Saturday , May 4 2024

ቁጠባ

ኤሌክትሮኒካዊ ናውቲ ክሽነ፡ ሓደገኛ ባእታ ክህልዎም ይኽእል እዩ ተባሂሉ

13% ካብቶም ሕሱር ዝዋግኦም ኤሌክትሮኒካዊ ናውቲ ክሽነን ካብ ዘይተፈልጡ ኩባንያታት ዝዕደጉ መዳወርን (cables)፡ ከም ዓረር (lead)ን ሕንጻይ ክሎሪን (chlorine paraffins) ዝኣመሰሉ ሓደገኛ ባእታታት ከም ዘለዎም ሽወደናዊ ኬሚካላዊ ኤጄንሲ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ 263 ዝኾኑ ከም በዓል ናይ ክሽነ ሚዛን (kitchen scales)፡ መኸሸኒ እንቋቅሖ (egg cookers) መጥበስን (toasters) ዝኣመሰሉ  ፍርያታት ከምተኻየደን ከምውጽኢቱ ድማ ኣብ 33 ፍርያታት፡ ንሰብን …

Read More »

ማዕረነት መስል ምርጫ ዝተረጋገጸሉ ንምዝካር፡ ኣብ ቴምብር ሰፊሩ

ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ንመጀመርያ ግዜ ድምጸን ክህባ መሰል ዝረኸባሉ ናይ 1921 ምርጫ፡ ሎሚ መበል 100 ዓመቱ የብዕል ኣሎ። ፖስትኖድ፡ ነቲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ብሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝተበገሰ ምንቅስቓስ መስል ምርጫ ንምዝካር፡ ሓድሽ ቴምብር ከምዝዘርገሐ ሓቢሩ። እቲ ቴምብር፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ምንቅስቓስ መሰል ምርጫ ዘካይዳ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ዘርኢ ስእሊ ዝሓዘ ምዃኑ፡ ፖስትኖርድ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ቴምብር፡ ካብ …

Read More »

ሓድሽ ሜላ፡ ነተን ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝሓሸ ዕድላት ስራሕ ይፈጥር

ልዕሊ 1300 ዝኾና፡ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብመንገዲ ኣርቤትስፎርሜድሊን ዘተኣታተዎ ሓድሽ መወዳደሪ ሜላ፡ ስራሕ ክረኽባ ከምዝኸኣላ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ሓበሬታ ተተ ኣቃሊሑ። መብዛሕትአን እዘን ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዳ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ውልቃዊ ታሪኽ ናይ ስራሕ ተሞክሮአንን ትምህርተንን (CV) ጥርሑ እዩ ዝጸንሕ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ካብኣተን ድማ፡ ወግዓዊ ዘይኮነ ግን ድማ ብቕዓት ዘለወን ኮይነን ከምዝተረኽባ እቲ …

Read More »

Harmony Media News 05-03-2021

Read More »

ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ብብዝሒ ከፍሪ ይምድብ

ኩባንያ መካይን ቮልክስዋገን፡ ንመጠን ብዝሒ ብኤሌክትሪክ ናይ ዝሰርሓ መካይን ኣመልኪቱ፡ ኣብ ዓመተ 2030፡ ክሳብ 35% ከፍሪ መዲብዎ ዝነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ 70% ክብ ከምዘበሎ ሓቢሩ። ብኣክሰለረይት (Accelerate) ዝፍለጥ ሓዲሽ ስትራተጂ ብምጅማር፡ ናብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ዝግበር መስርሕ ምስግጋር ከቀላጥፎ ወሲኑ ኣሎ። ኩባንያ ቮልክስዋገን፡ ንፍርያቱ፡ ኣብ ዓመተ 2025፡ ናብ ናይ ኤሌክትሪክ መካይን ንምስግጋር፡ ሃይብሪድን ዲጂታላውያን ንምግባረን ናይ 162 ቢልዮን ክሮና …

Read More »

Harmony Media News 03-03-2021

Read More »

ጀርመን፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ይውስኽ

ኣብ ወርሒ የካቲት 2021፡ ኣብ ጀርመን፡ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ክሳብ 2.7 ሚልዮን ምብጽሑ እዚ ቁጽሪ ድማ ካብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ብ 9 ሽሕ ከምዝወሰኸ ጀርመናዊ በዓል መዚ ስታትስቲክስ ሓቢሩ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ክሳብ 6% ምብጽሑ እቲ በዓል መዚ ብምውሳኽ ገሊጹ። ካብ ወርሒ ሰነ 2020፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ንፈለማ ግዜ ክልዕል ከምተራእየ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ኣብ ወርሒ የካቲት፡ …

Read More »

Harmony Media News 01-03-2021

Read More »

ሳርኮዚ፡ ንማእሰርቲ ተፈሪዱ

ካብ ዓመተ 2007 ክሳብ 2012  ፕረዚደንት ሃገረ ፈረንሳ፡ ዝነበረ ወዲ 66 ዓመት ኒኮላስ ሳርኮዚ፡ ብጉዳይ ብልሽውና፡ ብቤት ፍርዲ ፓሪስ፡ ንሰለስተ ዓመታት ማእሰርትን ንክልተ ዓመታት ድማ ትዕዝብትን (probation) ከምዝተፈርደ ተፈሊጡ። ሳርኮዚ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ቤተንኮርት (Bettencourt case) ዝምልከት ካብ ሓደ ዳኛ ሓበሬታ  ንምርካብ ብምሕታቱን ዓስቢ ናይቲ ዝገብሮ ድማ ኣብ ዓመተ 2014 ኣብ ሞናኮ ተሃራፊ ስራሕ ከውሕሰሉ ምዃኑ ተመባጺዑ ምንባሩ ይፍለጥ። ንሱ፡ ኣብ …

Read More »

ሶማልያ፡ ናይ “ሞባይል ማኒ” ኣገልግሎት ክትህብ እያ

ሰብ መዚ ሶማልያ፡ ኣብታ ሃገር ናይ መጀመርታ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ስሩዕ ኣገልግሎት “ሞባይል ማኒ” ምሃብ ምጅማሮም ዝሓለፈ ቐዳም ኣፍሊጦም። እዚ ድማ ነቲ ብሰፊሑ፡ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ዲጂታላዊ ክፍሊት፡ ስርዓት ንምትሓዝ ክውዕል እዩ ተባሂሉ። ማእከላይ ባንክ ሶማልያ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴለኮምኒኬሽን ዝኾነ፡ ሖርሙድ ተሌኮም፡ ፍቓድ ንግድ ከም ዝሃቦን እዚ ድማ ካብ 3 ሚልዮን ክሳብ 3.6 …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com