Monday , May 13 2024

ዜና

“ኣብ መንጎ ሽወደንን ኣሜሪካን እተበጽሐ ስምምዕ ምክልኻል ከም ፕላን B ክረአ ኣይግባእ” ሓደ ክኢላ

ኣብ መንጎ ሽወደንን ኣመሪካን ዝተኸተመ ሓድሽ ስምምዕ ምትሕግጋዝ ምክልኻል ወይ ዲሲኤ፡ ሽወደን ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ንኔቶ ብስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ኣገዳሲት ‘መሻርኽቲ’ ምዃና ዘረጋግጽ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ላዕለዋይ መምህር ጃኮብ ዌስትበርግ እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ስምምዕ ከም ፕላን ቢ (B)፡ ወይ ድማ ኣብ ክንዲ ኣባልነት ኔቶ ካልኣይ ዝበለጸ ምርጫ ተጌሩ ክረአ የብሉን ይብል። እንታይ ደኣ፡ ኣካል ናይቲ …

Read More »

ሕብረት ኤውሮጳ ንመሰል ዜጋታት ንምሕላው ኣብ ዓለም ፈላማይ ሕጊ ብዛዕባ AI ክወጽእ ይደሊ

ሕብረት ኤውሮጳ ብፍላይ ከም ቻትጂፒቲ ዝኣመሰለ ጀነሬቲቭ ኤኣይ ብኸመይ ከም ዝከታተል ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣጸጋሚ ድርድር ስዒቡ፡ ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝቆጻጸር ስፍሕ ዝበለ ሕግታት ዝምልከት ስምምዕ ክሃርም ይጽዕር ኣሎ። ብራስለስ ግን እንታይ እያ ትደሊ? ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኩለመዳያዊ ሕጊ AI ንምጽዳቕ ይቀዳደም ኣሎ፡ እቲ ጉዳይ ዝሓለፈ ዓመት ቻትጂፒቲ ቦት ናብ መድረኽ ምስ ፈንጀረ፡ ምዕባለታት ኤኣይ ኣጉሊሑ፡ ዝያዳ ህጹጽነት ድሕሪ …

Read More »

ኣድማ ዝገብሩ መካኒካት ቴስላ ስራሕ ከይስእኑ ይሰግኡ

ክልተ ኣድማ ዝገበሩ መካኒካት ቴስላ ምስ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእል ይመስሎም ይብሉ። እቶም ኣድማ ዝገበሩ፡ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ፡ ውልቃዊ ኣቑሑት ካብ ስራሕ ቦታኦም ከውጽኡ ተሓቲቶም፡ እቶም መካኒካት ድማ ስርሖም ክስእኑ ከምዝኽእሉ ይጽበዩ ኣለዉ። ብሰሉስ እቲ ዝዓበየ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዴንማርክ 3F ናይ ምትሕግጋዝ ኣድማ ስጉምቲ ምልክታ ሂቡ።

Read More »

ሽወደናውያን ተማሃሮ ኣብ መጽናዕቲ ትምህርቲ ዓለም ብታሪኽ ሕማቕ ውጽኢት ይረኽቡ

ሽወደናውያን ተማሃሮ ኣብ ሒሳብን ምርዳእ ንባብን ዘለዎም ክእለት ብርቱዕ ቁልቁል ከም ዝወሰደ ዳሕረዋይ መጽናዕቲ ፒሳ ይሕብር። ካልኦት ሓያሎ ሃገራት’ውን ኣብ ውጽኢት ፒሳአን ምንቁልቋል ከምዘርኣየን፡ እዚ ድማ ሳዕቤን ለበዳ ኮቪድ-19 ከምዝኾነ ይግመት። “እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውጽኢት እቲ ዝኸፍአ ምንቁልቋል’ዩ፡ እዚ ማለት እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ገለ ዓይነት ግዳማዊ ስንባደ’ዩ” ይብል ላዕለዋይ ተንታኒ ናይቲ ብስኮልቨርከት ዝፍለጥ ሃገራዊ ትካል …

Read More »

ብPFAS ዝተበከለ ማይ ቧንቧ ዝሰተዩ ሰባት መሰል ዕንወት ይዕወቱ

ኣብ ካሊንገ፡ ብሌኪንገ ካውንቲ ኣብ ዝተበከለ ማይ ቧንቧ ንኬሚካላት PFAS ዝተቓልዑ ሰባት፡ ካሕሳ ክኽፈሉ መሰል ኣለዎም። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ነዚ ውሳነ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ሕጂ መጠን ዕንወት ንምውሳን ተወሳኺ መስርሕ ይጽበ ኣሎ።

Read More »

ብሚልዮናት ዝቑጸር ክሮነር ኣብ ፖሊስ ቁርኣን ንምንዳድ ተቓውሞታት ወጺኡ

ሳልዋን ሞሚካ ቅዳሓት ቁርኣን ዘቃጸለሉ ተቓውሞታት ንሓይሊ ፖሊስ ስቶክሆልም ብውሑዱ 3.7 ሚልዮን ክሮነር ከምዘኽፈሎ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢሩ። እቶም ወጻኢታት ምስቲ ፖሊስ ኣብ ተቓውሞታት ጸጥታ ንምርግጋጽ ዘሕለፍዎ ናይ ስራሕ ሰዓታት ዝተኣሳሰሩ እዮም። ፖሊስ፡ እዚ ተቓውሞታት ካልእ ወጻኢታት'ውን ከምዘስዓበ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብተዛማዲ ዓቃባዊ ግምት ዩ ይብል።

Read More »

ሽወደንን ኣሜሪካን ታሪኻዊ ስምምዕ ምክልኻል ተፈራሪመን

ሽወደንን ኣሜሪካን ታሪኻዊ ስምምዕ ምትሕብባር ምክልኻል ተፈራሪመን። ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ መላእ ሃገር ናብ ዝርከባ 17 ወተሃደራዊ መዓስከራት ክኣቱ ይኽእል። ሚኒስተር ምክልኻል ፓል ጆንሰን፡ እዚ ስምምዕ ምክልኻል፡ ሽወደን ኲናት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ካብ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትረክብ ዝዓበየ ዕድል ዝህብ እዩ ይብል።

Read More »

ፊንላንድ፥ ቋንቋ እንግሊዝ እግሪ ይተክል ምህላዉ ንብዙሓት የሻቕሎም

ብዙሓት ፊንላንዳውያን፡ እንግሊዝኛ ብዋጋ ቋንቋ ፊንላንድን ሽወደንን ዝሰፍሐ ቦታ ክረክብ እዩ ዝብል ፋዕራ ከም ዘይብሎም ብኦማ ኪየሊ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣስታት 85% ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ኩባንያታት ብቐንዱ ብቋንቋ ፊንላንድ ወይ ሽወደን ንተጠቀምቲ ከገልግላ ኣለወን ዝብል መግለጺ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ከምዝሰማምዑ ገሊጾም። ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ኣስታት 10% ጥራይ እዮም ምስቲ መግለጺ ዘይተሰማምዑ። እንግሊዝኛ እንኮ ቋንቋ ኣገልግሎታት …

Read More »

ንሰልፊ ደሞክራሲ ሽወደን ዝወሃብ ደገፍ ይውስኽ

ኣስታት ሓደ ካብ መረጽቲ ናይተን ሰለስተ መንግስታዊ ሰልፍታት (ሞደራላውያን፡ ሊበራላውያንን ክርስትያን ዲሞክራስያውያንን) ሰልፊ ዲሞክራሲ ሽወደን ኣካል ናይቲ መንግስቲ ክኾኑ ከም ዝደልዩ ተፈሊጡ። ነዚ ዝገለጸ ብ ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ ዳህሳስ እዩ። መረጽቲ ሰልፊ ክርስትያናዊ ዲሞክራሲ ብፍላይ ሰፊ ደሞክራትስ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ምህላዎም ብኣዎንታ ከም ዝርእይዎ ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

ስፖቲፋይ ወጻኢታት ንምንካይ 1500 ስራሕ ምቑራጹ

ኣገልግሎት ስትሪሚንግ ስፖቲፋይ ቊጽሪ ሰራሕተኛታቱ ብ 17% ይቕንስ ከምዘሎን እዚ ድማ ልዕሊ ሽሕ ሰባት ስራሕ ክስእኑ ክገብር ከም ከምዝኽእልን ተገሊጹ። መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ናይቲ ሽወደናዊ ኩባንያ ዳኒኤል ኤክ ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነቲ ስጉምቲ “ዓብዪ ለውጢ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ። “ሓቂ ንምዝራብ፡ ብዙሓት በላሕቲ፡ ንፉዓትን ጻዕራማትን ሰባት ክወጹና እዮም” ክብል ኤክ ኣብቲ ደብዳበኡ ገሊጹ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com