Monday , May 6 2024

ኩርናዕ ጸሓፍቲ

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ተጣቢብካ እንተ ዘይኮይኑ…..

  ሓደ እዋን ባሩን ማሩን እተባህሉ ንዓዲ ዘሰከሑ ክልተ ርጉማት ኣሕዋት ነበሩ። ብኣታቶም ዘየማረረ ሰብ ኣይነበረን። ኩሉ ሰብ ድማ ሕማቖም ይትምነ ነበረ።   ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ማሩ ይመውት። ባሩ ድማ ንሓዉ ኪቐብርን ከኽብሮን ሓላፍነት ስለ ዝነበሮ ናብቲ ናይ ዓዲ ካህን ከይዱ፥ ’’ኣቦይ ቀሺ፡ እምበኣር ማሩ ሓወይ መዓልቱ ኣኺሉ ሞይቱ ኣሎ፡ ይኹን’ምበር ኩሉ ሰብ ስለ ዚጸልኦ፡ ኣብቲ ናይ ፍትሓት መደረ፡ ሓወይ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም . . . . ብኣማኑኤል ሳህለ . . . .ዘመነ ጻህያይን ክርዳድን (Survival of the Unfittest)

ንኹሉ ገግዜኡን ዘዘመኑን ኣለዎ። ለባም ዝኸብረሉ ዘመን ኣሎ፡ ለባም ዚነዓቐሉ ግዜ ድማ ኣሎ። ዓሻ ዝሕብኣሉ ዘመን ኣሎ፡ ዓሻ ኣብ ዙፋን ጠቢባን ዚድይበሉ ግዜ ድማ ኣሎ። ለባማት መራሕቲ፡ ከም ርህሩህ ጓሳ ንህዝቦም ዚጓስዩሉ ግዜ ኣሎ፡ እኩያት መራሕቲ፡ ከም ዕሱብ ጓሳ ንህዝቦም ዘጥፍኡሉ ግዜ ድማ ኣሎ። ብፍላይ፡ ሕማቕ ግዜ ኪፍጠር ከሎ፡ ወድሰብ ድማ መሬት ከም ዓይኒ መርፍእ ክትጸቦ ከላ፡ ሽዑ ዚፍጠሩ ወይ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም. . . ብኣማኑኤል ሳህለ. . . ካብ ባህሊ ተጠንቀቑ! (Beware of Culture!)

ብሓደ ዝነብሩ እኩባት ሰባት ወይ ማሕበረሰብ ዚኽተሉዎ ክብርታት ወይ ወግዕታት ኣለዎም። ሰብ ኪሞቶም ከሎ እንታይ ይገብሩ? ከመይ ጌሮምከ ይቐብሩዎ። ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ኪወርዶም ከሎኸ? ኪሰትዩን ኪበልዑን ከለዉ እንታይ ኣቕሓ ይጥቀሙ? ክዳን ሰብኣይን ክዳን ሰበይትን ፍልልይ ኣለዎዶ? ሓንቲዶ ወይስ ብዙሓት ኣንስቲ እዮም ዘእትዉ? ንሓሶትን ስርቅን ቅትለትን ብኸመይ መገዲ ይርእዩዎ? ነውሪ ዝብሉዎኸ ከመይ ዝበለ እዩ? ነየናይ ናይ ሰብ ተግባር ኢዮምከ ከም ጅግንነት ወይ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም. . .ብኣማኑኤል ሳህለ . . .ውድቀት ናይቲ ብሩህ ኮኾብ (The Fall of Lucifer)

  ኣብቲ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ንኮኾብ ጽባሕ ኣመልኪቱ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፥ “ኣየ፡ ብሩኽ ኮኾብ፡ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡….” ቀጺሉ ድማ፥ ”ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ…” ይብል።   ኮኾብ ጽባሕ ግን እንታይ ኢዩ?   ኮኾብ ድራርን ኮኾብ ጽባሕን ኪብሃል ሰሚዕኩም ትኾኑ ኢኹም። እቲ ቀዳማይ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት ኣብ ግዜ ምሸት ኢዩ ዚወጽእ፣ እቲ ካልኣይ ግን ብወገን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም. . . .ብኣማኑኤል ሳህለ. . . .ገለ ርእይቶ ብዛዕባ ባህልን ምዕባለን (Reflexions on Human Culture)

ጃፓናውያን ኣብ ዓለም ብቝጠባ ኣዚዩ ክብ ዝበለ ደረጃ ዝሓዙ ህዝቢ እዮም። ብስነ-ስርዓት ድማ ዘርክቦም የብሎምን። ነቲ ጭዋ ባህሎም ከየጥፍኡ፡ ንመላእ ዓለም ናይ ስልጣነ ኣብነት ኮይኖምዋ ኣለዉ።   ስልጡን ንኽትብሃል ግን ግድን ናይ ወጻኢ ቋንቋ ክትዛረብ ወይ በታ ምዕብልቲ ዝኾነት ማኪና ክትዛወር ኣየድልን። ጽልሙት ሓንጎል ሒዝካ፡ ኣብ ርሻናት ብምንባርካ፡ ስልጡን ኣይገብረካን።   ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከም እተዓዘብኩዎ፡ እቲ ከተማ ደኣ’ዩ ምዕቡል …

Read More »

ሓንቲ ዓለም . . . . . ብኣማኑኤል ሳህለ . . . . . . ንኹሉ ዚስዕር ፍቕሪ፥ ሊሊ ማርሊን (LILY MARLENE)

  ሊሊ ማርሊን ናይ ሃገር ጀርመን ናይ ፍቕሪ መዝሙር ወይ ደርፊ ኢያ ነይራ። ንሳ ብ 1915 ከም ግጥሚ ተጻሒፋ፡ ብ 1939 ከም ደርፊ ተቐሪጻ፡ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ መንጎ ሰራዊት ጀርመንን ወትሃደራት ኣመሪካን እንግሊዝን ፈረንሳን ህብብቲ ኮይና ሓሊፋ። ነዛ ደርፊ ፍልይቲ ዚገብራ፡ በቶም ወትሃደራት ጸላእቲ ጀርመን ከይተረፈ ትድረፍ ብምንባራ ኢዩ። ኣብቲ ኲናት ዚካየደሉ ዝነበረ ዓመታት፡ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…..ብ ኣማኑኤል ሳህለ….. ሰለስተ ባህርያት ወድሰብ (Three Faces in the Mirror)

ወድሰብ፡ ሰለስተ መሰረታውያን ባህርያት ሒዙ ኢዩ ኣብዛ ዓለም ዚንቀሳቐስ። ንሳተን ከኣ፤ እንስሳዊ ሰብኣዊ መንፈሳዊ   ኢየን።   እንስሳዊ ባህርያት፥ ካብ እንስሳ ዝወረስናዮ ባህሪ ኢዩ። ሰብ ብስነህይወት ወይ ባዮሎጂ፡ ካብ እንስሳ ኣይፍለን ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ነቶም ኣብ ጫካታት ዚነብሩ ሰባት ተዓዘቡዎም። ከምኡ’ውን ነዞም ኣምላኾም ረሲዖም ንወድሰብ ከብክዩ ዚውዕሉ ዘለዉ ገዛእትን ስሱዓት ፈተውቲ ገንዘብን ተመልከቱዎም። እንስሳዊ ባህርያት፡ ኣብ ባእስን፡ ሓይልን፡ ስዕረትን፡ ኣብ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቐኛ ዛንታ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም 4ይን መወዳእታን ክፋል

  “እስከ ኣብርህለይ፡ እተን ሰለስተ መንገድታት ዝበልክየን፧” ንዕላላ ኮሊፈ ተወከስክዋ። “ብእግሪ ዝበልኩኻ፡ ካብ ግሪኽ ተበጊስካ ብተርታ ወይ ልክዕ’ኳ ዝፈልጦ ተዘይኮንኲ፡ ግና መጀመርታ ናብ መቖደንያ፡ ሰርብያ፡ ኲሬሽያ፡ ቦዝንያ ወዘተ እናቖረጽካ ናብ ኢታሊ ኢኻ ትኣትው፡ እዚ ብእግሪ ኾይኑ ከቢድን ምስ ደቒ ኣንስትዮ ዘይከይድን’ዩ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብተመሳሳሊ ናይ ኤውሮጳ ፓስፖርት ሒዝካ ብኣየር ፖርት ትፍትን፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ብዝተሰንዐ ቪዛ ትፍትን፡ ሰብ ብኸምዚ’ዩ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ ብኣማኑኤል ሳህለ

መግዛእቲ እንግሊዝ (The Queen’s Subjects) ሚስተር ስሚዝ እዩ ስሙ። ግን ሚስተር ስኒዝ ኢዮም ዚብሉዎ ዝነበሩ ኣብ 40ታት ዝነበሩ ሰባት። ካኪ ጁባን ስረን ለቢሱ ኣብ ትሽትሹ ቀጣን በትሪ ይቓቕር። ሚስተር ስኒዝ ምስቶም ንኤርትራ “ናጻ” ከውጽኡ ብከረን ዝወሓዙ እንግሊዛውያን እዩ ናብ ኣስመራ ኣትዩ።   “ሃው ኣር ዩ ሚስተር ስኒዝ…………….?”   ሚስተር ስኒዝ ግን ዓሰርተ ሳዕ ሰላም ዚብሎ ሰብ ኣይፈቱን። ከም ጣልያን ተዛራባይ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቀኛ ዛንታ ሳልሳይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ንህይወትና ቀቢጽና ስቕ መሪጽና፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሕብሪ ገጽና ተቀያይሩ፡ ኩላትና ኣውያት ዶርጋሕናዮ፡ ምስ ኣውያትና ተደሚሩ ዝያዳ ዓቕልና ጸበበና፡ ኩሉ ሰብ ድማ ክወድቕ ጀመረ፡ ኣነ’ውን ክጽልምተኒ ከሎ ይርድኣኒ ነበረ፡ ጽባሕ ብዙሕ ነገር እንሰርሕ መንእሰያት ከለና፡ ነዛ ህይወትና ብዘይጠቕም ነጥፍኣ፡ ክቕጽለልካ ግዳ፡ ኩሉ ሰብ ብሓባር ኣውያት ክድርጉሖ ምስ ጀመረ ሃለዋተይ ኣጥፋእኲ፡ ካብዚ ስዒቡ ዝኸፍአ’ዩ ስዒቡ፡ እዋይ—” ዳግማይ ንብዓት ጸረር ኣበለት፡ ዝኸፍኣ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com