Sunday , April 28 2024

ኩነታት ኣየር

ሰኑይ ምሸት ንሰማይ ምንቅዕራር ኣይትረስዑ።

ኲነታት ኣየር እንተፈቒዱ ደም እትመስል ክንዲ ዓውዲ ትኸውን ወርሒ ክትርእዩ ኢኹም። መዘኻኸሪ፥ እቲ ንምርኣዩ ዘገርም ምሉእ ምግራድ ወርሒ ኣብ 2029 እዩ ከጋጥም ተባሂሉ ተቐሚሩ’ሎ። ወጋሕታ ሰኑይ ምሉእ ምግራድ ወርሒ ከጋጥም እዩ። ምልእቲ ወርሒ ብመሬት ምሉእ ብምሉእ ክትጋረድ እያ። እዛ ወርሒ ከምተን ካልእ ግዜ እንርእየን ዘይኮነ ክንዲ ዓውዲ እትኽወን ገዛፍ ወርሒ ኣያ ክትከውን። ናይዚ ዓመት ጠፈራዊ ክስተታት ክከታተሉ ንዝደልዩ ማእከል ሳየንስ …

Read More »

ፖሊስ ኣብ ጎደናታት ዝያዳ ሓደጋ ከይክሰት መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም።

ሓደጋ ትራፊክ ብፍላይ ኣብ E4 ስቶክሆልምን Ostergotlandን Sormalandን ምስ ምውሳኹ ፖሊስ ኣብ ጎደናታት ዝያዳ ሓደጋ ከይክሰት መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፎም። ኣፈኛ ፖሊስ” ብጣዕሚ ዘፍርህ እዩ። ዘወርቲ መካይን ኣብ መንጐ መካይን እኹል ጋግ ምህላዉ ክቈጻጸሩን ፍጥነት ከጒድሉን ይግባእ ኢሉ። እቲ ኣፈኛ ወሲኹ እቲ ሓደጋ ፈቖዱኡ ይኽሰት ብምህላዉ ፖሊስ ንኹሉ ክበጽሑ ሽግር ኮይንዎም ኣሎ ኢሉ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ሰሜን Vasterbotten ከምኡ’ው ክፋላት Norbotten …

Read More »

መብርሂ ደረጃታት መጠንቀቕታ ካብ ሜትሮሎጂ ስዊድን

መጠንቀቕታ ደረጃ ሓደ….. ብጫ መጠንቀቕታ ሕማቕ ኲነታት ኣየር። ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት ኣየር ኣብ ህዝቢን ገለ ማሕበራዊ ንጥፈታይን ስግኣት ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ። መጠንቀቕታ ደረጃ ክልተ….ኣራንሾኒ መጠንቀቕታ ሕማቕ ኲነታት ኣየር እዚ ምዕባለ ኣብ ህዝቢ ሓደጋ ከብጽሕ ዕብይ ዝበለ ንዋታዊ ዕንወትን ምትእጒጓል ኣገዳሲ ማሕበራዊ ንጥፈትን ከኽስት ይኽእል እዩ። ህዝቢ ሓድሽ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ክረክብ ይዕደም። መጠንቀቕታ ደረጃ ሰለስተ….ቀይሕ መጠንቀቕታ …

Read More »

መጠንቀቕታ ካብ ማእከል ሜትሮሎጂ ስዊድን

ብመሰረት ሓበሬታ ማእከል ሜትሮሎጂ ማዕበል ውርጪ ኣብ ስቶክሆልምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ክወድቕ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ዝቕጽላ ሰዓታት 25 ሴንቲሜትር ዝርጒዱ ውርጪ ኣብ ዞባታት ኣፕሳላ ስቶክሆልምን ያቭለቦሪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ካኣ ካልኣይ ደረጃ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ’ሎ። እቲ ማእከል ኣቐዲሙ ኣብ ዳላርና ኦሬቦን ፋርምላንድን ውርጪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ቀዳማይ ክላስ መጠንቀቕታ ድሮ ኣመሓላሊፉ እዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ቅድሚ ቊሩብ መዓልታት ማዕበል ኣልቨንዳ ብምኽሳታ …

Read More »

መጠንቀቕታ ካብ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ስዊድን

ካብ ፈለማ ሰዓታት ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ዝበዝሑ ክፋላት ሽወደን ብርቱዕ ማዕበል ከጋጥም ምዃኑ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ስዊድን ኤስ.ኤም.ኤች.ኣይ (SMHI) ንኻልኣይ ግዜኡ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ። ሰባት ካብ ዝወድቁ ኣግራብ ክጥንቀቑ ኣድለይቲ ነገራት ኣብ ጓሮ ከይገድፉን ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ብሰንኪ ዝመጽእ ማዕበል ትራፊክ ባቡር ኣዝዩ ክጽሎ ምዃኑ’ውን ተነብዩ”ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ብሰንኪ’ቲ ትማል ኣብ ስቶክሆልም እተኸስተ ብርቱዕ ህቦብላ 100000 ኣባይቲ ስቶክሆልምን ካልኦት ዓበይቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com