Friday , May 10 2024

ጥዕና

መንግስቲ ሽወደን ናብ ሆስፒታል ዝመጹን ምልክታት ኮሮና ንዘርእዩን ሰባት መርመራ ክገብረሎም ሙዃኑ ይሕብር።

ኣቐዲሙ መርመራ ዝግበር ዝነበረ ምልክታት እቲ ሕማም ተራእይዎም ናብ ሆስፒታል ንዝመጹ ሰባት ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። መንግስቲ ን ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣገባብ መርመራኡ ንኽቕይር ብምሕባር ኣብ ሰሙን ክሳብ 100 ሽሕ ንኸብጽሖ ምምርሑን ተገሊጹ። ” ብሓፈሻ ኣብ ሆስፒታል ዘለዉ ሕሙማት ጽቡቕ ክንክን ይግበረሎም እኳ እንተሎ ኣብ ሆስፒታል ዘየለዉ ሰባት መርመራ ክግበረሎም ዘይምግባሩ ግቡእ ስጒምቲ ኣይኮነን” ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ሃሊንግረን …

Read More »

ብምክንያት ለበዳ ኮሮና-19 ንጥፈታት ባቡር ከተማ ዮተበሪ ሎሚ ሮቡዕ ከምዘይህሉ ተገሊጹ።

ምስ ተወከልቲ ውሕስነትን ጥዕናን እቲ ኲባንያን ድሕሪ ዝተገብረ ዘተ ባቡር ከተማ ዮተበሪ ጽባሕ ረቡዕ 15 ስርሑ ክውዝፍ ሙዃኑ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ብምኽንያት ፍርሂ ለበዳ ኮሮና ስራሕ ትማሊ ደው ክብል እዩ ዝብል ገምጋማት ምንባሩ እውን ኣንተኾነ ብምርድዳ ናብ ሮቡዕ ከምዝተሰጋገረ ይሕበር። ሓደ ሰብ ምልክታት እቲ ሕማም እንተርእዩ ስርሑ ኣቋሪጹ ናብ ሕክምና ንኽኸይድ ከም ዝፍቀደሉ ሕጊ ሽወደን ይብይን። ” እዚ ማለት …

Read More »

ማሕበር ንግዲ ኣብ ዱካናት ዘሎ ሸለልትነት ምፍንታት ምክትታል ክግበረሉ ጸዊዑ።

ማሕበር ንግድ ሽወደን ኣብ ዱካናትን ዕዳጋን ምፍንታት ብጽኑዕ ንኽትግበርን እዚ ይካየድ ምህላዉ መርመራ ክግበርን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ባራትን ኣብያተ መግቢን ዘሎ ዓይነት መርመራ ክግበር ይግባእ እዩ ድማ ኢሉ። ኣባላትና ኣብ ቅድመ ግንባር ምክልኻል እዚ ሕማም ምስ ምህላዎም ብዙሓት ሰባት መዓልታዊ እክብ ኢሎም ይርከቡ ምህላዎም ብምምልካት ብዛዕባ እዚ ኲነታት ኣዝዮም ተሻቒሎም ምህላዎም ምክትል ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ሊንዳ ፓልመትዝሆፈር ገሊጻ። …

Read More »

ቆጸራ ንመጥባሕቲ ዝገብሩ ሰባት ኣዝዩ ምንውሑ ተገሊጹ።

ብምኽንያት ኮሮና 44 ሽሕ ናይ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ፕሮግራማት ምስራዙን ብጠቕላላ 157 ሽሕ ሕሙማት ኣብ ናይ መጸበዪ ግዜ ምህላዎምን ተፈሊጡ። መዓልታዊ ኣሽሓት ሰባት ናብዚ ናይ መጸበዪ ዝርዝር ይኣትዉ ምህላዎም ድማ ኣገልህሎት ዜና SVT ሓቢሩ። እዚ መጥባሕቲ ካብ ልቢ ክሳብ ናይ ዓጽሚ ጎሎ ዝመሰሉ ኣካላት ዘጠቓልል እዩ፡ ” ሕሙማት ነዊሕ ናይ ኣብ ቤትካ ምጽናሕ ቈጸራ እዩ ተዋሂብዎም ዘሎ፥ እዚ ማለት ዝያዳ ስቓይ …

Read More »

15% ካብ ሰራሕተኛታት ካሮሊኒስካ ብኮሮና ተለኺፎም።

ብመሰረት ዝተኻየደ ሓዲሽ መጽናዕቲ፡ ካብ 11 ሽሕ ኣባላት ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ካሮሊኒስካ እቶም 15% ብኮሮና ከምዝተለኽፉ ዝሕብር ውጽኢት ከምዝተረኽበ TT ሓቢሩ። ካብቶም ምስ ግዳያት ኮሮና ዝኾኑ ሕሙማት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዝራኸቡ ኣባላት ሆስፒታል ካሮሊኒስካ ቅምሶ (Sample) ወሲድና። 7% ተሰከምቲ እቲ ቫይረስ፡ 10% ድማ ጸረ-ነፍሳት ዘጥረዩ (ዘማዕበሉ)ን 2.4% ድማ ቫይረስን ጸረ-ነፍሳትን ዝተሰከሙ ኮይኖም ምጽነሖም እቲ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ሓቢሩ ክብል መምህር …

Read More »

ጽምብላት ተመሃሮ ንግዚኡ ደው ክብል መጸዋዕታ ቀሪቡ።

ብመሰረት መጸዋዕታ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ካብ 15 ግንቦት ንደሓር ተመሃሮ ዝገብርዎ ዝተፈላለየ ኣገባባት ጽንብላት ከምኡ’ውን ናይ መንበሪ ሕቶ ደው ከምዝብል ተገሊጹ። ብዛዕባዚ ዝለዓሉ ሕቶታት እንተለዉ ን ኤጀንሲ ቈንስላዊ ጒዳያት ምውካስ ከም ዝከኣል ድማ ተመልኪቱ። እዚ ግዜያዊ ደውታ ክሳብ ምዝዛም እዚ ዓመት ክቕጽል ከም ዝኽእል እውን ተመልኪቱ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እክብ ምባል ንለበዳ ኮሮና ስለዘቃልዕ እዩ ዝበለ ተቘጻጻሪ ኤጀንሲ ዓማዊል ሄሎ …

Read More »

ብጻዕቂ ህዝቢ ዘእንግዳ ኣብያተ መግቢ ክቕጽዓ ምዃነን ምምሕዳር ከተማታት ገሊጸን።

ምምሕዳራት ከተማ ሰብ እክብ ኢሉ ዝግልገለለን ኣብያተ መግቢ ንኽቐጽዓ ስልጣን ንኽወሃበን መንግስቲ እማመ ኣውጺኡ። ኣብ ኣብያተ መግቢ፥ ባራትን እንዳ ሻሂን ዘገልግል ኣገባብ ዘነጽር ሓድሽ ሕጊ ክህሉ ምዃኑ’ውን ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ሃሊንግረን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ለበዳ ናይ ምክልኻል ኣገባባት ኣብዚ ሕጊ እቱዋት ክኾኑ እዮም ኢላ። ብመሰረት ንድፊ እዚ ሕጊ ምምሕዳራት ከተማ ኣብዚ ጒዳይ ፍሉይ ስልጣን …

Read More »

ሽወደን ሕሙማት ልቢ ንምድሓን ድሮን ብምጥቃም ኣብ ዓለምና ፈላሚት ኮይና።

ሽወደን ኣብ ዓለም ፋልማይ ምዃኑ እተነግረሉ ኣገባብ ማለት ድሮናት ብምጥቃም ሕሙማት ልቢ ንምድሓን ትጽዕር ምህላዋ ተገሊጹ። ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት ዝህብ SOS ተሓጋገዝቲ ልቢ ዝኾኑ ናውቲ ብድሮናት ብምልኣኽ ቅድሚ ኣምቡላንስ ዝበጽሕ ረድኤት ንምሃብ ይጽዕር ምህላዉ ገሊጹ። እዚ ኣገባብ ብዙሕ ህይወት ከድሕን ከም ዝኽእል ክኢላታት ከም ዝኣምንጅ SVT ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ሓቢሩ’ሎ። ናውቲ ሕክምና ልቢ ዝጸውር ድሮን እናተጠቐምካ ረድኤት ምሃብ ንሒደት …

Read More »

ሽማግለታት ካብ ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል ገለ ኣገደስቲ ስጒምቲታት ክውሰድ እዩ።

ኣብ ኦፕሳላ መጠነ ሞት ሽማግለታት ይውስኽ ምህላዉን ብጠቕላላ 38 ምሟቶምን ተገሊጹ። በዚ ድማ ምምሕዳር ከተማ ምስፍሕፋሕ እዚ ለበዳ ንምግታእ ገለ ኣገደስቲ ስጒምቲታት ክትወስድ ምዃና ተሓቢሩ። ኣብ መእለዪ ሽማግለታት ዝርከቡ 26 ዛጊት ምሟቶምን 15 ድማ ቤት ኣልቦ ኮይኖም ድሕሪ ምትራፎም ናብ ሓደጋ ሞት ምቅላዖም ድማ ተመልኪቱ። ክንስዕቦብ ዝጸናሕና ኣካይዳ እዂል ብዘይምዃኑ ዝያዳ ክንዓዪ ከድልየና እዩ ክትብል ኮሚተ ሽማግለታት ካሮሊን ሆፍስቴድ ገሊጻ’ላ። …

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ተጓዓዝቲ ማስክ ክለብሱ ክእዝዝ እዩ ።

ካብ 18 ግንቦት ንደሓር ተጓዓዝቲ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ብመሰረት ሕግታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ማስክ ክለብሱ እዮም ተባሂሉ። እዚ ሓደ ካብቶም ተጓዓዝቲ ብኮሮና ከይልበዱ ዝግበር ዘሎ ስጒምቲ እዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ን TT ብምጥቃስ ሓቢሩ። ሎሚ ኮሚሽን ኤውሮጳ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ዝግበር ጒዕዞ ንምቕጻል ማዕጾኡ ምኽፋቱን መንገዲ ኣየራት ሓደስቲ ሕጊታት ኣብ ምስላጥ ክተግሃን ምእዛዙ ይፍለጥ። ” ነፈርቲ ጽብብ ዘበለ ቦታ ዘለወን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com