Monday , May 6 2024

ደሃይ ጥበባት

ናይጀርያውያን ሙዚቀኛታት፡ ሽልማት ግራሚስ፡ ይዕወቱ

ኣባላት ናይጀርያዊ ጒጅለ ሙዚቃ ኣፍሮቢት ቡርና ቦይን ዊዝኪድን፡ ናይ 2021 ተሸለምቲ ግራሚስ ኮይኖም ኣለዉ። ቡርና ቦይ (burna boy) ብብሉጽ ኣልቡም ክዕወት እንከሎ ዊዝኪድ (wiz kid) ከኣ ምስ ተዓዋቲት ግራሚስ ዝኾነት ቢዮንሴ ብዝተጻወቶ ብራውን ስኪን ገርል (brown skin girl) ዝተሰምየት ሙዚቃዊ ቪድዮ እዩ ተዓዋቲ ኮይኑ ዘሎ። ጓል ቢዮንሴ፡ ብሉ ኣይቪ፡ ኣብዛ ደርፊ ከም እተዓወተት እውን ተፈሊጡ። ብናይ ስነጥበብ ስሙ ቡርና ቦይ …

Read More »

ኢራን: ስነምግባር ዝጎደሎ ሙዚቃዊ ቪድዮ ሰሪሖን ንዝበለቶም ትኣስር

ኢራን: ምስ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝመደብሩ ኢራናዊ ሙዚቀኛ ምትእስሳር ዘለዎም ብርክት ዝበሉ ኣፍረይቲ ሙዚቃ ብሓሙስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዋ ተገሊጹ። ኢራን ምዕራባዊ ብልሽውና የተኣታቱ እዩ ንእትብሎ ሙዚቃዊ ቪድዮ ናይ ምእጋድ ልሙድ ኣሰራርሓ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እዩ። እዛ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተራእየት ሙዚቃዊት ቪድዮ ደራፋይ ሳሳን ሓይደሪ ያፍተሕ ምስ ቅርጺ ኣካላተን ዘርኢ ጥብቕ ዝበለን ሓጺርን ክዳን ዝወደያ ደቀንስትዮ እናሳዕስዐ እያ ተሰሪሓ። ኣብ ሰሙን …

Read More »

ምትእትታው ማኪና ኣብ ኤርትራ (ኣከባቢ 1930ታት)

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ቀደም ናይ ቅጥራን ጽርግያ ኣይነበረን። ማርሻበዲ’ውን ኣይነበረን። ሳላ ማኪና ግን ኩሉ በብሓደ መጺኡ። ካብ ዓዲ ጥልያን ዝመጻ መኻይን በቲ ጽርግያ ከሽኰንድዳ፡ ወዲ ዓዲ ከኣ በቲ ማርሻበዲ ኪጐዓዝ ተመዲቡሉ እዩ ነይሩ። እዛ ኣብ ሃገርና ብግዜ ጣልያን ዝኣተወት ኦቶናብለ እንብላ ዝነበርና ኣርባዕተ ጎማ ዝነበራ ተሽከርካሪት፡ ካብ እትፍጠር ኣስታት ሚእትን ሰላሳን ዓመታት እያ ገይራ። ኣብ ዓለም ካብቲ …

Read More »

ገጣሚት ኣማንዳ ጎርማን መንእሰያት ክጽሕፉን ሓሳባቶም ክገልጹን ተተባብዕ።

ወዲ 17 ዓመት ዳርዬስ ጃክሰን ተሌቪዥን እናተዓዘበ ጓል 22 ዓመት ኣማንዳ ጎርማን ነታ እንድይቦ ጎቦ ዘርእስታ ኣብ ግጥማ ኣብ እዋን ምርካብ ስልጣን ጆ ባይደን ክትነባ ምስ ሰምዐ ብሓይሊ ቃላት እዛ ጸላም ኣመሪካዊት ኣመና ተዓዘመ። እዚ ኣብ ቪዥዋል ኣንድ ፐርፎርሚንግ ኣርትስ ስኩል ኣብ ግዝኣት ሴት ልዊስ ሚዙሪ ዝቕመጥ መንእሰይ ጃክሰን ” ታሪኻዊት” እዋን ምንባራ ይጠቅስ። እዛ ግጥሚ ጎርማን ብቴሌቪዥን ካብ እተመሓለላፍ …

Read More »

ሃብቲመ ግና. . .

ሓቐኛ ዛንታ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ካልኣይን መወዳእታን ክፋል “ጓል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ 1986 እዩ ዝኸውን ዘሎ። ልዕሊ ዓቐን ሰሪሐ ክህብትም ጥራይ’ዩ ዝረኣየኒ ነይሩ። ንሱ እናሓሰብኩ’የ ድማ ተጓዒዘ” ኣኽመስመሰት። “እሞ ሰሊጡኪ’ዶ?” ፍሽኽታኣ ብምዕዛብ – ተዓዊታ’ያ ዝብል ግምት ኣሕደርኩ። “ኣብ ሱዳን’ሞ ዋላ ሓደ ክሰልጠኒ ኣይክኣለን። ኮፍ ኢልካ ትውዕል – ኮፍ ኢልካ ትሓድር’ዩ ነገሩ። ብዘይ ስራሕ ከባቢ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ተኸላቢተ። …

Read More »

ጋሻ ተቐበሉ! (The Lighter Side of Wedding Feasts)

 (ድሕሪ ብዙሕ ፍልስፍና፡ ንመዘናግዒ ተባሂሉ ዝቐረበ) ብ ኣማኑኤል ሳህለ             ሰንበት ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ። ኣብ 80ታት እዩ። ዕዱማት ናብዝን ናብትን ይብሉ። ገሊኦም ኣብ ካልእ መርዓ ዝጸንሑ እዮም። ኣይመጸን፡ ኣየጽሓፈን… ከይብሃሉ እዮም ናብቲ ዳስ ዚኣትዉ ዘለዉ። ገሊኦም’ውን ብሓድሓደ ናይ ኣስታማኮ ጸገማት፡ ጸብሒ ኪበልዑ ስለ ዘይክእሉ፡ ከፊሎም ንምኻድ እዮም ካብ ርሑቕ ቦታ መጺኦም ዘለዉ። ኣብታ ዝሓለፈት መዓልቲ፡ ኣብቲ ጥቓ ዳስ ብዕራይ …

Read More »

ሃብቲመ! ግና. . .

ሓቀኛ ዛንታ ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ’የ ተላልየያ። እትውንኖ ትካል ምስ ብርክት ዝበሉ ሰባት ዘራኽባ ብምዃኑ፡ ደጋጊመ ብምምልላሰይ፡ ከም ሰበይ ዓሚል ናይ ትካላ ክኸውን ኣይኣገመንን። ምስ ኩሉ ሕውስቲ’ያ፡ ፍሽኽታ ዘይፍለያ! ንሳ’ያ ስመይ  ጸዊዓ ከም ዝረኽባ ገይራትኒ። ገና እቲ ሕዉስ ባህሪኣ ኣይነከየን። ምስ ኩሉ ብፍሽኽታ’ያ…። “ክገርመካ ከም ሰብ ኣገዳስነትካ ተራእዩኒ መዓስ’የ ዝረኽቦ ክብል’የ ቀንየ። ናይ ፈጣሪ ነገር ኰይኑ …

Read More »

ምምሕዳር ኡምዮ ኣርባዕተ ናይ ትግርኛ መጽሓፍቲ ንሕትመት ኣብቒዑ

ምምሕዳር ከተማ ኡምዮ ናይ ሃገረ ሽወደን፡ ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሳ ኣርባዕተ ናይ ትግርኛ መጽሓፍቲ ብምሕታም ኣብዚ ሰሙን ናብ ህዝቢ ዘርጊሕወን። እዘን ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደራሳ መጽሓፍቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝተሓትማ ኮይነን፡ ኣብ ተዛረብቲ ቛንቛ ትግርኛ ዘለውን ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ንኤርትራዊ ስነ ጽሑፍ ንምትብባዕን ብምባል እዩ ከሕትመን ክኢሉ። እዘን ምስ ምትሕብባር ኣሕታሚ እምኩሉ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተሓቲመን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ ብኣማኑኤል ሳህለ ዘይተጸርበ ኣእምሮ

ዓቀብትን ኣኽረርትን ማሪተኛታትን (superstitious) ክብል ከሎኹ ነቶም ንነገራት ከምቲ ዘለዎ ኪቕጽል ዚደልዩን፡ ንድሕሪት ኪመልሱ ዚደልዩን፡ ሳየንሳዊ ብዘይኮነ መገዲ ኪሓስቡን ኪሓልሙን ዝደልዩን ሰባት እየ ኣብ ኣእምሮይ ስኢለ ዘለኹ። ከምዚ ዝመርገጺኦም ኣዕሩኽ ኣለዉኒ። እቲ ዝኽተሉዎ መስመር ኣተሓሳስባ ወይ መጎተ ደስ ዚብሎም ግዲ ኾይኑ፡ ኣብቲ እነካይዶ ክትዕ እንሓንሳእስ ደስ ከይበሎም እዮም ዚሰምዑኒ። ’ከምቲ እንደልዮ ክንሓስብ ግዳ ዘይትገድፈና፡ ብሳይነስ ጌርካ ነቲ ኬፍና (ደስ ዘብለና …

Read More »

ኩሉ ሰብ ጠሊሙኒ!

ሓቐኛ ዛንታ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም  “ሰብ  የለን  ድዩ?”  ሰብ  ምስ  ስኣነት፡ ሰብ  ደለየት።  ኵሉ  ምጻሩ  ምስ  ስኣነት ድማ፡  ንነብሳ  ክትፍትሽ  ተገደደት፡  ክሳብ ክንድዚ  ሰብ  ካብኣ  ምርሓቑ  ንሳ  ዝፈጠረቶ ጸገም  ምዃኑ  ንምርኣይ፡  ሕሉፍ  ህይወታ ክትፍትሽ ተገደደት. . .። ኢለን  ተስፋይ’ያ  ትብሃል፡  ኣብ’ዚ  ሕጂ እዋን  ጓል  ኣርብዓን  ሸሞንተን  ዓመት’ኳ ኰይና  እንተላ፡  ጣዕሚ  መነባብሮኣን  ነብሳ ትከናኸንን  ብምዃና፡  ክትዕዘባ  ከለኻ  ኣብ መጀመርታ  …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com