Monday , May 6 2024

ዜና

ማሕበር ወነንቲ መራኽብ ሽወደን ጸጥታዊ ስጉምትታት ክውሰድ ይጠልብ

ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት፡ ​“​ማሕበር ወነንቲ መራኽብ ሽወደን” ስጉምትታት ጸጥታ ክውሰድ ጸዊዑ። እዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝመላለሳ መራክብ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ኣብ የመን ብዝመደብሩን ብኢራን ብዝሕገዝን ዕጡቕ ሑቲ ብሓላፍነት ክኸስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሽወደንን ሕብረት ኣውሮጳን ነተን መራኽብ ሓለዋ ክገብራለን ኣለወን ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማሕበር ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ኩባንያታት ሽወደን ን …

Read More »

ሳራሞ፡ “ባይቶ ፊንላንድ ብዛዕባ ስምምዕ ፊንላንድን ኣመሪካን ብዕምቆት ክዛተ ኣለዎ”

ኣቦ መንበር ጉጅለ ባይቶ ጸጋማይ ኪዳን ጁሲ ሳራሞ፡ ነቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መንጎ ፊንላንድን ኣመሪካን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምትሕግጋዝ ምክልኻል (DCA) ግቡእ መስርሕ ባይቶ ጌሩ ክሓልፍ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ሳራሞ ንሄልሲንጊን ሳኖማት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓደ ወተሃደር ኣመሪካ ኣብ ፊንላንድ ገበን ኣብ ዝፈጽመሉ እዋን ስልጣን ምኽሳስን ምፍራድን ናብ ፊንላንድ ዝምለሰሉ ኩነታት ንምርግጋጽ እቲ ስምምዕ ብ ጠበቓታት ክትንተን ኣለዎ ክብል ከም ኣብነት …

Read More »

SBAB: “ዋጋ መነባብሮ ንስድራቤታት ይውስኽ ኣሎ”

ሓድሽ ኣሃዛት ባንክ SBAB ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ሽወደን ማእከላይ ዋጋ መነባብሮ ገዛ ዝውንኑ ስድራቤት ካብ 2021 ጀሚሩ ብ 100 ሽሕ ክሮና ወሲኹ’ሎ። ዋላ’ውን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዋጋታት ጸዓት፡ ነዳድን ናፍታን ከምኡ’ውን ክፍሊት ወለድ ንብረት ትሕጃ እንተወረደ፡ ንማእከላይ ስድራቤት ዝኸውን ወጻኢታት ኣብ ዝመጽእ ዓመት ገና ክውስኽ ምዃኑ እቲ ባንክ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ SBAB ክኢላ ስነ-ቑጠባ ሊንዳ ሃሰልቪክ ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ …

Read More »

ኣገልግሎት ፖስታ ሽወደን ፖስትኖርድ ናብ ዩክሬን ዝያዳ ፓኬጃት ክንክን ክረክብ ይጽበ።

ሽወደናውያን ካብ ምጅማር ምሉእ ወራር ሩስያ ኣትሒዞም ኣስታት 94 ሽሕ ፓኬጃት ክንክን ናብ ዩክሬን ሰዲዶም። ኣገልግሎት ፖስታ ሽወደን “ፖስትኖርድ” ነዞም ፓኬጃት ካብ ውልቀ ሰባት እናተቐበለ ብነጻ ክሰዶም ጸኒሑ እዩ። “ካብ ቊሪ ዝከላኸል ክዳን፡ ጓንቲ፡ ካልሲ፡ ውሽጣዊ ክዳን … እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዝዮም ዘድልዩ ነገራት እዮም” ይብል ኣካያዲ ህዝባዊ ጉዳያት ፖስትኖርድ ሄንሪክ ኢሺሃራ። ብኻልእ መዳይ ሽወደናውያን ክኢላታት ሃንደሳ ንዩክሬናውያን የሰልጥኑ’ለዉ። ኣብ …

Read More »

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብወሳኒ ድምጺ ኣብ ጋዛ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዑ።

ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወሳኒ ድምጺ ኣብ ጋዛ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዑ። እቲ ብፊንላንድ ሓዊሱ ብ153 ኣባል ሃገራት ዝድገፍ ውሳኔ፡ እቲ ተጻብኦታት ደው ክብል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነትን ብቕጽበትን ብሓማስ ዝተታሕዙ ጅሆታት ክፍትሑ፡ ከምኡ’ውን ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ሓለዋ ሲቪላት ክግበር ዝጠልብ እዩ። ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢን ኣባል ዴሳዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊን ፊንላንድን ኪሞ ኪልጁነን፣ ክብደት ናይቲ ኩነታትን …

Read More »

ሃገራት ካብ ባህርያዊ ነዳዲ ክረሓቓ ይሰማምዓ

ሚኒስተር ኣከባቢ ሽወደን ሮሚና ፑርሞክታሪ ነቲ መንግስታት ዓለም ካብ ባህርያዊ ነዳዲ ክርሕቑ ዝጽውዕ ውዕል ክሊማ ዱባይ ብሓጎስ ከም እትቕበሎ ንዚ ኣገዳሲ ውሳነ ብዝቐልጠፈ ኣብ ትግባረ ምውዓል ነቲ ኣብ 2050 ፈነወ በካሊ ጋዝ ናብ ዜሮ ምውራድ ዝብል ሸቶ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብፍላይ ማ ኣፍረይቲ ነዳዲ ዝኾና ሃገራት ኣካል እዚ ውዕል ምዃነን ነቲ ውዕል ዝያዳ ሓይሊ ዝህቦ እዩ …

Read More »

ህጻናት ንኻልኦት ቆልዑ ኣብ ጕጅለታት ይምልምሉ፣ ካብ ሓደ መዓልቲ ናብ ካልእ መዓልቲ

ህጻናት ብኻልኦት ህጻናት ኣብ ገበናዊ መርበባት ይምልመሉ ምህላዎም ተገሊጹ፡፡ እዞም ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ ህጻናት ኣብ ስልጣን ናይቲ መርበብ ንላኦሊ ንኽወጹ ብምባል ነዚ ይፍጽሙ ምህላዎም፡ ብብራ ዝፍለጥ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበን ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ሓቢሩ። “እቲ ምልመላ ኣዝዩ ቅልጡፍ እዩ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ናብቲ መርበብ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ” ትብል ኣና ጆንሰን ዝተባህለት ተመራማሪት “ብራ”። ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም …

Read More »

ተወከልቲ መንእሰያት፡ “‘ንሕናን ንሳቶምን’ ዝብል ስምዒት ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ እምነት የዳኽሞ’ሎ”

ወከልቲ ኤጀንሲታት መንግስቲ ትሕቲ ዕድመን ኮተቴን መንእሰያትን ናብ ጒጅለታት ገበን ከይጽንበሩ እንታይ ክግበር ይከኣል ብዝብል ጒዳይ ሎሚ ተጋቢኦም። “ምትሕብባር”ን “ስሙር ተግባርን” ዝብሉ ቃላት ኣብዚ ስቶክሆልም ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ምክልኻል ገበን መንእሰያት ቀንዲ ቴማታት ኮይኖም ውዒሎም ኣለዉ። ኣብ ዮተቦሪን ሄልሲንግበሪን ኣብ ትሕት ዝበለ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኲነታት ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዝዓበዩ ወከልቲ መንእሰያት ሳባድ መሓመድን ማሃድ ዓብደላሂን፡ ኣብ መንግስቲ ኣብ ዕዮ ምውሳን ዝነጥፉ …

Read More »

ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ እትሃንጾ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ተወሳኺ ድሕነታዊ ሽግር ይፈጥር

ሩስያ ኣብ ዞባ ኣብካዝያ ቀዋሚ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ዝሓሰበቶ ውጥን ኣመልኪቶም ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ክብሉ 50 ኣባላት ባይቶ ተቓወምቲ ጆርጅያ ንኣባላት ሃገራት ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን ብጥብቂ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ውጥን ክረምሊን፡ ነታ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትጽንበር ተስፋ እትገብር ከምኡ’ውን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ወደብ ናይ ምህናጽ መደብ ዘለዋ ጆርጅያ፡ ናብ ኲናት ሩስያን ዩክሬን ጎቲቱ ከእቱ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዓዒሉሎ። ን …

Read More »

መጥቃዕቲ ሳይበር ንስርዓተ ቤተክርስትያን ሽወደን ኣዛቢዑ።

ቅድሚ ዳርጋ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ስርዓተ IT ቤተ ክርስቲያን ሽወደን ዝተፈጸመ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ፡ ​​ሰፊሕ ክፋል ናይ ሰበኻታታ ብኢንተርነት ዝረኽብዎ ዝነበሩ ሓበሬታ ምትእጒጋሉ ተገሊጹ። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ሽወደን ናብ ብርዒ፣ ወረቐትን ቴሌፎንን ክምለሳ ተገዲደን እየን። ብዘይካዚ እቲ መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ስርዓተ መርዓ፣ ቀብሪን ጥምቀትን ድማ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ብምኽንያት እዚ ፍጻመ ስድራቤቶም ክቕበሩ ተዳልዮም ዝነበሩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com