Sunday , May 5 2024

ኩነታት ኣየር

ሽወደን ኣብ ዒራቕ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይላ ንግዚኡ ከተደስክሎ ምውሳና ተገሊጹ።

ኣመሪካ ንኢራናዊ ኣዛዚ ሰራዊት ቃስም ሱሌይማኒ ዕላማ ዝገብረ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ጥቓ ከተማ ባቕዳድ ድሕሪ ምክያዳ እዩ እዚ ውሳነ ሽወደን ዝመጽእ ዘሎ። “ብምኽንያት ህሉው ኲነታት ኣብቲ ቦታ ክንሰርሕ ኣይንደልን ኢና” ክትብል በዓልቶ መዚ ሓበሬታ ሓይልታት ሽወደን ክሪስቲና ስዋን ሓቢራ’ላ። ኣብ መዓስከር ኣመሪካ ዒራቕ 70 ዝኾኑ ወተሃደራት ሽወደን ነቊጦም ከም ዝርከቡ ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ብርቱዕ ንፋስ ዝተሓወሶ መሸንቦባን ክህሉ እዩ ተባሂሉ።

ብመስረት ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን እምባታት ላፕላንድ ብርቱዕ ውርጭን መሸንቦባን ክህሉ እዩ ብምባል ካልኣይ ደረጃ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ብመሰረት ሜትሮሎጂ መጠን ናህሪ ንፋስ ኣብ መንጐ 15 ን 20ን ሜትሮ ንኻልኢት እዩ ክኸውን። ብዘይካዚ ኣብ ግዜያት ለይቲ ብርቱዕ ውርጪ ነዚ ንፋስ ከሰንዮ እዩ ክብል እቲ መግለጺ ኣብሪሁ’ሎ። ብሰንኪ ኣብ ደቡባዊ እምባታት ላፕላንድ ዝኽሰት ብርቱዕ ውርጭን መሸንቦባን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዩምታላንድ፥ …

Read More »

መወዳእታ መዓልታ 2019 ጸሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ ተሓቢሩ።

ብመሰረት ትንበያ ክፍሊ ሜትሪሎጂ ሽወደን ኣብዚ መወዳእታ መዓልታት ናይዛ ዓመት ጽሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህልውን ካብ ባዶ ሴንቲግሬድ ንላዕሊ ዝዓቐኑ ሙቀት ክህሉ ይግመት ። በዚ መሰረት ኣብ ከባቢ ሰሜን ሽወደን ዝሑል ኩነታት ኣየር ከምእውን ማእከላይ ዛሕሊ ዘሎዎ ኣብ ደቢባዊ ክፍለ ሽወደን ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ከምዝህሉ እዚ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ወሲኹ ይሕብር። ብተወሳኺ ኣብዚ መጽእ ዘሎ ሰሙን ኣብ መላእ ሽወደን ብፍላይ …

Read More »

ዝነውሐት ጸልማት ናይዚ ዓመት ምሕላፋን እንዳ በርሄ ከምዝኸይድን ጸሓይ ምምላሳን ተገሊጹ።

ብ መሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሰንበት ንግሆ ሰዓት 5፡19 ጸሓይ ብወገን ሰሜናዊ ንፍቀ-ኽቢ ትሕት ኢላ ተራእያ። ድሕሪ ጸሓይ ዘይጠፍኣትሉ ወርሒ ሕዳር እታ ሃገር ብዘገመታን ርግጸኝነትን ናብ ብርህ ዝበለ ወቕቲ ትኣቱላ። መዓልታት ንውሕ ዝበለ እኳ እንተኾነ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ እታ ሃገር ዝነብሩ ሽወደናውያን ገለ ገጽ ጸሓይ ክርእዩ ክሳብ ባሕቲ ጥሪ ምጽባይ ከድልዮም እዩ። ኣብ ፈለማ እታ ጸሓይ ብዘገምታ እያ ክትምለስ፥ መዓልቲ …

Read More »

ብ ብረድ ዝተሰነየ ቅነ በዓል ልደት ወይ ጻዕዳ ክሪስማስ ኣይህሉን እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዕለተ ክሪስማስ ውርጪ ዝህልወሉ ዕድል ንእሽቶ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን እዚ ዝወሓደ ክኸውን እዩ። ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ከባቢ ስኮነ ብዓሰርተ ዲግሪ ሴልሴስ ውዕይ ዝበለ ግዜ ክህሉ እዩ ክብል ማእከለ ምርምር ኲነታት ኣየር SMHI ሓቢሩ’ሎ። ኣብ መላእ ሽወደን እውን ከይተረፈ ገለ ዋዒ ክህሉ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ። ኣብ ሰሜን ግና ውርጪ ክህሉ ከምዝህሉ ትጽቢት ይግበረሉ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኪሩና ትሕቲ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ኲነታት ኣየር ወርሒ ታሕሳስ ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ሙቐት ከምዝተርእየ ተገሊጹ።

ካርታታት ሜትሮሎጂ ከም ዘርእይዎ ኣብ መላእ ሽወደን ዝህሉ ኲነታት ኣየር ካብቲ ንቡር ልዕል ዝበለ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብሓሙሽተ ዲግሪ ዝልዕል ሙቐት ከም እተመዝገበ ተመልኪቱ’ሎ። ኣብ ማእከላይን ደቡብን ክፋል እታ ሃገር ካብ 2 ክሳብ 3 ዲግሪ ወሰኽ ሙቐት ምርኣዮም እውን ተፈሊጡ። እዚ ኣካል ናይቲ ምልውዋጥ ክሊማ ምዃኑ ሓጋይ እቲ ኣዝዩ ዝተጸልወ ወቕቲ ምዃኑን እቲ ትካል ኣመልኪቱ’ሎ። ካርታ …

Read More »

ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚሩ ኣብ ገለ ክፋል ሽወደን በረድ ክወርድ ሙዃኑ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ይሕበር።

በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ሎሚ ኣብዝሃቦ ሓበሬታ ካብ ሎሚ ኣማሲኡ በረድ ክህሉ ሙዃኑን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝኸየድ ሓደጋታት ከምዝህሉን ሰባት ዝያዳ ጥንቓቐ ክገብሩ ይመክር። ብመስረት ሓበሬታ እዚ በዓል መዚ ካብ ሎሚ ምሸት ስጋብ ጽባሕ ቀዳም ካብ 10 ስጋብ 15 ሰ.ሜ ክበጽሕ ዝኽእል በርድ ኣብ ከባቢታት ጃፍለቡሪ፣ዳላርናን ቫርምላንድን ቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ ከምዝህሉ ወሲኹ ይገልጽ። ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ዳላርናን ቫርምላንድን ናይ ምንሽርታት ሓደጋ …

Read More »

በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ንዝህሉ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ በረድ የጠንቕቕን ስባት ኩነታት ርእዮም ክንቀሳቀሱን ይሕብር።

በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን  ብዛዕባ ኣብዘን ዝስዕባ መዓልታ ዝኽሰት ዝክእል በረድ  ቀዳማይ ደርጃ ኢሉ ዝሰርዖ ቦታታት ብምንጻር ምንሽርታት ከጋጥም ስለ ዝኽእል  ሰባት ኣብ ጉዕዝኦም ዝያዳ ጥንቓቐ ክገብሩ ምኽሩ ለጊሱ። በዚ መሰረት በዓልመዚ ትራንስፖርት ሽወደን ንዝያዳ ውሕስነት ሰባት ኣብ ገዝኦም ተጸንሑ ተመራጺ እዩ ይብል ብምውሳኽ። ሎሚ ሓሙስን ዓርብ  በረድ ካብ ዝርኣየሎም ቦታታት ምስራቓዊ ክፋል ኖርላንድ ስቨላንድ ከምእውን ገላ ክፋል ጎትላንድ ኮይኑ …

Read More »

ጽባሕ መዓልቲ ምስጋና እዩ ንሙኻኑ ናይ ምስጋና መዓልቲ thanksgiving day መዓስን ስለምንታይን ይኽበር?

ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ምስጋና መዓልቲ thanksgiving day ከም ዓቢ በዓልዩ ዝበዓል። መበቆሉ ድማ ካብ ምብዓል ቀውዒዩ (celebration of the annual harvest)።ይኩንዳምበር መብዛሕቶም ደቀባት ኢንዲያንስ ነታ መዓልቲ ከም ናይ ሓዘን መዓልቲ ይሰምይዋ ምክንያቱ ምክባር እታ በ ዓል ምስ ምግባት መሬቶምን ምሽርሻር ባህሎምን ሰለዘተሓሕዝዎ። እዛ በዓል ኣብ ራብዓይ ሓሙስ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ትክብር። ንመጀመርታ ጊዜ ክትበዓል ዝወሰነ ድማ ፕረሲደንት ኣብራሃም ሊንኮንዩ። ኣብ …

Read More »

ኣብዚ ወርሒ ሕዳር ኣብ መላእ ሽወደን ተኸሲቱ ዘሎ ጸልማት ዘይልሙድ ሙኻኑ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ይገልጾ።

ኣብዚ ወርሒ ሕዳር ከምንዕዘቦ ዘለና ኣብ መላእ ሽወደን ኣብ ክንዲ ጸሓይ ዝርኣየሉ  ኣዝዩ ጸልማት እዩ ዘሎ እዚ ድማ ዘይንቡር ዝተከስተ ሙኻኑን በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ይሕበር። ኣብ መላእ ሽወደን ኣብዚ ወርሒ ንውሑድ ሰዓታት ትራይ ጸሓይ ከምዝነበረትን እቲ ዝወሓደ ድማ ኣብ ከባቢ ቬክስዮ (Växjö) ን ሰለስተ ሰዓታት ጥራይ ከምዝነበረን እዚ ድማ ሓድሽ ክስተት ምኻኑ ኪኢላ  እዚ ዓውዲ ሄንሪክ ሬይመር ይገልጽ። በዚ ምሰረት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com