Monday , May 6 2024

ኩርናዕ ጸሓፍቲ

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቀኛ ዛንታ ካልኣይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“ብፍላይ ናይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ኣታ ዝገርም’ኳ እዩ፡ እንድዒ ወደይ! እናኽተስምዖ ዝመርር ዛንታ’ዩ፡ ኣይክኣልኩን—፡” ንብዓታ ዛረየ፡ ከቢድ ዛንታ ክትነግረኒ ምዃና ግልጺ ኮነለይ፡ ግና ክትዛረብ ዓቕሚ ስኣነት፡ ነታ ዝጠቐሰታ ዕለት ዳግማይ ደገመትለይ። “ብፍላይ ዕለት 17 መስከረም 2019 ኣይትኣምነንን ትኸውን፡ በቓ ሕጂ ክገልጸልካ ኣይክእልን’የ ግዜ ሃበኒ—፡” ሕጂ’ውን ዓቅሚ ስኢና ምስ ውሓዚ ንብዓታ ተነኽነኸት። ኣነ’ውን ኣባቢደ ነቲ ዝቕጽል ኣደንጻዊ ዝበለቶ …

Read More »

ነዊሕ ጉዕዞ ሓቐኛ ዛንታ ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

እቲ ቀደም ዝነበረ ሎሚ የለን፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ንሄለን ክፈልጣ ከለኹ፡ በቲ ኣብ ትምህርቲ ዝነበራ መንፍዓትን፡ ንስድርኣን ፈለጥታን ብትህቦ ክብርን’ዩ፡ እንተ ሎሚ ግና ኣይግድንን። ኣብታ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምሰጋገሪ ዝጥቐሙላ ሃገረ ግሪኽ፡ ምስ ሄለን ጎፍ ንጎፍ ኣብ ሓደ ቤት መስተ ብኣጋጣሚ ምስ ተራኸብና፡ እታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝፈልጣ ሄለን፡ ኣብ ገለ ሸነኻ ተቀይራትኒ ከምዘላ ክረጋግጽ ግዜ ኣይወሰደለይን፡ እንተውሓደ ቤት መስተ …

Read More »

ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ቁ. 3, ስዕረት

Read More »

ዝብኢ ኣብ ባህሊ ኤርትራ ብኣማኑኤል ሳህለ

ንብላዕ እንተ በልኩም ንብላዕ ንኺድ እንተ በልኩም ድማ ንብላዕ። ዝብኢ እዩ ከምኡ በሃሊ። በላዒ፡ ሃርጓም፡ ስሱዕ ምዃኑ ንምሕባር እዩ ከምዚ ዓይነት ቅጽላት እተዋህቦ። ሓደ ተዋዛያይ ከም ዝበሎ’ውን ዝብኢ ማክሮፖሊሲ እንተ ዚህሉዎ ነይሩ፡ ራኢኡ ምግቢ ምኾነ ነይሩ። ግን ብሓቂ ዝብኢ ክሳዕ ክንድዚ ስሱዕ ዲዩ? ብሓቂ ስሱዕ እንተ ዚኸውን ነይሩ ደኣ ዚብላዕ ኪረክብ ከሎ እንጉይ ኢሉ ንኣሕዋቱ ምጸወዐዶ? ኣይምጸወዐን። ስሱዕ’ዶ ሓቢርካ ምብላዕ …

Read More »

ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ቁ. 2

Read More »

ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ብናስሮቪች

Read More »

መሓዙተይ!

ሓቀኛ ዛንታ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ካልኣይን መወዳእታን ክፋም “ከምዚ ከዕልለካ ዝጸናሕኩ እዩ። ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት’የ ነይረ፡ ዳሕራይ ግን ኣንፈተይ ጠፊኡ፣ ኩሉ ተሓዋዊሱኒ…” ናብ ድሕሪት ተመሊሳ ብትካዘ ኣዕለበጠት። “እንታይ ዝበለ ዕንቅፋት ድዩ ኣጋጢሙኪ?” ንኣስታት ክልተ ሰዓት ልባ ኣውዲቓ፡ ብርግኣት ከተዕልለኒ ከም ዘይጸንሐት ሃንደበት ኣብ ዓሚቕ ምስቁርቋር ምእታዋ፡ እቲ ንኹሉ ዝጸውር ሞራላ ተተንኪፉ ከይከውን ሰጋእኩ። “ኣብ ካልኣይ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ …

Read More »

መሓዙተይ!

ሓቀኛ ዛንታ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ቀዳማይ ክፋል “ትምህርቲ፡ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ምንቅስቓስ ደቂ-ሰብ ብዘጋጥም ተሞኲሮ’ዩ ዝፍጠር፡” ብምባል’ያ ዕላላ ጀሚራትለይ። ደጋጊመ ካብ ምዕዛብ – ገና ኣብ ፈለማ 20ታት ከም ዘላ ክግምት ክኢለ። እቲ ወዝ ከም ዝነበሮ ዝምስክር ገጻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ወገኑ ማዳ ዘሪኡ ብምንባሩ፣ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ኣሰካፊ ጸገም ከም ዘጋጠማ፡ ምስ’ቲ ተኣሳሲሩ ተጨቢጡ ዝነበረ ኣካላ ብምውህሃድ ክድምድም ተደናደንኩ። ብመገዲ ወዲ ኣሃዱየይ እየ …

Read More »

ምትእትታው ማኪና ኣብ ኤርትራ (ኣከባቢ 1930ታት)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ቀደም ናይ ቅጥራን ጽርግያ ኣይነበረን። ማርሻበዲ’ውን ኣይነበረን። ሳላ ማኪና ግን ኩሉ በብሓደ መጺኡ። ካብ ዓዲ ጥልያን ዝመጻ መኻይን በቲ ጽርግያ ከሽኰንድዳ፡ ወዲ ዓዲ ከኣ በቲ ማርሻበዲ ኪጐዓዝ ተመዲቡሉ እዩ ነይሩ። እዛ ኣብ ሃገርና ብግዜ ጣልያን ዝኣተወት ኦቶናብለ እንብላ ዝነበርና ኣርባዕተ ጎማ ዝነበራ ተሽከርካሪት፡ ካብ እትፍጠር ኣስታት ሚእትን ሰላሳን ዓመታት እያ ገይራ። ኣብ ዓለም ካብቲ …

Read More »

ሃብቲመ ግና. . .

ሓቐኛ ዛንታ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ካልኣይን መወዳእታን ክፋል “ጓል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ 1986 እዩ ዝኸውን ዘሎ። ልዕሊ ዓቐን ሰሪሐ ክህብትም ጥራይ’ዩ ዝረኣየኒ ነይሩ። ንሱ እናሓሰብኩ’የ ድማ ተጓዒዘ” ኣኽመስመሰት። “እሞ ሰሊጡኪ’ዶ?” ፍሽኽታኣ ብምዕዛብ – ተዓዊታ’ያ ዝብል ግምት ኣሕደርኩ። “ኣብ ሱዳን’ሞ ዋላ ሓደ ክሰልጠኒ ኣይክኣለን። ኮፍ ኢልካ ትውዕል – ኮፍ ኢልካ ትሓድር’ዩ ነገሩ። ብዘይ ስራሕ ከባቢ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ተኸላቢተ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com