Monday , April 29 2024

ኩነታት ኣየር

ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ናብ ተቐማጦ Hässleholm ምምሕዳር ከተማ ደቡባዊ Skåne ቀልጢፎም ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ኣመሓላሊፉ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ Åbuamossen  ኣብ መንጐ ጎደና ምዕራብ 1940 ከምኡ’ውን ጎደና ሰሜን 1941 እሳት ብምልዓሉ እዩ።፡ ብሬድዮን ተሌቪዥንን ካላ መራኸቢ ብዙሃንን እተመሓላለፈ መልእኽቲ ከም ዘነጽሮ ፖሊስ ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ብኣግኡ ክግዕዙ ንምግባር ተጊሆም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ብመሰረት እቲ ጻውዒት ሰባት ብቕጽበት ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳልይዎ ዘሎ ኣብ Hästveda ዝርከብ Hantverksgården ክኸዱ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 19 ሚያዚያ 2019

Read More »

“ስጋ ንምጥባስ ክትወጹ እንተደሊኹም ጥንቃቐ ግበሩ” ክትብል Toura Thomasdotter ገሊጻ።

ኣብ እዋን በዓል ፋስጋ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት እዛ ሃገር ምስዋር ሓዊ መሮር ክህሉ ከም ዝኽእል ብምጥቃስ ሰባት ብዛዕባ ናይ ግዳም ናውቲ መጥበሲ ስጋ ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲባ። “ስጋ ንምጥባስ ክትወጹ እንተደሊኹም ጥንቃቐ ግበሩ” ክትብል ክኢላ ክሊማ Toura Thomasdotter ገሊጻ’ላ። ኣብ ገበላኹም ወይ ኣብ ጽርግያ እንተገበርኩሞ ይሓይሽ ኢላ። እቲ ዝሓለፈ ጽድያ ነቒጹ ዝነበረ ሳዕሪ መሊሱ ደሪቑ ምህላዉ ኸኣ ወሲኻ ገሊጻ።

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 29 መጋቢት 2019

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 26 መጋቢት 2019

Read More »

ብተዛማዲ ብርቱዕ ዝበሃል ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ሰሜናዊ Hagfors ኣጋጢሙ።

ሰሉስ ንግሆ ሰዓት 7:16 ካብ Hagfors 34 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቦታ ኣጋጢሙ። ብመሰረት ማእከል ሴስሚክ ሽወደን ዓቐን እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 3.2 ሬክተር ስኬይል ኮይኑ ተመዝጊቡ’ሎ። መብዛሕትኦም ተቐማጦ Värmland ነዚ ምስምዖም ድማ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ኣፕሳላ ዩኒቨርሲቲ ክኢላ ምንቅጥቃጥ ምድሪ Boron Lund እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብደረጃ ሽወደን ብተዛማዲ ብርትዕ ዝበለ ክበሃል ዝከኣል እዩ። ኣብ ሽወደን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሳሕቲ ጥራይ እዩ ዘጋጥም። …

Read More »

ነበርቲ ሁስቢ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ።

ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ሁስቢ ንኽሰርሖ ሓሲብዎ ዘሎ መንበሪ ገዛውቲ ብምቅዋም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ሰባት ሎሚ መዓልቲ ሰንበት 24 ማርች 2019 ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ። Foto: Christy Chamy እቶም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝገልጽዎ እዚ ገዛውቲ ንምስራሕ ብዙሕ ኣግራብ ክበርስ ስለዝኾነ እዚ ኸኣ ነቲ ከባቢ ሃሳይ እዩ ብዝብል ምኽንያት ከምዝተቃወምዎ ሓቢሮም። ኣብ ሁስቢ ዝርከቡ ነበርትን ማሕበራትን ብሓባር ዝጸውዕዎ ሰላማዊ ሰልፊ …

Read More »

ሰማይ ኣብ ስቶክሆልምን ካላኦት ከባቢታትን ጽድያዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

ን 24 ሰዓታት ንባእከላይ ሙቐት ንሾብዓተ መዓልታት ክቕጽል ምዃኑ ድማ እዩ” ጽድያዊ ሰማይ” ከስምዮ ተኻኢሉ ዘሎ። ኣብ Gotland ከምኡውን ገለ ከባቢታት Svialand ኣብ ሰዓታት ንግሆ ሙቐት ክሳብ 10 ዲግሪ ሴልሴስ ክበጽሕ እዩ። እዚ ይኹን’ምበር እዚ ጽድያዊ ኲነታት ኣየር ናብ ሰሜናዊ ጫፋት እታ ሃገር ከም ዘይበጽሕን ኣብ ሰሜናዊ Norland ሎሚ ውርጪ ክወድቕ እዩ ዝብል ትጽቢታት ምህላዉን ተገሊጹ።

Read More »

ሽወደን ኣብ ጉዳይ ብከላ ብርቱዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከም ዘድልያ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ሽወደን ምውጻእ በካሊ ጋዝ ኣብ 2045 ናብ ዜሮ ከተውርዶ እንተኾይና ብርቱዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ከም ዘድልያ ካብ ኣገልግሎት ምዕቃብ ኣከባቢ ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ባይቶ ሽወደን ክሊማዊ ፖለቲካዊ ቅጥዕታት ምቕባሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ኣረርባዕተ ዓመት ንባይቶ ውጥን ስራሕ ከቕርብ ግዴታ ኣለዎ። ሎሚ ዓመት ድማ ካብተን ኣዚ ውጥን ዕማም ዝቐርበለን እያ። ዝሓለፈ ዓርቢ ክኢላ በዓልመዚ ኣገልግሎት ዕቀባ ኣከባቢ እዚ ውጥን እንታይ ከጠቓልል ከም …

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 2019 03 18

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com