Saturday , May 11 2024

ዜና

ሄልሲንኪ ኣብ ሓፈሻዊ ደረጃ ትምህርቲ ህዝባ ርኡይ ወሰኽ ብምርኣያ፡ ምሁር ዓቕሚ ሰብ ትስሕብ

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሄልሲንኪ ኣብ ሓፈሻዊ ደረጃ ትምህርቲ ህዝባ ርኡይ ወሰኽ ብምርኣያ፡ ልዑል መጠን ምሁር ዓቕሚ ሰብ ምስሓባ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር እዚ ኣንፈት ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት እታ ከተማ ተመሳሳሊ መጠን ዝርግሐ የብሉን ይበሃል ኣሎ። ካብ ቤት ጽሕፈት ከተማ ዝወጸ ሓድሽ ሕታም ከምዘመልክቶ፡ ዋላ’ኳ ነዚ ፍልልያት ንምጽብባብ ይስራሕ እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ዝለዓለን ዝወሓደን ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ከባቢታት ዘሎ ፍልልይ …

Read More »

ሽወደናዊት ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ንስምምዕ ጒዳይ ስደተኛታት ዘለዋ ደገፍ ትገልጽ

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሓድሽ ስምምዕ ጒዳይ ስደተኛታት ከም ዝሰማምዕ ገሊጹ። ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ እቲ ስምምዕ፡ ንሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ፍትሓዊ፡ ስሉጥን ዘላቕን መስርሕ ስደትን ዑቕባን ከም ዝፈጥር ብምግላጽ እዩ ምስቲ መትከላት ከም ዝሰማማዕ ገሊጹ ዘሎ። ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ሽወደናዊት ይልቫ ጆሃንሰን “እዚ ዓወትና እዩ” ክትብል ሓጎሳ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኣብ ሽወደን ገበነኛታት ጕጅለታት ገበን ዝነጥፋ ደቂ ኣንስትዮ 500 ይበጽሓ ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን ምስ ገበናዊ መርበባት ጕጅለታት ዝነጥፋ ኣስታት 500 ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ፖሊስ ሎሚ ኣብ ዝፈነዉኣኦ ሓበሬታ ገሊጾም። ኣስታት ርብዒ ካብዘን ደቀንስትዮ ኣብዞም መርበባት ጒጅለታት ገበን መሪሕ ተራ ከም ዘለወን እዩ ዝንገር። ሓንቲ ኣባል እዞም መርበባት ጒጅለታት ገበን ዝነበረት ጓለንስተይቲ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ፥ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ፖሊስ ክሃድማ ዝቐለለ ምዃኑ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኣብ ኖርሾፒንግ ወዲ 17 ዓመት ኮተቴ ብጥይት ተቐቲሉ

ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ኖርሾፒንግ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ወዲ 17 ዓመት ቆልዓ ሞይቱ። እቲ ኮተቴ ጥቓ ግሮሰሪን ቤት ትምህርቲ ህጻናትን ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ብጥይት ተሃሪሙ። ብዘይካዚ ዝሓለፈ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ሓደ ሰብኣይ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሓደ ጥርጡር ብፈተነ ቅትለት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ።

Read More »

ፈረንሳ፥ ሕጊ ኢሚግሬሽን ዘትርር ጽገናታት ትገብር

ፓርላማ ፈረንሳ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ፖለቲካዊ ክርክር ንፖሊሲ ኢሚግሬሽን ፈረንሳ ዘትርር ሕጊ ኣጽዲቑ። እቲ ዝተመሓየሸ እማመ ብኽልቲኡ ማእከላይ ሰልፊ ሕዳሰ ፕረዚደንት ኣማኑኤል ማክሮንን ብናይ ማሪን ለ ፐን ሕሉፍ የማናዊ ሃገራዊ ሰልፍን ደገፍ ረኺቡ’ሎ። እቲ ድምጺ ንሰልፊ ማክሮን ክኸፋፍፍሎ እንከሎ ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣውረሊን ሩሶ ድማ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ጸጋማውያን ውድባት፡ ማክሮን ንርሑቕ የማናውያን ሕድገታት ከምዝገበረ ብምልዓል ከሲሶም ኣለዉ። …

Read More »

ኖርወይ፥ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ቀይሕ ባሕሪ ተጸንቢራ

መንግስቲ ኖርወይ ብቕድሚ ትማል ሰኑይ ኣብ ልዕሊ ተወሳኺት መርከብ ኖርወይ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምብጽሑ ፡ መኮንናት ሓይሊ ባሕሪ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ክልእኽ ምዃኑ ተፈሊጡ። ​​እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ፍልስጤማዊ ውድብ ሓማስ እትገብሮ ዘላ ኲናት ዝቃወሙ ሰልፍታት ኣብ ኦስሎ ምክያዶም ዝፍለጥ እዩ። ኣባላት ናይቲ ንፍልስጤማውያን ዝድግፍ ኣብ የመን ዝርከብ ምልሻ ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ ምስ እስራኤል ዝተኣሳሰራ እየን ዝእመነለን መራኽብ መጥቃዕቲ …

Read More »

ካብ ምምሕዳራት ከተማኦም መሰረታዊ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ዘይረኽቡ ሰባት ናብ ገዚፍ ዕዳ ይሽመሙ’ለዉ

ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ ኣዝዩ መሰረታዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝተኸልከሉ ወይ ቅድሚ ምቕባሎም ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክጽበዩ ዝግደዱ ሰባት፡ መግቢን ገዛ ኽራይን ዝዝኣመሰለ መሰረታዊ ሰብኣዊ ጠለባት ንምኽፋል ልቓሕ ምውሳድ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ተመራመርቲ “ቤት ትምህርቲ ማሕበራዊ ስራሕ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ” ገሊጾም። ኣብ ሽወደን ሰባት ንነብሶም ዝመርሕሉ መገዲ እንተዘይብሎም ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ ገንዘባዊ ሓገዝ ወይ “ፎርሾርኒንስቶድ” ከመልክቱ …

Read More »

መንግስቲ ን ኮተቴ ገበነኛታት ኣመልኪቱ ሓድሽ ማእሰርቲ ንምህናጽ ዘቕረቦ ሓሳብ ተነቒፉ

መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ንኮተቴ ገበነኛታት ኣመልኪቶም ፍሉይ ክንፊ ቤት ማእሰርቲ ንምቛም ዘቕረብዎ እማመ ካብ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይንቀፍ ኣሎ። ንሰራሕተኛታት ኣገልግሎታት ቤት ማእሰርትን ኣመክሮን ዝውክል ማሕበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ትካል ዘሎ ክቱር ሕጽረት ቦታን ዓቕሚ ሰብን ከይኣክል ሓድሽ ስርዓተ ቤት ማእሰርቲ ምህናጽ ኣጸጋሚ’ዩ ክብል ነቲ ሓሳብ ነቒፉ’ሎ። ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ህጻናት፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምዕጻው ጌጋ ምዃኑ እኳ …

Read More »

ዓልመዚ ኢራን ነበር ሓሚድ ኑሪ ንሕልፈት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ኣብ ስቶክሆልም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ስቬያ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ በዓልመዚ ኢራን ነበር ሓሚድ ኑሪ ዝበየኖ ፍርዲ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ኣጽዲቑ። ኢራናዊ ሓምድ ኑሪ ብምኽያት እቲ ኣብ 1988 ኣብ ኢራን ዝፈጸሞ ጃምላዊ መርሸንቲ እሱራት፥ ኣብ ሽወደን ብገበን ቕትለትን ከቢድ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊን ተኸሲሱ፥ ብኣውራጃዊ ቤት ፍርዲ ስቶክሆልም ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ከም እተፈረደ ዝፍለጥ እዩ፡፡ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ባይቶ ኣብ 2024 ኣብ ሽቕለት ኣልቦነት ርኡይ ለውጢ ክግበር ኣጽዲቑ

ባይቶ ፊንላንድ ንሽቕለት ኣልቦነት ዝጸሉ ተኸታታሊ ጽገናታት ኣጽዲቑ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ምሉእ 2024 ክዝርጋሕ እዩ። እዚ ለውጥታት፡ ምጉዳል መሰረታዊ ኣበል ሽቕለት ኣልቦነት፡ ድጎማ ዕዳጋ ሽቕለትን ሓፈሻዊ ኣበል ኣባይትን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ ኣገባብ ምሕሳብን ምክፍፋልን መልዕሎ ጽልዋ ክህልዎ እዩ። ካብ ባሕቲ ጥሪ 2024 ኣትሒዙ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ሓገዝ ሽቕለት ኣልቦነት ክረክብ ቅድሚ ምጅማሩ ዝጸንሓሉ ግዜ ካብ ሓሙሽተ ናብ ሸውዓተ መዓልታት ክናዋሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com