Saturday , May 4 2024

ቁጠባ

ማላዊ፡ ዕንባባታት ብባጤራ’ታ ሃገር ንዝጠቕለሉ ዜጋታት ኣሲራ።

ፖሊስ ማላዊ ኣብ መዓልቲ ፍቚራት ዕታር ዕንባባታት ብገንዘብ ንዝጠቕለሉ ዜጋታታ ኣሲራ። ስእሊ ናይቶም ብ 2000 ክዋቻ (ባጤራ እታ ሃገር–2.60$) ዝተጠቕለሉ ዕታራት ዕንባባታት ኣብ ዋሳፕ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐባበሉሎም ቢቢሲ ሓቢሩ። በዓልመዚ መርመራ ማእከላይ ባንክ ማላዊ፡ ኢማኑኤል ማላሳ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኮነ ኢልካ ገንዘብ ንምርኻስ መጠቕለል ዕንባባ ዝገበሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው መርመራ ኣካዪድና ኢና ኢሉ። ባንክ እታ ሃገር ኣቐድም …

Read More »

Harmony Media News 17/02/2021

Read More »

ውድብ ንግድ ዓለም ንመጀመርታ ግዜኡ ኣፍሪቃዊትን ጓለንስተይይን መራሒት እቲ ውድብ ክትከውን መሪጹ

ወከልቲ 164 ሃገራትን ኣባላትን ውድብ ንግድ ዓለም ብሰኑይ ን 66 ዝዕድሜኣ ናይጀርያዊት ክኢላ ስነቚጠባ ንጎዚ-ኤዌላ ዳይረክተር ጀነራል እቲ ውድብ ክትከውን ምምራጾም ተገሊጹ። ኦኮንጆ-ኤዌላ ብሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ ዜናዊ ዋዕላ ስራሕ ንምጅማር ተሃንጥያ ምህላዋን ነቲ ውድብ ምስ ጠለባት 21 ክ/ዘመን ብዝሰማማዕ ኣገባብ ክትጽግኖ ድሌት ከም ዘለዋን ገሊጻ ክብል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ንሳ–“ከም ኣፍሪቃዊትን ጓለንስተይቲን መጠን ኣባይ ኣሕዲርኲሞ ዘለዂም እምነት ኣዝየ እየ ዘማስወሉ። …

Read More »

ኣብ 2020 ቁጠባ ጃፓን ብሰንኪ ኮሮና ብ 4% ኣንቈልቊሉ

ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት 2020 ቊጠባ ጃፓን ዕቤት እኳ እንተርኣየ ምስቲ ወሪድዋ ዝጸንሐ ከቢድ ሃስያ ስለ ዘይወዳደር ካብ ኣሉታዊ ዕቤት ከድሕና ከም ዘይከኣለ ቢቢሲ ሓቢሩ። ምስ ዓመተ 2019 ብምውድዳር ካብ ወርሓት ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቊጠባ ጃፓን ብ 3% ዕቤት ከም ዘርኣየ እንተኾነ ግና ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረን 5.3% ዕቤት ዝተራእየሉን ርብዒ ዓመት እንክወዳደር ገዚፍ ምንቊልቋል ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ …

Read More »

Harmony Media News 15-02-2021

Read More »

8.5 ቢልዮን ክሮነር ንምምሕዳራትን ምምሕዳር ከተማታትን

ምምሕዳራትን ምምሕዳር ከተማታትን ሽወደን፡ ጸረ ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ዘውጽአኦ ወጻኢታት ንምሕዋይ፡ ብውሕስነት መንግስቲ፡ ካብ በዓል መዚ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ሽወደን፡ ናይ 8.5 ቢልዮን ክሮነር ሓገዝ ክረኽባ ምዃነን ተገሊጹ። እዚ ማለት ድማ፡ ኩለን ምምሕዳራትን ምምሕዳራት ከተማታት ሽወደን፡ ንኹሉ ዘጽደቐኦ ወጻኢታተን፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዘሕወያ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ሽወደን፡ ተመራማሪት ዝኾነት ሊንዳ ኤልድስትራንድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ በዓል መዚ ገሊጻ። ብመሰረት መግለጺ …

Read More »

Harmony Media News 12-02-2021

Read More »

ዜና መጽሔት. 11 ለካቲት 2021

Read More »

ቁጽሪ ናይቶም ንነዊሕ እዋን ካብ ስራሕ ደው ዝበሉ ሰባት፡ ጥርዙ በጺሑ ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2021 ዝወጸ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ከምዝሕብሮ፡ ኣስታት 179 ሽሕ ሰባት ንልዕሊ 12 ኣዋርሕ ብዘይስራሕ ከምዘለዉን እዚ ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ25 ሽሕ ወሲኹ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ታሪኽ ሽወደን፡ ዝለዓለ ንዝነወሐ እዋን ብዘይ ስራሕ ዝጸንሑ ብዝሒ ቁጽሪ ሰባት ከምዝኾነ ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። ጠቕላላ ድምር ናይቶም ብዘይ ስራሕ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ 460 …

Read More »

Harmony Media News 10-02-2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com