡ ካብ ተርጓሚ ሓገዝ ንዝደልዩ፡ ቋንቋ ሽወደን ዘይዛረቡ ሕሙማት፡ ክፍሊት ንምትእትታው ወሲኖም። እቲ ውሳነ ኣንጻር ሕጊ እዩ ዝብሉ ነቐፍቲ ናብ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ቬክስኾ ይግባይ ኢሎም ኣለዉ። ቤት ፍርዲ እቲ ጒዳይ ናይ መወዳእታ ሕጋዊ ፍርዲ ክሳብ ዝወሃቦ ምትእትታው ክፍሊት ደው ክብል ወሲኑ ኣሎ።

Read More »

“ሽወደን ኣብ መዓስከራት ሶርያ ንዝርከቡ ኣባላት ዳዕሽ ዝኾኑ ዜጋታታ ክምለሱ ኣይትሕግዞምን እያ” ሚ/ጒ/ወ

ሽወደን ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተህድሶ ዳዕሽ ዝጸንሑ ምስሽወደን ርክባት ዘለዎም ሰባት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይትሕግዞምን እያ። እዚ ንኹሉ ኣብኡ ዘሎ ሰብ እንተላይ ንህጻናት ዝመልክት ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ንTV4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ– እቶም ሽወደናውያን ብወለንታኦም ወጺኦም ናብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብጭክኔኦም መዘና ዘይርከቦም ግብረሽበራዊያን ውድባት ምጽንባሮም ክርሳዕ የብሉን ክብል ወሲኹ …

Read More »

ኣብ 2023 ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሳይበር ይውሰኽ

ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣንን ትካላትን ዝተኻየዱ መጥቃዕቲታት ሳይበር ኣብ 2023 ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ኤጀንሲ ሲቪላዊ ሓደጋታት ሽወደን (MSB) ን ፍጻመታት ኣይቲ ዝምልከት ዓመታዊ ጸብጻቡ ይሕብር። ዓሚ ካብቶም ንሕብረተሰብ ዝድግፉ ዕማማት ዘለዎም ኣስታት 1000 መንግስታዊ ትካላት እቶም 334 ሓደጋ መጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዝተኻየደሎም MSB ገሊጹ። ኣብ 2023 ንኤምኤስቢ ዝተገልጸ ቁጽሪ ፍጻመታት፥ ብግምት ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተገልጸ ቁጽሪ ኮይኑ፡ እቲ …

Read More »

ሽወደናውያን ተስላ ምሽማት ይቕጽሉ

ኣብ ሽወደን መሸጣ ተስላ ኣዝዩ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡፡ ዋላ’ኳ ኣድማ ማሕበር IF Metall ን ዝተፈላለየ ኣድማታትን ይካየድ እንተሃለወ፥ ብዙሓት ዓማዊል ሓደስቲ መካይን ምሽማት ይቕጽሉ’ለዉ። እቲ ኣፍራዪ መኪና፡ ነቲ ኣብ ሽወደን ኣንጻር እቲ ኩባንያ ዝወሰዶ ስጉምትታት ንምሕላፍ ሓያሎ መገድታት የናዲ ምህላዉ ፡ ሬድዮ ሽወደን ካብ ዓማዊል ዝረኸበቶ ሓበሬታ የመልክት። ቲቦር ብሎምሃል ካብ ተስላ ክለብ ሽወደን፥ “ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ፥ ሓዳስ ቴስላኻ …

Read More »

ማልሞ፡ ቅድሚ ውድድር ዩሮቪዥን ምጽራይ ኣናጹ ይካየድ

ኣብ ማልሞ ዝረአ ዘሎ ጸገም ብዝሒ ኣናጹ ንምፍታሕ፥ ብፍላይ ድማ እታ ከተማ ቅድሚ ኣብ ወርሒ ግንቦት ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ከተአንግድ ምስ ምዃና፡ ነታ ከተማ ካብ ኣናጹ ንምጽራይ ሜላታት ማእከላይ መዋእል ይጥቀሙ ምህላዎም ተፈሊጡ። ብዝሒ ኣናጹ ንምንካይ ውዕል ዝተኣተወት ሞና ጋላይኒ፡ ጊሔን ኣኽላባትን ብሓባር ትጥቀም ኣላ። “እቶም ጊሐ ኣብ ጉድጓድ ይኣትዉ እሞ እቶም ኣኽላባት ድማ እቶም ኣናጹ በቲ ካልእ ሸነኽ ምስ …

Read More »

ኣብ ቅትለት ዕዳጋ ማልሞ ዝተሳተፉ ተኸሰስቲ ተፈሪዶም

ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ማልም፥ ሎሚ ዓርቢ ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ኣብ ሳመር 2022 ዝተፈጸመ ህይወት ዝቐዘፈ ተኹሲ ብዝተተሓሓዘ ንተኸሳሲ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ። ነዚ ቅትለት ምልዕዓልን ሓገዝን ጌሩ ብዝብል ካልእ ተኸሳሲ ን 10 ዓመት ተፈሪዱ’ሎ። ክልቲኦም ተኸሰስቲ ነቲ ገበናት ኣይወዓልናዮን ክብሉ ናይ እምነት ክሕደት ቃሎም ሂቦም እዮም። ኣቐድም ኣቢሉ 16 ዝዕድሜኡ ኮተቴ ነቲ ኣብ ማእከል ዕዳጋ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com