Wednesday , May 8 2024

ሃገራዊ ዜና

ሽወደናውያን ኣብ ዕዳጋ ጸላም ዓርቢ ክሳብ ቢልዮን ክሮና ወጻኢ ክገብሩ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ

ሸወደናዊ ማሕበር ንግድ፥ ሽወደናውያን ኣብዚ ሰሙን ዳርጋ 9 ቢልዮን ክሮነር ከውጽኡ ትጽቢት ከምዘለዎ፥ እዚ ድማ ኣብ ዝሓ፡አፈ “ሸመታ ጸላም ዓርቢ” ጥርዙ ምብጽሑን ተገሊጹ። ገለ ሰባት ግና ኣብክንድዚ ጨሪሶም ዝኾነ ክገዝኡ ኣይመርጹን። ኤሚልያ ኣርቪድሰን ጸሓፊትን ኣፈኛን ናይቲ ኢን ሸፕፍሪ ዳግ& ወይ ምንም ኣይትግዛእ ዝስማ መዓልቲ እያ። ንሳ እዚ ኲነታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሸመታ ክትገብር ዝደፋፍእ እዩ ኢላ ከም እትኣምን፥ ኣብ ዝሓለፈ …

Read More »

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ቃላት ቀዳማይ ሚኒስተርና ብሓሶት ክጥምዝዙ ዝፍትኑ ተጻባእቲ ኣለዉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ ዮተቦሪ ኣብ ዝተኻየደ ክፉት መድረኽ ሕቶን መልስን ብዛዕባ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ዝበሎ ብዘይቅኑዕ ኣገባብ ተተርጒሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቋንቋ ዓረብ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር ጸብጺባ። እተን ማሕበራዊ መራኸቢታት እስራኤል “ጃምላዊ ህልቂት ክትፍጽም መሰል ኣለዋ” ከም ዝበለ ጌረን ብምሕባር ሓበሬታ የዛብዓን ምስሊ ሸወደን ኣብ ወጻኢ ከም ዝድወን ይገብራ ምህላወን ብምምልካት፥ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣብ …

Read More »

ኖርወይ፥ ብ ሓድሽ ጅር ኮቪድ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሕሙማት ን ማእከላት ክታበት ይመልኡወን

ጸጸኒሖም ዝቕልቀሉ ዘለዉ ጅራት ቫይረስ ኮቪድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኖርወጃውያን ምልካፎም፡ በዚ ድማ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ቀውዒ ህድእ ኢለን ዝነበራ ማእከላት ክታበት ምምልአን ተገሊጹ። ዋላ’ኳ ገለ ሰብመዚ ጥዕና ሕጂ መርመራ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ይገልጹ እንተሃለዉ፥ ኣብያተ መድሃኒት ኖርወይ ባዕልኻ እትምርምረሉ ናውቲ ብብዝሒ ከም ዝሸጣ ሓቢረን ኣለዋ። ኣብ ሰሜን ኖርወይ ሃድሰል ዋና ሓላፊ ሕክምና ዶክተር ኢንገብዮርን ብላይድቪን ትማሊ ረቡዕ ንመንግስታዊ …

Read More »

ኣፍረይቲ ፍረታትን ኣሕምልትን ብ ሱፐርማርኬታት ንውጻዕ ኣለና ክብላ ይኸሳ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ ፍረታትን ኣሕምልትን ኣዝዩ ከምዝወሰኸ መዐየሪ ዋጋ ሃለኽቲ ኣመልኪቱ። ንኣብነት ኮሚደረ፡ ሕጂ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ብ 47% ዋጋ ወሲኹ’ሎ። ኣፍረይቲ ግን ዝረኽብዎ መኽሰብ ትሑት ብምዃኑ ስርሖም ደው ከብሉ ይቕሰቡ ምህላዎም እዮም ዝገልጹ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት እዚ ኣሸጋሪ ኲነታት ዕዳጋ ዓበይቲ ሱፐርማርኬታት እኹል ክፍሊት ይገብራ ዘይምህላወን እዩ ክብሉ ከም ዝወቕሱ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ሰንሰለት …

Read More »

ሽወደናውያን ሕዱር ቃንዛ ይስምዖም

ልዕሊ ሱሳ ሚእታዊት ካብቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ኣብ ኣካላቶም ብገለ ዓይነት ቃንዛ ከምዝስምዖ ይዛረቡ ክብል ጸብጻብ ስታቲስቲክስ ሽወደን (SCB) ኣመልኪቱ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብፍላይ በዚ ዝያዳ ይጥቅዑ እዮም ዝበለ እቲ ጸብጻብ ብዙሓት መንእሰያት ከይተረፉ ተመሳሳሊ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር ነቲ ጸገም ንሓዋሩ ንምፍታሕ ተመካሪ ኣገባብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ማእከላይ ባንክ ንመጠን ወለድ ኣብ 4% ክጸንዕ ወሲኑ

ማእከላይ ባንክ ሽወደን–ሪክስባንክ–ቀንዲ ወለድ ኣብ 4% ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ጀሚሩ ሸሞንተ ተኸታተልቲ ወሰኽ ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ሕጂ እዋን ነዚ መጠን ወለድ ክዕቅብ ወሲኑ’ሎ። እቲ ባንክ፡ ዋጋታት ንብረት ገና ኣዝዩ ልዑል ምህላዉ፡ እንተኾነ ግን ቊሩብ ምጒዳሉ፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ምንቊልቋል ከምዘሎን ንጹር ምልክታት ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ሕጂ’ውን ልጓም ዘለዎ ገንዘባዊ ፖሊሲ ምኽታል ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ባንክ፡ …

Read More »

ሓተትቲ ዕቚባ “ቅንዕና ዝመልኦ ህይወት” ክነብሩ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣመሓደርቲ ውድባትን እንተላይ ሰልፊ ደሞክራሲ ሽወደን ሓተትቲ ዑቕባን ካልኦት ወጻእተኛታትን ኣብ ሽወደን ናይ ምጽናሕ መሰሎም ብዝመርሕዎ ኣገባብ ህይወት ክሰን ከም ዝደልዩ ገሊጾም። ኣብ ሽወደን ዕቚባ ዝሃተቱ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ንኽወሃቦም ወይ መንበሪ ፍቓድ ንኽሕዙ “ቅንዕና ዝመልኦ ናብራ” ክመርሑ እዞም ሰልፍታት ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ነዚ ዘማልእ ረቛሒታት እንታይ እንታይ እዩ ኣብ ዝብል ሕቶ ሓድሽ መንግስታዊ መርመራ ክግበር ምዃኑ ሬድዮ ሸወደን ወሲኻ …

Read More »

ብዛዕባ ውሳነ ወለድ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዘይርጉጽነት ይነግስ

ጽባሕ ሓሙስ ማእከላይ ባንክ ሽወደን “ሪክስባንክ” ኣብ ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ካብ ዜሮ ናብ 4.0% ዝዓረገ ዋና ወለድ ዝምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነኡ ከፍልጥ እዩ። ገለ ክኢላታት ስነ-ቑጠባ ተወሳኺ ናይ 0.25% ወሰኽ ክህሉ እዩ ዝብል ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ። ገለ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ጥርዚ ወሰኽ ስለዝተበጽሐ ዝኾነ ወሰኽ ኣይክህሉን እዩ ክብሉ ተሟጊቶም ኣለዉ።

Read More »

ውልቃዊ ሓገዝ ዝህባ ኩባንያታት ዓሎቕ ምክያድ ይቕጽላ ኣለዋ ተባሂሉ

ዋላ’ኳ ፍቓድ ንግዶም እንተተሰረዘ፡ ስንክልና ስራሕ ንዘለዎም ሰባት ውልቃዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ዝሰርሓ ሓያሎ ኩባንያታት፡ ንገዛእ ርእስን ‘ምምሕዳር’ ኩባንያታት ኢለን ብምጽዋዕ ፡ ብዝተፈለየ ጉልባብ ስርሐን ቀጺለን ምህላአን ኣገልጎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ሓደ ብ ኣገልግሎት ዚና ሬድዮ ሽወደን ዝተራእየ ጉዳይ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተጠቕሰ ዓሚል፡ ኣብቲ ዝተጠቕሰሉ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምንባሩ ከም ኣብነት ተላዒሉ’ሎ። “ነዚ ንምእራም …

Read More »

ሓምላይ ሰልፊ ሓድሽ መራሒ መሪጹ፡፡

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ኦረብሮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ፡ ሓምላይ ሰልፊ ንዳንኤል ሄልደን ሓድሽ ሓባራዊ መራሒኡ ገይሩ መሪጽዎ። ንመወዳድርቱ ማግኑስ ፒ ዋህሊን ብሓንቲ ድምጺ ጥራይ ( 131 ን 130) ብምርታዕ እዩ ተመሪጹ ዘሎ ። ዳኒኤል ሄልዴን፡ እቲ ሰልፊ ብዝያዳ ብግልጺ ኣብ ፖሊሲታት ክሊማን ከባብን ከተኩር ከምዝደሊ ይገልጽ። እቲ ውዑይ ናይ መሪሕነት ጎስጓስ፡ ከምኡ’ውን ምቅርራብ ናይቲ ድምጺ ኣብ ግምት ብምእታው፥ እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com