Saturday , May 11 2024

ኮረና ቫይረስ

February, 2021

  • 2 February

    ውጽኢት መርመራ ኮሮና ንገያሾ፡ ንመስርሕ ምቕባል ሓተቲ ዑቕባ ክዕንቅፍ ተኽእሎ ኣሎ ተባሂሉ

    ናብ ሽወደን ዝበጽሑ ገያሾ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ዝሕብር ምስክር ወረቐት፡ ከርእዩ ከምዝግባእ ዝብል እማመ ናብ መንግስቲ ቀሪቡ ከምዘሎን በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሸወደን ድማ ነዚ ተበግሶ ብኣወንታ ሪእይዎ’ ኳ እንተሃለወ፡ መንግስቲ፡ ብፍሉይ ዝርእዮም ኩነታት ክህልዉ ይግባእ ከምዝበለ፡ ሚኒስተር ውሽጣዉ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ሓቢሩ። እንተበዝሐ ናይ 48 ሰዓታት ዕድመ ዘለዎ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ዝሕብር ምስክር ወረቐት ምቕራብ፡ ነቶም ኣህጉራዊ …

  • 1 February

    Harmoy media News 01/02/2021

  • 1 February

    ውልቀ ሰባት፡ ንዝዋሃቦም ዓይነት ክታበት ክመርጹ ከምዘይክእሉ ተሓቢሩ

    ምምሕዳራት ሽወደን፡ ኣብቲ ብሃገር ደረጃ ተመዲቡ ዘሎ ውጥን ክታበት፡ ውልቀ ሳባት፡ ፍርያት ናይ ኣየነይቲ ኩባንያ ንክኽተቡ ከምዝደልዩ ንኸምርጻ መደብ ከምዘይብለን፡ ሬድዩ ኢኮት ዘካየዶ ዳህሳስ ሓቢሩ። ውሕስነት ናይቶም ክታበታት ዝተረጋገጸ ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት፡ ስግኣት ዘለዎ ኣይኮነን ዝበለት ተሓጋጋዚት ሓላፊ ምክልኻል ለበዳ ኣብ ሃላንድ፡ ማርያ ሎቭግሪን፡ ቀረብ ናይቲ ክታበት ከም ኣድላይነቱ ክሳለጥ ምዃኑ ሓቢራ። መሰረታዊ መርገጺ ምምሕዳር ስኮነ፡ ውልቀ ሰባት፡ ዝኽተብዎ …

January, 2021

  • 29 January

    Harmoy media News 29/ 01/ 2021

  • 29 January

    ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ሰባት፡ ምስክር መርመራ ኮሮና ከምዘድልዮም ተሓቢሩ

    በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዝተረረ ቀይድታት ብምምሕልላፍ፡ ነቶም ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ክህልዎም ከምዝግባእ ምኽሩ ኣመሓላሊፉ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና፡ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ንምርካብ፡ ሎሚ ጠለቡ ከምዘቕረበ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ። ባህርያት ናይዚ ቫይረስ ተለዋዋጢ ብምዃኑ፡ ዘይተፈልጡ ሓደስቲ ዓሌታት ቫይረስ ክህሉዉ ስለዝኽእሉ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ዝተረረ ቀይድታት ንኸመሓላልፍ …

  • 29 January

    ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ንክታበት ኣስትራ ዘኒካ ኣፍልጦ ሂብዎ

    ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት (EMA)፡ ንፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝኾነ ክታበት፡ ኣፍልጦ ከምዝሃበን፡ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕል ከምዘፍቀደን ሓቢሩ ክብል ስቬኒስካ ዳግብላደት ንሓደ ኤውሮፓዊ ምንጪ ብምጥቃስ ኣመሓላሊፉ። ብምሉአን እተን ውዕል ዝተፈራረምናየን ኩባንያታት፡ ፍርያት ክታበተን፡ ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ተፈላጥነት ብምርካበን፡ ሑጉሳት ኢና። ሕጂ ተሪፉ ዘሎ፡ መስርሕ ምርኽኻብ እዩ ክኸውን ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሽወደን፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ገሊጻ። ኤውሮፓዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ …

  • 27 January

    ዜናታት ሃርሞኒ ሜድያ 27 ጥሪ 2021

  • 27 January

    ኣውስትርያ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ንቡር ማስክ፡ FFP2 ምጥቃም ትጠልብ

    ልዕሊ 14 ዓመት ዝዕድሜኦምን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ድኳናት፡ ኣብያተ መድሃኒትን ሆስፒታላትን ዝጥቀሙ ኩሎም ኣብ ክንዲ እቲ ንቡር ማስክ፡ ብሬስፕራቶሪ ማስክ ዝፍለጥ (FFP2) ንኽጥቀሙ ከም ዝኣዘዘት ተፈሊጡ። በዚ ድማ ኦስትርያ፡ ነዚ ብምእዛዝ ፋልመይቲ ኤውሮፓዊት ሃገት ኮይና ኣላ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ንጥኑሳትን ናይ ምስትንፋስ ሕጽረትን ንዘለዎም ሰባት ዘይምልከት ምዃኑ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሕጊ ምስ ካልኦት ዝጸንሑ ሕግታት ብምንጽጻር ኣብ ዜጋታት …

  • 27 January

    ሃገረ ፊንላንድ፡ ዶባታ ዓጽያ

    ሃገረ ፊንላንድ፡ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ተግባር ዝወዓለ፡ ሓድሽ ሕጊ ከምዘተኣታተወት ገሊጻ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ነቶም ካብ ወጻኢ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሰባት ዝምልከት ኮይኑ፡ ሰብ መዚ ምክትታል ዶባት፡ ብጀካ ንኣገደስቲ ጉዳያት ዝመጹ፡ ንኻልእ ሰብ ክሓልፍ ከምዘየፍቅዱ ሓቢራ። እቶም ንኽኣትዉ ዝተፈቕደሎም ሰባት ውን፡ ኣብቲ ዶብ፡ መርመራ ኮሮና ክገብሩ ክግደዱ ምዃኖም ሃገረ ፊንላንድ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ …

  • 27 January

    ኣብ ሽወደን፡ መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት (antibiotik) ትሑት ምንባሩ ተሓቢሩ

    ኣብ ዓመተ 2020፡ ኣብ ሽወደን፡ መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት (antibiotik) ብ 17% ከምዝቐነሰ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት፡ ኣብ ኩሎም ክሊ ዕድመታት ውሑድ እኳ እንተነበረ፡ ካብ ሓድሽ ውልዶ ክሳብ ደቂ 6 ዓመት ዕድመ ኣብ ዘለዎም ህጻናት፡ እቲ ሃልኪ፡ ብ40% ምጉዳሉ ጸብጻባት’ቲ በዓል መዚ ከምዝሓበረ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ምኽንያት ምጉዳል መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት ኣብ ህጻናት፡ ለበዳ ኮሮና፡ ኽኸውን …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com