Sunday , April 28 2024

ሰልፊ ዕዮ ዓባይ ብሪጣንያ ሓድሽ ምርጫ ይደሊ – ከምኡውን ረፈረንድም

ብሪጣናውያን ከም ብሓድሽ ብዛዕባ ብረክሲት ኪውስኑ ዲዮም?” ወይስ በቲ ካልእ ኣማራጺ ብምኻድ ነቲ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘውጽኣ ፍትሕ ደው ከብሉዎ እዮም? ። እዚ እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብቲ ናይ ሊቨርፑል ኣኼባኡ ኪፈትሖ ዘለዎ ዓቢ ብድሆ እዩ። ዓባይ ብሪጣንያ ካብቲ ኤ.ሕ ንኽትወጽእ ፍርቂ ዓመት ተሪፉዋ ኣብ ዘላትሉ ግዜ ኣብ ቀውሲ እያ እትርከብ ዘላ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረዛ መይ ከመይ ኢላ ከም …

Read More »

ጸጋማይ ሰልፊ ምስ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና SD ሕጹይ ፕረሲደንት ይበኣስ

ፖለቲካ TT ጸጋማይ ሰልፊ ነቲ ናይ ባይቶ ካልኣይ ምኽትል ፕረሲደንት ቦታ ንምውሳድ ምስ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና SD ሕጹይ ፕረሲደንት ይቃለስ። ዮናስ ሸስተድ ንማእከላይን ንሊበራልን ሰልፍታት፡ ነቲ ናይ ጸጋማይ ሕጹይ ኪመርጹ ይምሕጸን። ዮናስ ሸስተድ ኣብቲ ምስ ጋዜጣ ዝገበሮ ዝርርብ፡ እቲ ጸጋማይ ሰልፊ ነቲ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና ብዮርን ሶደር ከም ናይ ባይቶ ምክትል ፕረሲደንት ከም ዘይቅበሎ ሓቢሩ። ከም ልሙድ፡ እቲ ሳልሳይ ዝዓበየ …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ Brev till mitt land (ንመዘናግዕን ንመምሃርን)

  ደብዳበ ናብ ዓዲ ቁ. 2                                       ብኣማኑኤል ሳህለ ሓበሬታ፥ ሽሕኳ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ኢመይል ወይ ፈይስቡክ ወይ ሞባይል/ቫይበር ብምጥቃም ምስ ቤተሰቦም ዝራኸቡ እንተ ኾኑ፡ እዚ ዓምድ’ዚ ግን ነቲ ኢመይል ወይ ሞባይል ብብዝሒ ዘይነበረሉ ግዜ ዚምልከት ኮይኑ፡ ንምዝንጋዕ ብማለት እውን …

Read More »

ሕጊ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ፍቓድ ረኺቡ – ”ደስ ዘብል እዩ”

Migration TT እቲ ሓድሽ ናይ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ኪውዕል እዩ፡ ይብል ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚግረሽን። ስለዚ ኣሽሓት በይኖም መጻእቲ ህጻናት ኣብ ሃገር ሽወደን ንምጽናሕን 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ንምእታውን ዕድል ኣለዎም። ጽቡቕ ሕጊ እዩ ግን ንምትግባሩ ቅሩብ ኣጸጋሚ እዩ። ግን ከኣ ዘይቅዋማዊ ኣይኮነን፡ ይብል ቶማስ ሮለን ናይ ሚግረሽን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣባል። እቲ ሕጊ ነቶም ኣብ ሽወደን ኪጸንሑን ኪመሃሩን ዚደልዩ …

Read More »

ሓድሽ ኣገባብ ንምሕዋይ ሓደገኛ ድኻም

ጥዕና ኣብ ስራሕ ቦታ ዚርከቡ ጉጅለ ዝርርብ ድኻምን ጭንቀትን ኪቕንሱ ይኽእሉ። እዚ ድማ ኣብቲ ብሊነ ዩኒቨርሲቲ ብሽወደናውያን ኮሙናትን ወረዳን መጽናዕቲ እተመርኮሰ ርኽበት እዩ፡ ይብል ናይ ሽወደን ራድዮ ኤኮት። ኣብቲ መጽናዕቲ እተኻፈሉ እቶም ኣብ ገምገም ናይ ድኻም ሕማም ዚርከቡ እዮም፡ ንሳቶም ን 10 ሰሙናት ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ኮይኖም ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚ ክልተ ሰዓት ጸገማቶም ተመክሮኦምን ብምንጋርን ነንሓድሕዶም ብምድግጋፍን ተዋሲኦም። እቲ …

Read More »

እቲ ዝኸበረ ጫማ ኣብ ዓለም ኣበይ ከምዝርከብ ትፈልጡዶ?

ኣብ ዓለምና እቲ ዝኸበረ ጫማ ዋግኡ 17 ሚሊዮን ዶላር ኮይኑ:ብሓደ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከብ ትካል ንምርኢት ቀሪቡ። እቲ ኣብ ከተማ ዱባይ ንምርኢት ዝቀረበ ጫማ  ኣብ ቦርጅ ኣል ዓረብ ዝተባህለ ፍሉጥ ህንጻ ኮይኑ ብወርቂን 14 ካራት ኣልማዝን ከምኡውን 236  ኩቡራት ማዕድናት ዝተሰርሐ ምኻኑ ተፈሊጡ።

Read More »

ወረዳ(kommun) ክኒቭስታ ብመቕጻዕቲ ክእክቦ ዝጸንሐ ገንዘብ ክመልስ ይግደድ። 

ምምሕዳር ወረዳ ክኒቭስታ ካብ ብመቕጻዕቲ  መኪና ደው መበሊ( ፓርኪንግ) ዝኣከቦ ብሚልዮናት ዝቑጸር  ገንዘብ ናብ ተቕጻዕቲ ክመልስ ተገዲዱ። እቲ ምምሕዳር ከምዝሓበሮ፡ ምኽንያት ናይዚ ዉሳነ  ምምሕዳር ክኒቭስታ፡ ኣብዞም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት   ንመካይን ደዉ ዝብላሉ ቦታ፥ ዝሕሉን፥ ግቡእ ናይ ምቕጻዕ መሰል ዘሎዎ ኣካል ሓለዋ፥ ከይመደበ ብምጽንሑ፥ ስለዝተረጋገጸ ምኻኑ፡ ክብል ባዓል መዚ መገድታት እቲ ወረዳ፡ ክሪስቶፈር ክቫንስትሮም ንጋዜጣ ንያ ቲድኒንግ ኡፕሳላ ሓቢሩ። እቲ ብጌጋ ክእከብ ጸኒሑ ተባሂሉ ዘሎ ገንዘብ፡ ካብ ዓመተ 2014 ዝሕሰብ ኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝትመን ገንዘብ ምዃኑ እቲ ሓላፊ ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ ምምሕዳር ወረዳ ክኒቭስታ ምስ ባዓል መዚ መጓዓዚያ ሽወደን ብምዃን፡ ዋጋ ክሳራ ናይቲ ጌጋ ክንደይ ክኸዉን ከምዝኽእል ንምንጻር፡ ሓባራዊ ምርመራ ጀሚሮም ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

Read More »

ቻይና፥ ካራ ኣብ ክሳድ ኣንቢርካ ዚካየድ ናይ ታሪፍ ኵናት

EkonomiTT-AFP እቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣመሪካን ተጀሚሩ ዘሎ ንግዳዊ ኵናት ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ ዋሺንግቶን ”ነቲ ካራ ኣብ ክሳድና ኣንቢራ” ተፈራርሃና እናሃለወት፡ ምስ ኣመሪካ ዘተ ምክያድ ኣይተ|ኻእለን ትብል ቻይና። ኣመሪካ ነቲ ናይ 200 ሚልያርድ ናይ ኣቕሑ ቻይና ታሪፍ ድሕሪ ምጅማራ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ፡ እቲ ናይ ቻይና ንግዲ ሚኒስተር ኪዛተ ቅሩብ ምዃኑ ገሊጹ። ግን ከኣ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ብምክብባር ኪገብራኦ …

Read More »

ሳሚ ስዒድ፥ “ኣሪገን ኣሰልቻዊ ድማ ኾይነን”

ስነጽሑፍ T T ሳሚ ስዒድ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ፡ ብ1979 ድማ ጌና ህጻን ከሎ ምስ ስድራኡ ናብ ሃገር ሽወደን ግዒዙ። ኣብ የተቦሪ ዓብዩ፡ ግን ብድሕሪኡ ናብ ስቶክሆልም ከይዱ፡ ኣብኡ ድማ ነዊሕ ዓመታት ተቐሚጡ። ሕጂ ነታ ”ወድሰብ እቲ ዝጸበቐ ከተማ እዩ” ዚብል መጽሓፉ የሕትም ኣሎ። በታ ህብብቲ ‘ቨልዲግት ሰላን ፊን” እትብል መጽሓፉ ጀሚሩ (2012)። ንሳ ብዛዕባ ኖህ እተባህለ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ መንእሰይ የዘንቱ። ኖህ …

Read More »

ብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኮሙን ተሰዲዶም

 SVT Nyheter እቲ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ሕጊ ካብ 2016 ጀሚሩ ኪሰርሕ ምስ ጀመረ ኣትሒዙ ኣስታት ሽሕ ሓደስቲ መጻእቲ ናብቲ ናይ ሶርምላንድ ኮሙናት ተላኢኾም፡ ይኹንምበር እተን ኮሙናት ከመይ ጌረን ነቲ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዘመሓድራኦ ዚፈላለ ይመስል።  እቶም ኣብ ሃገር ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም ከለዉ ግን መንበሪ ቤት ኪረኽቡ ዘይከኣሉ ናብቲ ገዛ ኪረኽበሎም ዚኽእል ኮሙን ተላኢኾም ኣለዉ። ብዝሒ ናይቶም እተላእኩ ሰባት ብመጠን …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com