Friday , May 10 2024

ጥዕና

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 04 11 2019

ገለ ካብ ካብ ናይ ሎሚ ዜና፣- ሃገረ ነርወይ ንዕዳጋ ዓለም ብተቕርቦ ፍርያት ነዳዲን ጋዝን፣  ሓንቲ ካብ በከልቲ ኩነታት ኣየር ተባሂላ ክትዉቀስ፣ ሚዛናዉነት ከምዘይብሉ ትገልጽ። መንግስቲ ሽወደን ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ ዝርከብ ዘሎ ሃገራዊ ዶባት፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ምንዋሕ ግዜ ቁጽጽርን ሓለዋን ክግበር ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

Read More »

ጎስጋስ ምጅማር ምልጋስ ኣካላት ሰብ ኣብ ሽወደን ሎሚ ይጅምር ።

ሽወደን ሎሚ ሰሙን ወፍሪ ልገሳ ኣካላት ብምጅማር፣ ሰባት ኣካላት ኣብ ምልጋስ ንክተግሁ ምጒስጓስ ምጅማራ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ወፍሪ ብሃገራዊ ቈንስል ጥዕናን ድሕነትን ዝጀመረ ኰይኑ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ልዕሊ 12 ሽሕ ሕቶ ልገሳ ኣካላት ምጅማሩ ድማ ተገሊጹ። ብመሰረት ስታቲስቲክስ ካብ 80 ክሳብ 85 ሚእታዊት ሽወደናውያን ብዛዕባ ምልጋስ ኣካላት ኣዎንታዊ ኣጠማምታ ኣለዎም። ይዂንምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝሞቱ ሰባት ምስ ናይ ሎም …

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣብ ስራሕ ወይ ካብ ገዛ ናብ ስራሕ ሓደጋ ወይ ሕማም ምስ ዘጋጥም ካሕሳ ንምርካብ ክግብሩ ዘለዎም ነገራት።

ኣብ ስራሕ ሓደጋ ምስ ዝፍጠር ወይ ድማ ብስራሕ ዝተታሓሓዘ ምክንያት ምስ ትሓምም ናይ ገንዘብ ኻሕሳ ካብ መድሕን ዉሕስና ሰራሕተኛታት (arbetsskadeförsäkringen)ምርኻብ ይካኣል። ኣገደስቲ 5 ነጥብታት ከነስተውዕለሎም ዝግቡኡ ድማ 1- ምሕታት ካሕሳ ኻሕሳ ንትረክቡ ጉዳይኩም ንክራኣየልኩምን ባዕልኩም መሕተቲ ቕጥዒ ከተእትው ኣለኩም። ቐጥዒ መሕተቲ ካሕሳ ብ ምክንያት ሓደጋ ዘጋጠመ ኣብ ስራሕኩም(arbetsskada) ምስ ዝከውን ናብ መድሕን ኣፋ (AFA Forsakring) ይላኣክ። ምስ ስራሕኩም ብዝተሓሓዘ ምክንያት …

Read More »

ጥዕና ዝህብ ጸባ ንእግሪ-ተከል ቆልዑ

እግሪ-ተከል ቆልዑ ልክዕ ከምቶም ዝዓኩ ዘልዉ ህጻናት ወይ ናይ እግሪ-ተከል ቆልዑ ጸባ ክሰትዩ ይኽእሉ’ዮም። ካብ 1 ክሳብ 3 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ፍሉይ ጥዕናዊ ትሕዝቶ ዘልዎ ጸባ ምሃብ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ኣብዚ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዝርከብ ለበዋታት፡ እግሪ-ተከል ቆልዑ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጸባ ከም ቪንታሚ D; ኣይረን (Iron) Omega 3 Fatty Acid ዝኣመሰለ ትሕዝቶ ዘልዎ መግቢ ክረኽቡ ይሕግዝ።• ክሳብ 4 ዓምት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፡ …

Read More »

ን መርበብ ሓበሬታ ሓለዋ ጥዕና 1177 ንምምዕባል መንግስቲ ሽወደን ሚልዮናት ክሮነር ተሰሊዑ።

ነቲ ብቁጽሪ 1177 ዝፍለጥ መርበብ ሓበሬታ ሓለዋ ጥዕና ንምምዕባል መንግስቲ ሽወደን ንኹለን ምምሕዳራትን ዞባታትን ዝኸውን ናይ 33.5 ሚልዮን ክሮነር ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ወሲኑ። እዚ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ ንኹሎም ኣብ ሃገር ዝርከቡ ሕሙማን ክጠቅም ተስፋ ንገብር ትብል ሓላፊት ማሕበራዊ ጉዳያት ዝኾነት ሊና ሃሊንግሪን። ኣብ ሽወደን ዝርከብ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ብቐሊሉ ዝርከብ ክኸውን፡ ንኹሉ ሰብ ከገልግልን ምስ ሓድሽ ተክኖሎጂ ክስዕን ብተወሳኺ ሓቢራ። …

Read More »

Swedish News on Tigrigna – ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 22 ጥቅምቲ 2019

Read More »

ኣፍና ምእንቲ ባህ ዘየብል ሽታ ከይሕዝ፡ ምስ ተመገብና ብማይ ክንጕጽጕጾ ኣለና ክብሉ ክኢላታት ይዛረቡ።

ክንምገብ እንከለና፡ ነቲ እንምገቦ ዘለና ዘተርክስን ዘዳቕቕን ምራቕ ናብ ኣፍና ይመጽእ’ዩ። እዚ ምራቕ’ዚ እንተውሒዱ ሓደ ካብ ጠንቅታት ምሽታት ኣፍ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ። ኣፍና ምስ መግቢ ብዝኣትዉን ካብ ካልኦት ክፍሊ ኣካላትና ብዝመጹን ባክተርያ ኩሉ ግዜ ምስ መልአ’ዩ። እዞም ባክተርያ እዚኦም ሕማቕ ሽታ ዘለዎ ጋዛት ስለ ዘመንጭዉ (ዝተፍኡ) ኣፍና ባህ ዘየብል ሽታ ይገብር። ካብ ድቃስ ምስ ተበራበርና ዝያዳ ካልእ እዋን …

Read More »

ካብ ባሕቲ ሕዳር ንደሓር ፍቓድ ንግድ ዘይብሎም ትምባኾ ምሻጥ ክኸልከሉ እዮም።

በዚ ኣባህላ ኣትከኽቲ ኣብ ዱካናት ሽወደን ዝገዝእዎ ዝነበሩ ሕሱር ሽጋራ ወጻኢ ደጊም ምርካብ ከጸግሞም እዩ። ካብ ባሕቲ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ዝትግበር ሓድሽ ሕጊ ሸቃጦ ትንባኾ ወግዓዊ ፍቓድ ክህልዎም ክግበሩ እዮም። ናብ ሽወደን ዝኣቱ ትንባኾ ኣብ ምቊጽጻር ብምትሕብባር ከም ዝነጥፉ እውን ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። “ዘይሕጋዊ መሸጣ ትንባኾ ብዙሕ እዩ ዘግድዓና ዘሎ” ክብል በዓልመዚ ክፍሊ ፍቓድ ማልም ካጅሳ ጉስታፍሰን ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን …

Read More »

ስጋ

ስጋ ካብ ኣብ ሕርሻ ዝዓበዩ እንስሳ ኮነ ካብ እንስሳ ዘገዳም ዝርከብ ዝብላዕ መግቢ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ጭዋዳታት ኢዮም። ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ውሽጣዊ ኣካላት ናይቲ እንስሳ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ቀይሕን ጻዕዳን ስጋ ዝተፈላለዩ ኢዮም። ቀይሕ ስጋ ካብ ከምበዓል ከብቲ፡ ኣባጊዕ፡ ኣጣልን ሓሰማን ክንረኽቦ ይከኣል። ጻዕዳ ስጋ ከኣ ካብ ደርሆን ካልኦት ኣዕዋፍን ይርከብ። ዘይተመስርሐ ስብሒ ዘይብሉ ስጋ ኣብታ ሓሙሽተ ዝተዛነቑ መግብታት እተርኢ …

Read More »

ጥዕናዊ ረብሓታት ፐርሰሜሎ

ቀዳማይ ክፋል ፐርሰሜሎ፡ ካብ ዝውቱራት ቀጠልያ ኣትክልቲ ሃገርና ሓደ’ዩ። የግዳስ ኪኖ ልምዳዊ ኣመጋግባ ንጥዕናዊ ረብሓታቱ ፈሊጥና ተጠቀምቱ ክንደይ ንኸውን? ጥዕናዊ ረብሓታት ፐርሰሜሎ መወዳእታ የብሉን። ንሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ከነቕርብ ኢና። ፐርሰሜሎ ንከም ምቁጽጻር መንሽሮ፡ ሽኮርያን ቅርጥማታዊ ሪሕን ዝለዓለ ጥቕምን ረብሓን ከም ዝህብ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ኣብ ምክልኻል ምፍኳስ-ኣዕጽምቲ (ብፍላይ ድሕሪ ብትከት ጽግያትን ብዕድመ ዝሽምገሉ ሰባትን) ዝላዓለ ሓገዝ ይገብር። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ምዕጋስ ቃንዛን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com