Monday , May 6 2024

ዜና

ፊንላንድ፥ ኤሌክትሮኒካዊ ክፍሊት ኣዝዩ ህቡብ እኳ እንተኾነ ገለ ብድሆታት ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ፊንላንድ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ኤሌክትሮኒካዊ ክፍሊት ቦርሳን ማሕፉዳን ዝኣመሰሉ ያታውያን መትሓዝ ገንዘብ ሳሕቲ ጥራይ ዝረኣዩ ስርሓት እናኾኑ ይመጹ ምህላዎም “ሄልሲንጊን ሳኖማት” ጸብጺባ። ኣብ ቀረባ እዋን እተኻየደ ስታቲስቲክስ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 6% ዘይበዝሕ ህዝቢ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ጥረ ገንዘብ ይጥቀም ኣሎ። እዚ ምሉእ ብምሉእ ናብ ዝበሃል ደረጃ ዝኸይድ ዘሎ ዲጂታላይዜሽን ዕድጊ ግና ገለ ሓደጋታት ከም ዘለዎ ሓደ ክኢላ ባንክ ፊንላንድ የዘኻኽር። …

Read More »

ኖርወይ፥ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ‘ተቐባልነት ዘይብሉ’ እዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ዮናስ ጋህር ስቶር፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ዝሃቦ ነቐፌታ ኣጽንኦት ብምሃብ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ፍጹም ተቐባልነት የብሉን ክብል ወቒሱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ቓዛ ዝነበራ ሆስፒታላት ዓንየን እስራኤል ከኣ ዝበኣሰ ኣዕናዊ መጥቃዕቲታት ናብ ምግባር ትኸይድ ኣላ ክብል፡ ኣብ ድሮ በዓል ልደት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ “እስራኤል ኣብ ቓዛ ትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ንጽላት ክንክን …

Read More »

ጳጳስ ካቶሊክ ፍራንሲስ ብ ቓዛ ዝካየድ ህልቂት ኲናት ደው ክብል ጸዊዖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካኢት ቤተክርስትያን ኣብ Qዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብል፥ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ከኣ ነጻ ክልቀቑን ጸዊዖም። ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ወግዓዊ መልእኽቶም ኣብ መዓልቲ ልደት፡ ኣዝዩ ኣጨናቒ ሰብኣዊ ኩነታት  ቓዛ ዝያዳ ሓገዝ ክግበር ውን ጸዊዖም። ኲናት እስራኤልን ሓማስን ብ7 ጥቅምቲ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ዕጡቓት ሓማስ ንእስራኤል ኣጥቂዖም ኣስታት 1200 ሰባት ድሕሪ ምቕታል 240 ድማ ጅሆ ሒዞም እዮም። …

Read More »

ኖርወይ፥ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጻ

መንግስቲ ኖርወይ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ደው ንምባል ዝገበሮ ዘሎ ናይ መወዳእታ ፈተነ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ማእከላይ ምብራቕ፣ ሃገራት ኖርዲክን ቤነሉክስን ዝመጹ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ኦስሎ ኣአንጊዱ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤስፐን ባርት ኣይደ፡ ቀዋሚ ምቊራጽ ተኹሲ፡ ከምኡ’ውን ግርጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ብዘላቕነት ንምፍታሕ እማመ ክልተ ሃገራት ክድፍኣሉ ከም ዝግባእ ገሊጹ’ሎ። ኣይደ “ብዛዕባ ኲናት ቓዛ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ብዝሒ ህዝቢ ከተማ ሄልሲንኪ ብቕልጡፍ ይዓቢ’ሎ

ከተማ ሄልሲንኪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርገሐቶ ደሞግራፍያዊ ትንበያ፥ ብዝሒ ህዝቢ እታ ከተማ ኣብ መወዳእታ 2022 ካብ ዝነበሮ 664,028 ኣብ 2027 ናብ ልዕሊ 700,000 ኣብ 2040 ከኣ ናብ 720 ሽሕ ክዓቢ ትጽቢት ከም ዝግበር ገሊጻ። እቲ ትንበያ ኣብ 2060 ዝውዳእ ኮይኑ ርእሰ ከተማ ፊንላንድ ኣብቲ ዓመት ቊጽሪ ህዝቢ ሄልሲንኪ 906 ሽሕ ክበጽሕ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። ከተማ ኬልሲንኪ ኣብ 2024 ኣስታት 8,200 ሓደስቲ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ኣብ ውልቃዊ ኮድ መንነት ሓደስቲ ፊደላት ተተኣታቱ

“ኤጀንሲ ዲጂታላዊ ኣገልግሎትን ሓበሬታ ህዝብን ፊንላንድ” ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስርዓት ውልቃዊ ኮድ መንነት ሓደስቲ ፊደላት ብምትእትታው ኣብ መጻኢ ኣብ ጠቕሚ ክውዕሉ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጹ። እቲ ፊደል Y ዝሓዘ ፈላማይ ሓድሽ ኮድ መንነት ብ 19 ታሕሳስ 2023 ዝተዘርግሐ እዩ። እዚ እዋናዊ ሓበሬታ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብቲ ብሉይ ኣገባብ ንዝተወሰኑ ዕለታት ልደት ዝጸንሐ ድሩት ኮድ መንነት ምኽንያት ብምግባር ዝወጸ እዩ። …

Read More »

ንጉስ ጉስታፍ “ዓመተ 2023 ብብዙሕ መዳይ ጸልማት ዓመት ኮይና’ያ ትሓልፍ ዘላ”

ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታፍ መበል 16 ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስቶክሆልም ካብ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ስቶክሆልም ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘስምዖ ወግዓዊ መደረ፡ 2023 ንሸወደን ይዂን ሃገራት ወጻኢ ጸላም ዓመት እያ ኔራ ክብል ገሊጹ። “2023 ብብዙሕ መዳይ ጸልማት ዓመት’ያ ነይሩ። ኣብ ከተማ ብራስለስ ሕብርታት ሃገሮም ብዂርዓት ዝወደዩ ሽወደናውያን ናብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እናተጓዕዙ ተቐቲሎም። እዚ ዘስካሕክሕን ዝዂነንን ተግባር እዩ” ኢሉ’ሎ። …

Read More »

መንግስቲን ሰልፊ ደሞክራትናን “ባህላዊ ቀኖና” ሽወደን ንምፍጣር ይጽዕሩ

መንግስቲን ሰልፊ ደሞክራትናን ኣገዳሲ ክፋል ባህሊ ወይ ድማ ብሓፈሻ ን ህዝቢ ሽወደን ይውክል እዩ ዝበሃል “ባህላዊ ቀኖና ሽወደን” ንምፍጣር ዝካየድዎ ዘሎ ስራሕ ኣብዚ ሰሙን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ሰጊሩ’ሎ። ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ሚኒስተር ባህሊን ፓሪሳ ሊልጀስትራንድ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቶም ኣብ ባህላዊ ቀኖና ክኣትዉ ዝግበኦም ስርሓት ንምምራጽ ንዝተመዘዘት ክኢላታት ዝሓቖፈት ኮሚተ ዝተዋህበ መምርሒታት ኣቕሪባ። እዚ ቀኖና፥ ሕብረተሰብ ሽወደን …

Read More »

ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ ንኢማኑኤል ማክሮን ይነቕፍኦ

ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ን ተዋሳኣይ ጀራርድ ዲፓርድዮ ደጊፉ ብዝብል ካብ ሸነኽ ተጣበቕቲ መሰል ደቀንስትዮ ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶሎ። ፕረዚደንት ማክሮን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ዲፓርዲዮ ቀንዲ ሸቶ ሃደንቲ ከምኡውን “ሓበን ፈረንሳ ዝኾነ ዓቢ ተዋሳኣይ ምዃኑ፥ ፈረንሳ ንኡድ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ዜጋታታ እትህቦ ዝለዓለ ክብሪ ዝኾነ ሌጅዮን ኦፍ ኦነር ካብኡ ክስሓብ ከምዘይብሉ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ዲፓርዲዮ ብ13 ደቂ ኣንስትዮ ብጾታዊ መጥቃዕቲ …

Read More »

ኣብ ኖርሾፒንግ ወዲ 17 ዓመት ኮተቴ ብጥይት ተቐቲሉ

ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ኖርሾፒንግ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ወዲ 17 ዓመት ቆልዓ ሞይቱ። እቲ ኮተቴ ጥቓ ግሮሰሪን ቤት ትምህርቲ ህጻናትን ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ብጥይት ተሃሪሙ። ብዘይካዚ ዝሓለፈ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ሓደ ሰብኣይ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሓደ ጥርጡር ብፈተነ ቅትለት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com