Saturday , May 4 2024

ስፖርት

ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ብኣታዊታቶም ኣብ ቅድሚት ይስሩዑ!!

ኾዋኽብቲ ተጻወቲ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ዝኾኑ ሊዮንሊ መሲ፣ ክርስትያኖ ሮናልድን ነይማርን ብዝኽፈልዎ መሃያ ላዕለዎት ደረጃ ይሕዙ። ኣርጀንቲናዊ ኣጥቃዓይ ባርሴሎና ልዮነል ሜሲ ብ127 ሚልዮን ዶላር ኣብ ቅድሚት ክስራዕ ከሎ ፖርቱጋላዊ ሮናልዶ፡ ብ109 ሚልዮን ዶላር 2ይ ደረጃ ፡ ብራዚላዊ ነይማር ድማ ብ105 ሚልዮን ዶላር 3ይ ተርታ ሒዞም፡፡ ዝሓለፈ ዓመት ብ ኣታውታቶም 1ይ ደረጃ ሒዙ ዝነበረ ተጓሳጣይ ማይወዘር  ካብ መሳልል ላዕለዎት ኣታዊታት ዝረኸቡ …

Read More »

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ብዓወት ይጅምራ!!

ትማሊ ምሸት ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2019፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውርርር ፈላሚ ጸወታ ዘካየደት ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ቺለ 2 ብ 0 ብምዕዋት ውድድረን ፈሊመን። ኣብዚ ኣብ መበል 73 ብሰንኺ ሓያል ዝናብ ዝተቓረጸ ውድድር ን ሙሉእ ጸወታ ዓብላልነት ተጻወቲ ሸወደን እካ  እንተነበረ ሓሓሊፈን ሓደገኛ ፈተነታታት ክገብራ እምበር ሸቶ ክረኽባ ኣይከኣላን። ድሕሪ ዝናብ ኣብ ዝቐጸለ …

Read More »

ሎሚ ምሸት ሃገራዊያን ጋንታታት ሸወደንን ስጳኛን ኣብ ግጥም መጻረዩ ኤውሮጳ 2020 ክጽመዳ እየን!!

ሎሚ ምሸት ብ ኣቆጻጽራ ሽወደን ካብ ሰዓት 20:45 ጀሚረን ሃገራውያን ጋንታታት ሽወደንን ስጳኛ ኣብ ግጥም መጻሪ ዋንጫ ኤውሮጳ 2020 ክጽመዳ እየን፡፡ እዘን ጋንታታት ቅድሚ ሕጂ ቡዙሕ ተራኺበን ዘይፈልጣ ኮይነን ን ኣስታት 31 ዓመት ዝኣክል ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ናብ ስጳኛ ከይዳ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ተዓዊታ ኣይትፈልጥን፡፡  ኣብ ታሪክ ተሰኒዱ ከምዘሎ ሃገራዊት ጋንታ ሸወደን ን ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ዝተዓወተትሉ ኣብ …

Read More »

ማንቸስተር ዩናይትድ ን ብሩኖ ፈርዲናንድ ንምፍራም ተሰማሚዓ!!

ማንቸስተር ዩናይትድ ን ኣከፋፋሊ ክለብ ሊዝበን ብሩኖ ፈርዲናንድ ብ 70 ሚልዮን ፓውንድ ንምፈራም ተሰማሚዓ። እዚ ፖርትጋላዊ ኣከፋፋሊ ሎሚ ዓመት ብሉጽ ምንቅስቃስ ብምግባሩ ኣስታት 120 ኩዓሳሱ ካብ ኣንጻሩ ዕውት ምምንጣል ክገብር ከሎ 13 ንጎል ዝኾና ኩዓሳሱ ከምእውን ብሽሙ 20 ሸቶታት ብምምዝጋብ  ኣብ የዕይንቲ ብዙሓት ክለባት ክስሕብ ዝኽኣለ።   እዚ ኣከፋፋሊ ብዓበይቲ ክለባት ኢንግሊዝ ሊቨርፑል ማንቸስተር ሲትን ቶተንሃምን ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ እዩ …

Read More »

ፖርትጋል ተዓዋቲት ቦክሪ ግጥም ሊግ ነሽን ኤውሮፓ ኮይና!!

እዚ ሎሚ ዓመት ንመጀምርያ ግዜ ብ ማሕበር ኩዑሶ እግሪ ኤውሮፓ ተኣታትዩ ዘሎ ሓዲሽ ግጥም ናሽናል ሊግ ብ 5 ግዜ ኮኾብ ዓለምና ዝኾነ ክርስትያኖ ሮናልዶ እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ፖርትጋል ኣብ ሃገሩ ንዝተኻየደ ውድድር ተዓዊቱሉ። እዚ ሓያል ግጥም ዝተራእየሉ ጸወታ እታ ተሪር ምኽልኻል ብ ቫንዳይችን ማትያክ ደሊኽን ክትዕወተሉ እያ ዝብሃል ዝነብረ ጸወታ ብ ጉደዝ ኣብ መበል 60 ደቒቕ ዘመዝገባ ሸቶ ክትስዓር ኪኢላ። …

Read More »

ብኾዋኽብቲ ዝተኽተኸት ፈረንሳ ብቱርኪ ትስዓር!!

ንመጻረይ ዋንጫ ኤውሮጳ 2020 ንምሕላፍ  ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ኦኣበይቲ ጋንታታት ኢጣልያ፣ በልጂም፣ ጀርመን ኣብ ልዕሊ መጋጥምተን ዓወት ክጛናጸፋ ከለዋ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም 2018 ዝኾነት ግን ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ግን ብኸዋኽብቲ ተጻወቲ ዓለም ኣብዝሓቐፈትሉ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብሃገራዊት ጋንታ ቱርኪ 2 ብ 0 ተሳዒራ። በዚ መሰረት መርሒነት ምድባ ኣረኪባ ናብ ዝቕጽል ውድድራት ተቓምት። ተንተንቲ ስፖርት ከምዝገልጽዎ ዘለዎ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ …

Read More »

ኦዚል ፕረዚደንት ቱርኪ ዓርኺ ርእሲ ብምግባር ስነ ስርዓት መርዓ ፈጺሙ!! ተጻዋታይ ኢንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናል ሞሲት ኦዚል ፕረዝደንት መበቆል ሃገሩ ዝኾነት ቱርኪ ዓርኪ ርእሲ ኮይኑ ኣብ ዝተረኸበሉ ስነ ስርዓት መርዕኡ ፈጺሙ። ኦዚል ዘግነት ሃገረ ጀርመን ዘለዎ ኮይኑ ን ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ወኺሉ ብዝሕ ዝበለ ጸወታታት ብምክያድ ተዓዋታ ዋንጫ ዓለም ክኸውን ዝኽኣለ ኣዩ። እንተኾነ ኦዚል ምስ ፕረዚደንት ጠይብ ኦደጋን ኮይኑ ብምስኣሉ ተሪር …

Read More »

ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ምስ ወርቃዊት ብጫ ቦኽሪ ሽቶኡ ኣቁጺሩ!!

ትማሊ ምሸት ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ን መጻሪዪ ዋንጫ ኤውሮጳ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ማልታ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ድሕሪ ዕረፍቲ ተቐይሩ ብምእታው ኣብ መበል 81 ደቒቕ ዘመዝገባ ሸቶ ን ሃገራዊት ጋንትኡ ሳልሰይቲ ን ባዕሉ ድማ ቦኽሪ ሸቶ ኮይና ተመዝጊባትሉ። ኣዚ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ኣብዚ እዋን ኣብ ጽቡቕ ቖመና ስለዝርከብ ኮይኑ ሽወደን ዝመጽእ ሶኑይ ምስ ስጳኛ ዝህልዋ ጸወታ …

Read More »

ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ን ኢንግሊዝ 3 ብ 1 ብምስዓር ናብ ፍጻሜ ኤውረጳ ናሽናል ሊግ ሓሊፋ!!

ብ ቫንዳይች ዝተመርሔ ስጡም ምክልካል ምስ ዝተወሃሃደ መስመር ምጥቃዕቲ ዝወነነት ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ን ብመንእሰያት እትቕለስ ዘላ ሃገራዉት ጋንታ ኢንግሊዝ 3 ብ 1 ብምስዓር ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፖርትጋል ን ፍጻሜ ሰንበት ክትራኸብ እያ። ብመንገዲ አጹም ቅላዕ ካብ ማርኮስ ራሽፎርድ  ቅድሚ ዕረፍቲ  ዝሓዘት ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ፡ ምክልኻላ ተኻላኸልታ ብተደጋጋሚ ብዝፈጸሞ ጌጋታት ሃገራዊ ጋንታ ሆላንድ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ካብቲ ውልዶን የዕንቲ ዓበይቲ …

Read More »

ኣጥቅዓይ ፍራንክፈርት ሉካ ጆቪች ናብ ማድሪድ ኣምሪሑ!!

ሎሚ ዓመት ኣብ ሕማቕ ቆመና ኮይና ውድድራ ዝወደአት ስጳኛዊት ርያል ማድሪድ፡ ንሉካ ጆቪች ካብ ጀርመናዊት ኢንትራኸት ፍራንክፈረት ከም ዘፈረመቶ ተገሊጹ። ዋላ’ኳ ብወግዒ ኣይገለጽ ርያል ማድሪድ ነዚ ተጻዋታይ ብ62 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዘፈረመቶ’ዩ ጋዜጣታታት ስጳኛ ዝሕብራ ዘለዋ። መጠን ገንዘብ መስርሕ ምስግጋር ናይዚ ኣጥቃዓይ ብኽልቲአን ጋንታታት ብምስጢር ክተሓዝ’የን ተሰማሚዐን ዘለዋ። ጆቪች ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግጥም ዩሮፕያን ሊግ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com