Sunday , April 28 2024

ኩርናዕ ጸሓፍቲ

መሰል ወዲ ሰብ።

ኣማኑኤል ሳህለ ንምዃኑ ወድሰብ፡ መሰል ዚብሃል ኣምር ካበይ ዘምጽኦ እዩ? ኣለዎ ድዩኸ? መን ዝሃቦ?ወድ ሰብ ብጥንቲ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ኪነብር ከሎን ነንሓድሕዱ ድማ ከም ኣራዊት ኪባላዕ ከሎን፡ እቲ ብሓይሉ ንኹሉ ዘሰነፈ ሰብ ወይ ጉጅለ እዩ መሰል ዚብሃል ኣምር ኪፈጥርን ኪግልገለሉን ዝኸኣለ። ናይ መን መሰል? ናይ ባዕሉ መሰል። እቲ ንነብሱ መሰል ዝሃባ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ መለኮታዊ ሓይሊ ስለ ዘሎኒ ማንም ከይትክፈኒ …

Read More »

ጠንቅን ሳዕቤንን (cause and effect)

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ፍጥረት፡ ኩሉ ነገራት እተተሓሓዘ፡ እተኣሳሰረ ወይ እተዛመደ እዩ። ንበይኑ ጠልጠል ኢሉ ዚነብር የሎን። ከምዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ፍጥረት እቲ ሓደ ነቲ ዘድልዮ ነገራት ካብቲ ሓደ እናተጸበየ (interdependence) ወይውን እናተጸላለወ (interaction) እዩ ዚነብር። ምስ ዝኾነ ይኹን ከይተኣሳሰረ ወይ ከይተዛመደ ንበይኑ ህላዌ ዘለዎ ሓይሊ ወይ ኩነት ግን ፍጹም (absolut) ይብሃል። ኣእምሮና ነቲ ምስ ህላወና ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘይብሉ ፍጹም ኪርድኦ …

Read More »

ዳህሳስ ገለ ክፋል ሙዚቃ ኤርትራ ኣብ ሬድዮ ሽወደን

ብመም Joሲ ወዲ ወርቀ ኔልደን P-2 ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ መንግስታውያን ዝኾና መደበራት ሬድዮ ሽወደን እያ።ኣብ ሙዚቃን ትምህርታ’ውን ጉዳያት ኣተኰራ ዝተፈላለዩ መደባት ድማ ተሳናድእ። እዛ ብ1955 ከም ዝተመስረተት ዝንገረላ መደበር ሬድዮ እዚ’ኣ፡ብዝተፈላለዩ ሃገራውያንን ውሁዳንን ዝዀኑ ቋንቋታት ማለት ስቨኒስካ፡ፍኒስካ፡ሳሚ፡ሮማኒ፡እንግሊዝ ከምኡ ድማ ብቋንቋታት ዓረብን ሶማልን መደባት ከምዘለዋ ይፍለጥ። እዛ ሬድዮ ካብ እተቅርቦም መደባታ፡ትማሊ ቀዳም ሚያዝያ 24 /2020 ንሓደ ስዓት ዝኣክል፡ኣብ’ቲ ብ “Folkmusiken i …

Read More »

ዘይተዛዘመ ጉዕዞ

ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም እቲ ቀደም ዝነበረ ሎሚ የለን፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንሄለን ክፈልጣ ከለኹ፡ በቲ ኣብ ትምህርቲ ዝነበራ መንፍዓትን፡ ንስድርኣን ፈለጥታን ብትህቦ ክብርን’ዩ፡ እንተ ሎሚ ግና ኣይግድንን። ኣብታ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምሰጋገሪ ዝጥቐሙላ ሃገረ ግሪኽ፡ ምስ ሄለን ጎፍ ንጎፍ ኣብ ሓደ ቤት መስተ ብኣጋጣሚ ምስ ተራኸብና፡ እታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝፈልጣ ሄለን፡ ኣብ ገለ ሸነኻ ተቀይራትኒ ከምዘላ ክረጋግጽ ግዜ …

Read More »

ህይወት ኣብ ጉዕዞ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

Read More »

ኮሮናቫይረስ ናይ ተፈጥሮ ግብረመልሲ

ሳድጉሩ እተባህለ ኣብ ዩትዩብ ዚነጥፍ ውሩይ ህንዳዊ ጉሩ ወይ ፈላስፋ፡ ንኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ፡ ”ንሱ እንታይ ዘይገበረ፡ ንሱ ዘይኮነ በዳልስ፡ ሰብ እዩ ምንባር ከሊኡዎ” ዝዓይነቱ መልሲ ሂቡ። በቲ መልሱ ብዙሓት ደስ ኣይበሎምን፡ ሳድጉሩ ግን ቀስ ኢሉ ከረድኦም ፈቲኑ።  ንኣብነት ኣንበጣ ንውሰድ። ኣንበጣ ብተፈጥሮኡ በይኑ ምግቡ ዚምእርር ሓሸራ እዩ። ግን ብገለ ሰብ ዘምጸኦ ይኹን ወይ ተፈጥሮ ዘምጽኦ ደርቂ፡ ነንሕድሕዱ ኪባላዕ ክሳዕ ዝደሊ ይጠሚ። …

Read More »

ዩኒቨርሳላዊ ንቕሓት 2ይ ክፋል

ዓለምና እቲ ዘድሊ ዓቕምን ንቕሓትን ደኣ ኣይነበራን እምበር፡ ካብ ጥንቲ ጀሚራስ ብደረጃ ቍሸት ይኹን ብደረጃ ዓዲ ወይ ብደረጃ ግዝኣታት ወይ ክልላት ግሎባላይዘሽን ወይ ዓውለማ ነይሩዋ ኢዩ። ንኣብነት፡  ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር፡ ዓለም ኪብሃል ከሎ፡ ነተን ንማእከላይ ባሕሪ ወይ ከኣ ንመዲተራነያን ባሕሪ ከቢበናኦ ዝነበራ ሃገራት (ከም እኒ እስጳኛ፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ግሪኽ፡ ቱርኪ፡ ጳለስጢንያ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ቱኒዝያ ከምኡውን ብመጠኑ ንህንድን ንፋርስን …

Read More »

ዩኒቨርሳላዊ ንቕሓት ቀዳማይ ክፋል

ሓንቲ ዓለም ብ ኣማኑኤል ሳህለ ወድሰብ ብጥንቲ ኣብ ዓለም ኪነብር ከሎ፡ ነታ ዝነብረላ ዝነበረ ንእሽቶ ቍሸት ከም ዓለም ገይሩ ይወስዳ ነበረ። ክንዮ​’ቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ደረት​-ትርኢት ድማ ካልእ መሬት ዘሎ ኣይመስሎን ነበረ። ብምሕላፍ ዘመናትን​ ብዕቤት​ ኣእምሮኡን​ ግን​ እታ​ ዓለሙ​ ካብታ​ ቍሸቱ​ ሓሊፋ​ ካልኦት​ ሃገራት​ ክትጥርንፍ​ ጀመረት።  ንሓደ ቘልዓ ከም ኣብነት ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። እቲ ህጻን፡ ወዲ ሰለስተ ወርሒ ኸሎ፡ ግዜኡ …

Read More »

ስዕረት ብናስሮቪች “ገሊኣቶም ስዕረታት ሓለፋ ዓወት ይምቅሩ” ሞንታኝ

ዓወትን ስረትን ክልተ ፊጺሞም ክዕረቑ ዘይክእሉን ኣንጻራውንን እዮም ዝመስሉና፡፡ ብዘይ እቲ ሓደ እቲ ካልእ ትርጒም ዝስእን ክሳብ ዝመስሉና መብዛሕትኡ እዋን ከም ክልተ ገጻት ናይ ሓደ ሳንቲም ኮይኖም እዮም ዝቐርቡ፡፡ ኩልሳዕ ከምኡ እዩ ማለት ግና ኣይኮነን፡፡ ከምቲ ተዓዋቲ ዘይብሉ ስዕረት ዘሎ ፤ ብዓወት ዝዛዘም ስዕረት ከኣ ኣሎ እዩ፡፡ ዓወትን ውድቀትን ከም ሌጣ ጻዕዳን ጸሊምን ጌርና ክንርዳኣ እንተ ፈቲንና ህይወትና ከም ላቦራቶሪ …

Read More »

ዓምዲ ሓንቲ ዓለም “ኣንበሳ”

ኣንበሳ ንጉስ እንስሳታት ኢዩ ይብሃል። ስለምንታይ ኢዩ ንጉስ እንስሳታት ተባሂሉ ኺጽዋዕ ዝኸኣለ? 1 ካብ ኩሎም እንስሳታት ዝሓየለ ስለ ዝኾነ። 2 ከም ንጉስ ኵሩዕ ስለ ዝኾነ። ኣንበሳ ዳርጋ ምስ ኩሎም እንስሳታት ተቃሊሱ የሕምቖም ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ንዘራፍን ንሓርማዝን እውን ይገጥመለን ኢዩ። ግንከ፡ ኵሩዕ ስለ ዝኾነ፡ ባዕሉ ኣይሃድንን። ናብቲ ኣንስቶት ሃዲነን ዘምጽኣሉ ጠለበዱ ወይ ኣድጊ- በረኻ ከይዱ ኮፍ ኢሉ ኢዩ ዚበልዕ። ንሱ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com