Saturday , May 4 2024

ዜና

“ሽወደናዊ ዜጋ ኣብ ኢራን ተኣሲሩ” ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ

ሓደ ሽወደናዊ ዜጋ ኣብ ኢራን ከም እተኣስረ ተሓቢሩ። ኣገልግሎት ፕረስ ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኢራን ከም እተኣስረ ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣብ ሽወደን ምስ ዝርከቡ ኣዝማዱ ከምኡ’ውን ኣብ ጤህራን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር በዚ ጒዳይ ከም እተራኸበ ብኢመይል ሓቢሩ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ማእከላይ ሽወደን …

Read More »

ኣጠቓላሊ ግዴታ ምክልኻል' ኣካል ሲቪካዊ ምህሮ ክኸውን ጻውዒት ቀሪቡ

መንግስቲ ን ግዴታ ጠቕላላ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዝተመሓየሸ ሲቪካዊ ዝንባለ ኮርስ ክእትዎ ድሌት ከም ዘለዎ ተሓቢሩ። ሚኒስተር ስራሕን ምውህሃድን ዮሃን ፐርሾን፡ ኩሎም ነበርቲ ሽወደን ኣካል ናይቲ ጠቕላላ ምክልኻል እታ ሃገር ናይ ምዃን ግዴታ ስለዘለዎም፡ ኣብቲ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደን ዝወሃብ ትምህርቲ ሲቪክስ እዚ ክኣቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ይዛረብ። ኣጠቓላሊ ምክልኻል ሽወደን ንኹሉ እቲ ሃገር ንኲናት ድሉው ንምግባር ዘድሊ ንጥፈታት ንምግላጽ ኣብ …

Read More »

በረድን መሸንባቦን ኣብ ትራፊክ ጸገም ዘስዕብ

ብርቱዕ በረድን ብርቱዕ ንፋስን ኣብ ገለ ከባቢታት ማእከላይን ደቡብን ሽወደን ምዝንባዕ ትራፊክ የስዕብ ኣሎ። ሃገራዊ ማእከል ሜትሮሎጂ (SMHI) ኣብ ዮትላንድ ዝተራእየ ብርቱዕ በረድን መሸንቦባን ዝምልከት ሓያሎ መጠንቀቕታታት ኩነታት ኣየር ኣውጺኡ’ሎ። ካብን ናብን ደሴታት ባልቲክ ዝብገሳ ጀላቡ ንዝተረፈ ሰዓታት እዛ መዓልቲ ተሰሪዘን ኣለዋ።

Read More »

ንብርቱዕ ኲነታት ኣየር ዝምልከት ህዝባዊ መጠንቀቕታ ኣይተላእከን ተባሂሉ

ዝሓለፈ ሰሙን ዋላኳ ከቢድ መጠንቀቕታ ኩነታት ኣየር እንተወጸ፡ ነቲ ኣብ ስካን ኣብ ሞተር ዌይ E-22 ኲለን ተሽከርከርቲ ደው ክብላ ብምቕሳብ ገዚፍ ዕልቕልቕ ትራፊክ ዝፈጠረ ብርቱዕ በረድን ንፋስን ብዝምልከት፡ ኣገዳሲ ህዝባዊ መተሓሳሰቢ ኣይተላእከን ዝብል ወቐሳ ቀሪቡ። ብምኽንያት እቲ ኲነታት ኣየር ገለ መራሕቲ መካይን ክሳብ ዕስራ ሰዓታት ኣብ መካይኖም ተዓጽዮም ክጸንሑ ተገዲዶም እዮም። ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ብዛዕባ እዚ ኲነታት ኣየር ዘድሊ ሓበሬታ …

Read More »

ኣብ ጎደናታት ሽወደን ከይዝወራ እተኣገዳ ዘገልገላ መካይን ኣብ ናይጀርያ ይሽየጣ

ኣብ ጽርግያታት ሽወደን ከይዝወራ እተኣገዳ አገልገላ መካይን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብታ ሃገር ወጺአን ኣብ ናይጀርያ ብኽቡር ዋጋ ናብ ዕዳጋ ከምዝቐርባ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን አካየደቶ ዳህሳሳዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ። እተን መካይን ዝሽየጣሉ ዘለዋ ኣገባብ መብዛሕትኡ ግዜ ዓሎቕ ዝመልኦ ምዃኑ — ኣብ ፋልኮፒንግ ካብ ዝርከብ ጆርገን ቤንግትሰን ቫን ዝገዝአ ሰብ ድማ ቅያር ዋንነት ኣመዝጊቡ ከም ዘይፈልጥ ሬድዮ ሽወደን ኣጣሊላ’ላ። “እዚ ምትላል እምበር ካልእ …

Read More »

ኡፕሳላን ኪሩናን ንርእሰ ከተማነት ባህሊ ኤውሮጳ ክወዳደራ

ሽወደንን ፖላንድን ኣብ 2029 ሓንቲ ርእሰ ከተማ ባህሊ ኤውሮጳ ከአንግዳ እየን። ኣብ ሽወደን ክልተ ከተማታት ማለት ኣብ ማእከላይ ሽወደን እትርከብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላን፡ ካብ ዓንኬል ኣርክቲክ ልዕል ኢላ እትርከብ ከተማ ኪሩናን ነዚ ክብሪ መን ዝያዳ ትበቅዕ ኣብ ውድድር ይርከባ ኣለዋ። ኣካያዲ ፕሮጀክት ምምሕዳር ኡፕሳላ ፓትሪክ ኪራሊ ከተማኡ ናይ ገዛእ ርእሳ መንነት ንምድላይ ኣብ ጻዕሪ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጽ “ን ፓሪስ ወይ ሮማ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን፡ “ኣብ ባቕዳድ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣብ ሽወደን ንዝፍጠር ጎነጽ ጉጅለታት ክጸልዎ እዩ”

ኣብ ባቕዳድ ዝተፈጸመ ቅትለት ሽወደናዊ መራሒ ጉጅለ ገበን ኣብ ሽወደን ኣብ ዝፍጸም ጎነጽ ጕጅለታት ጽልዋ ክህልዎ እዩ ክብል ፖሊስ ሽወደን ሓቢሩ። ምስዚ ቅትለት ብተኣሳሰር፥ ኣብኢ ኣብ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ዝተፈጸመ ቅትለት ኢድ ከምዘለዎምን ዝጥርጠሩ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሽወደናውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ተፈሊጡ። እቲ ቪድዮ ቅትለት ብኢንተርነት ይዝርጋሕ፡ ምስኡ ድማ ናይ ምፍርራሕ መልእኽቲ ይመሓላለፍ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ዝቕባበ ልዑል ኔሩ

ዋጋታት ሃለኽቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብ 2.9% ከምዝወሰኸን፡ እዚ ድማ ነቲ ብ 20 ሃገራት ዝቖመ ገንዘባዊ ሕብረት ን 13 ኣዋርሕ ከም ዝዝሕል ዝገበረ ዝቕባበ ምዝዛሙ ዝሕብር ምዃኑ ዩሮስታት ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መባእታዊ መረዳእታ ኣመልኪቱ። ኣብ ፊንላንድ ዝቕባበ ዋጋታት 1.5% ከምዝበጽሐ እቲ መረዳእታ ይሕብር። ስሎቫክያን ኦስትርያን ብ 6.6 ክምኡ’ውን 5.7% ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣርእየን ኣለዋ። ብኣንጻሩ ኣብ ቤልጅየምን ኢጣልያን ዝቕባበ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ኣንጻር ግብረሽበራ ሓድሽ ስትራተጂ ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ሽወደን ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ዋዕላ ጸጥታ ፎልክ ኦች ፎርስቫር ኣንጻር ግብረሽበራን ጥሩፋት ጒጅለታትን ሓድሽ ስትራተጂ ኣቕሪቡ። ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝፍጸም ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣታት እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ፡ ንምክልኻል ሽወደን ሓላፍነት ዝተዋህቦም ሰበስልጣን መንግስቲ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተላዕለ ህሉው ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ፡ ንዝተወሰነ እዋን ከም ዘይተቐየረ ክጸንሕ ተኽእሎታት ምህላዉ ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ሓቢሩ’ሎ።

Read More »

ሽቕለት ኣልቦነትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 72,500 ሰባት ስራሕ ክስእኑ ከምዝኽእሉ ምልክታ ተዋሂብዎም ምንባሩ እዚ ድማ ነተን ዓመታት ለበዳ ኣውጺእካ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት እተራእየ ዝለዓለ ቁጽሪ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ባእታታት ክሃሲ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ህዝባዊ ስራሕ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com