Sunday , May 5 2024

ኩነታት ኣየር

ዝመጽእ ዓርቢ በረድ ከምዝህሉ ሜትሮሎጂ ሽወደን ይትንበ።

ብመስረት ክፍሊ ትንበያ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ዝሑል ኩነታት ኣየር ክህሉን ኣብ መብዛሕቱኡ ክፍል ሽወደን ድማ በረድ ዝዓበለሎ ዝሑል ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ይግምት። እዚ ክፍሊ ወሲኹ ብስነኪ ማይን በረድን ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ኣብ ሰሜናዊ ክፍላ እዛ ሃገር ደቡባዊ ክፋል ኣዝዩ ከምዝተሃሰየን ብምግላጽ ከባብታት ስቶኮልምን ዮተበርን ግን ብፍሉይ ካብ ካልእ ከባብታት ብዙሕ ዘይኮነ በረድን ማይ ከምዝህሉ ገሊጾም። በዚ መሰረት …

Read More »

ሽወደናዊት ግሬታ ተንበርግ ብባይቶ ኣከባቢ ኖርዲክ ዘቕረበላ ገንዘባዊ ሽልማት ነጺጋቶ።

ጓል 16 ሽወደናዊት ተጣባቒት ለውጢ ክለማ ሬታ ተንበርግ ካብ ኣከባቢ ኖርዲክ ን ኣበርክቶ ኣፍልጦ ንመሃብ ዝቐረበላ ናይ 40 ሽሕ ፓውንድ ወይ 500 ሽሕ ክሮነር ሽልማትን ገንዘብን ኣይቕበልን ኢላ። “ፖለቲከኛታትን ኣብ ስልጣን ዘለው ሰባትን፡ ንሳይንስ” ቆላሕታ ክገብሩ ይግባእ ዝበለት፡ እታ ጓል 16 ዓመት ስዊድናዊት፡ እቲ ሽልማት “ዓብዪ ክብሪ’ዩ” ክትብል ድሕሪ ምግላጻ፡ ንባይቶ ኖርዲክ ዘለዋ ምስጋና ገሊጻ። ንሳ፡ ነቲ ሽልማት ክትነጽጎ ዝደረኻ …

Read More »

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 22 ጥቅምቲ 2019

Read More »

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዛሕሊ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ክኢላታት ይእምቱ!!

ጸብጻባት ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ከምዝሕብርዎ ውርጪ ዝተሓወሶ ዝሑል ኩነታት ኣየር ካብ እምባታት ዝዓብለሎም ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ናብ ዝበዝሑ ማእከላይን ደቡባውን ክፋል’ታ ሃገር ከም ዝነፍሱ ይሕብሩ። ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት ኣብ ከባቢ Norrbotten ዝርከብ Jukkasjarvi ዝበሃል ቦታ ናይ 14 ሴሜ ውርጪ ከም ዝተኣከበ ጸብጻብ’ቲ ማእከል ብተወሳኺ ሓቢሩ። ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ነቲ ብሰንበት ምሸት ዝተራእየ ምኹማር ናይ ውርጪ ከም ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ናይቲ …

Read More »

ኩነታት ኣየር ቀውዒ ሽወደን ብ ከቢድ ዝናብን ንፈስን ዝተሰነየ ምዃኑ ይሕበር።

ብ መሰረት ሓቤሬታ ማእከል ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን SMHI ኩነታት ኣየር ቀውዒ ኣብ ሽወደን ብ ፍላይ ኣብ ሰመናዊ ክፍል ብ ከቢድ ዝናብን ንፋስን ኣብ በረኽቲ ጎቦታት ድማ በረድ  ከምዝጀመረ ሓቢሩ። ኣብ ገለ ከባቢታት 15 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝበጽሕ ኩነታት ኣየር እዃ እንተሃለወ ዝበዝሕ ክፋል ሰሜንን ገለ ማእከላይ ክፋል ሽወደን ከቢድ ዝናብ ከምዘሎን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ድማ ሓያል ንፋስ ክነፍስ ብሙዃኑ ኣብ መዳይ …

Read More »

ክፍሊ ሜትሮሎጂ ሽወደን ዝናብ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህሉ ምኻኑ ይሕብር!!

ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ሽወደን ብ ከቢድ ዝናብ ዝተሰነየ ኩነታት ኣየር ክህሉ ሙኻኑ ይእምት። ሓላፊ ማእከል ትንበያ ኩነታት ኣየር ሄንሪ ክራመር ኣብ ዝሓበሮ ኩነታት ኣየር ናይ ክረምቲ ከም ዝተወድኤን ብተዛማዲ ዙሑል ኣየር ብ ዝናብ ዝተሰነየ ኣብ መላእ ሃገር  ከምዝህሉ ክገልጽ ከሎ ኣብ ገለ ከባብታት ግን ጸሓይ ከምዝህሉ  እዚ በዓል ሞያ ወሲኩ ይህብር። ሎሚ ሓሙስ ጸቕጢ …

Read More »

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 20 ነሓሰ 2019

Read More »

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 12 ነሓሰ 2019

Read More »

ወርሒ ሓምለ 2019 ኣብ ዓለም እታ ዝወዓየት ዓመት ተባሂላ።

ክኢላታት ዓለማዊ ክሊማ ሓምለ 2019 ኣብ ዓለም እታ ዝወዓየት ወርሒ ምንባራ ምምልካቶም ዋሺንግተን ፖስት ዝተባህለ ህቡብ ጋዜጣ ጸብጺቡ። እታ ጋዜጣ ካብ ሕታማት ኤጀንሲ ኮፐርኒከስ ከምኡውን ምልዋጥ ክሊማ ኣውሮጳዊ ሕብረት ተወኪሳ እያ ነዚ ጸብጻብ ዘዳለወት። እቲ ኤጀንሲ ኣሃዛት መሰረት ብምግባር ወርሒ ሓምለ እታ ዝወዓይርት ወርሒ ምንባራ ብዓርቢ ኣፍሊጡ’ሎ። “ብሃገራዊን ኣህጒራውን ደረጃ ሓድሽ ክብረወሰን ረስኒ ተመዝጊቡ’ሎ” ኽብል ጸሓፊ WMO ሓቢሩ’ሎ።፡ ኣብ ገሊኡ …

Read More »

ሙቐት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ን ዝያዳ መዓልታት ክቕጽል ብሙዃኑ ዝይዳ ጥንቃቐ ከምዘድሊ ተሓቢሩ!!

ኣብ ሽወደን ማዕበል ሙቐት ንዝያዳ መዓልታት ክቕጽልን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ተኽእሎ ባርዕ ክኽሰት ዝለስኽእል ዝይዳ ጥንቃቐ ክግበር ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን የተሓሳስብ። ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ብዙሓት ምምሕዳራት ሽወደን ን ዝቕጽላ መዓልታት ሃሩር ክህሉ እዩ ክብል ተነብዩ’ሎ። ኣብ ሃርየዳለን (Härjedalen) እትርከብ ልዩስነዳል (Ljusnedal) ሙቐት ክሳብ 29.4 ዲግሪ ሸልሰስ ምብጽሑ፡ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፋ 93 ዓመታት ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ መጠን ሙቐት እዩ ክብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com