Saturday , May 11 2024

ኮረና ቫይረስ

January, 2021

  • 6 January

    Harmony News 06 ጥሪ 2021

  • 6 January

    ድሕሪ በዓላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ኣለወን ክብሉ 30 ተመራመርቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም

    ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ምጉት፡ ድሕሪ ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ሳምንታት ተዓጽየን ክጸንሓ 30 ተመራመርቲ ሽወደን ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ንሳቶም፡ ኣብ ጋዜጣ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ፡ እቲ ህጻናት ሳሕቲ ጥራይ እዮም ካልኦት ዝልብዱ ዝብል መደምደምታ ብሓድሽ መጽናዕቲ ከም ምልክት ሕቶ ኮይኑ ኣሎ። ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ዝለኣኹሉ ዘለዉ ምኽንያት ብቐንዱ፡ ህጻናት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ …

  • 6 January

    ጀርመን፡ ከፊላዊ ምዕጻው ሃገራ ክተትርርን ከተናውሕን ትውስን

    መራሒት ጀርመን፡ ቻንስለር ኣንገላ መርከል፡ ሃገራ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ነቲ ኣተኣታትያቶ ዝጸንሐት ከፊላዊ ምዕጻው ሃገር፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ከተትርሮን ከተናውሖን ምዃና ብሰሉስ ኣፍሊጣ። ዜጋታት ድማ ክሳብ 31 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ እቲ ምስ ሰባት ዝገብርዎ ርክባት ክድርቱ ኣተሓሳሲባ። ብተወሳኺ፡ ዝበዝሑ ምግባዊ ኣገልግሎት ዘይህቡ ትካላት፡ ባራት፡ ኣብያተ ምግቢ፡ ባህላዊ ማእከላት፡ መዘናግዒ ቦታታትን ኣብያተ ትምህርትን ክዕጸዋ እየን። ነዚ ሕማም ንምምካት፡ ማሕበራዊ …

  • 6 January

    ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ብኩባንያ ሞደርና ዝፈረየ ጸረ ኮሮና መድሃኒት (ክታበት) ተቐባልነት ይህብ

    ኤውሮፓዊ አጀንሲ መድሃኒት (EMA) ነቲ ብኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና ዝፈረየ ጸረ ኮሮና መድሃኒት (ክታበት)፡ ሎሚ ሮቡዕ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ፡ ተቐባልነት ከምዝሃቦ ሓቢሩ ክብላ ሮይተርስን ፍራንስ ፕረስ ከምዝገለጻ SVT ኣመሓላሊፉ። ኣቐድም ኣቢሉ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ነቲ ብኩንያታት ፋይዘርን ቢዮንቴክን ዝፈረየ መድሃኒት፡ ተቐባልነት ከምዝሃበ ይዝከር። ኤውሮፓዊ ኮሚሽን ንውሳኔ ኤውሮፓዊ አጀንሲ መድሃኒት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክሰማማዓሉ ትጽቢት ይግበር። ብድሕሪ’ዚ እቲ መድሃኒት፡ ኣብ መላእ ሃገራት …

  • 6 January

    ኣብ ምምሕዳር ብለኪንገ (Blekinge) ዝርከባ ቤት ትምህርታት ማእከላይ ደረጃ፡ ካብ 11 ጥሪ ክዓጽዋ እየን

    ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ኩለን ካብ ሻውዓይ ክሳብ ታሽዓይ ክፍሊ ዝምህራ ቤት ትምህርታት፡ ክዕጸዋ ከምዘለወን በዓል መዚ ጥዕና ምምሕዳር ብለኪንገ መኺሩ። ብመሰረት ምኽሪ፡ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ቤንግት ዊቴኾ፡ ኩለን ቤት ትምህርታት ማእከላይ ደረጃ፡ ካብ ዕለት 11/01/2021 ጀሚረን ንኽልተ ሰሙን ክዓጽዋ ምዃነን ነዚ ውሳኔ ድማ ኩለን ምምሕዳራት ከተማ ምምሕዳር ብለኪንገ ክተግብረኦ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ውሳኔ፡ ካብ ዕለት 11 ጥሪ …

  • 6 January

    ንልዕሊ ፍርቂ ቁጽሪ መሳርሕቱ ብኮሮና ዝለበደ ሰራሕተኛ ካብ ስራሕ ተባሪሩ

    ሓደ ሰራሕተኛ ምልክታት ሕማም ኮሮና እናተሰመዖ ናብ ስራሕ ብምምጽኡ ንካልኦት ብጾቱ ብምልካሙ ካብ ስርሑ ክሰናበት ከም እተገብረ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። እዚ ዝተጠቕሰ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ከባቢ ካርልስታድ ዝርከብ መእለይ ሕሙማት ኣልዘሃይመር ክሰርሕ ከም ዝጸንሐን ድሕሪ ምልክታት ሕማም ኮሮና ምርኣዩ መርመራ ጌሩ ውጽኢት ሕማሙ ከይተዋህበ ናብ ስራሕ ከምዝኸደን ድሒሩ ድማ ብኮሮና ተለኺፉ ከምዘሎ ዝሕብር ውጽኢት ከምዝመጾን ቀጺሉ ድማ፡ ፍርቂ ኣባላት ናይታ …

  • 6 January

    ካብ ጽባሕ ዕለት 7 ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ሽወደን፡ ማስክ ምውዳይ ክጅመር እዩ

    ካብ ጽባሕ ሓሙስ ዕለት  7 ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ሽወደን፡ ማስክ ምውዳይ ግብራዊ ክኸውን እዩ ክብል በዓልመዚ ህዝባዊ መጓዓዝያ ሓቢሩ’ሎ። ቅድሚ ዓመተ 2004 ዝተወልዱ ሰባት ኮይኖም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን፡ ማስክ ክጥቀሙ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።  ካብ 7-9 ቅ/ቀ ከምኡውን ካብ 16-18 ድ/ቀ ኣብ ዘሎ ግዜያት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣብ ዝጥቀምሉ እዋን እዚ መምርሒ ግብራዊ ክኸውን ምዃኑ በዓል መዚ ህዝባዊ መጓዓዝያ …

  • 5 January

    ሽወደን፡ ነቶም ካብ ብሪጣንያ ዝመጹ ገያሾ፡ ናብ ሃገራ ምእታው ከልኪላ

    ሰብመዚ ሽወደን፡ ነቶም ብሰንበት ካብ ብሪጣንያ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ላንድቪተር ዝኣተዉ ብርክት ዝበሉ ገያሾ ናብ ሽወደን ከይኣትዉ ምኽልካሎም ንጋዜጣ ሎካል ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። እቶም ዝምልከቶም ሰብ መዚ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ነቲ ብኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ዝቐረበ ምስክር ጥዕና (መርመራ ኮሮና) ናይዞም ገያሾ ከም ዘይቅበልዎ ምስ ተገልጸሎም ገለ ካብቶም ገያሾ፡ በታ ዝመጽዋ ነፋሪት ናብ ማንቸስተር ክምለሱ እንከለው ሓሙሽተ ገያሾ ግን፡ ክሳብ ውጽኢት …

  • 5 January

    ሽወደን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን 100 ሽሕ ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትቅበል እያ።

    ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ንክታበት ኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና፡ ጽባሕ ረቡዕ ፍቓድ ክህቦ ትጽቢት ከም ዘሎ ተገሊጹ። በዚ መሰረት፡ ሽወደን፡ ኣብ ምጅማር ናይ ዝቕጽል ሰሙን 11 ሽሕ ዶዝ ክታበት ጸረ ኮሮና ክትቅበል ምዃና ተፈሊጡ’ሎ። ኤውሮፓዊ ኤጀንሲ መድሃኒት፡ ነዚ መድሃኒት ብሰኑይ ፍቓድ ክህቦ እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበረ እቲ ኤጀንሲ ብምሸቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ውሳኔኡ ከም ዝወንዘፎ ገሊጹ። ኣብ መንጐ ኣባላት ሃገራት ይኹን ክኢላታትን …

  • 5 January

    ንካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ብዝምልከት፡ ብዛዕባ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ጎስጓስ ከድሊ እዩ ተባሂሉ

    ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ነቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ዕላማ ዝገበረ ጎስጓስ ብዛዕባ ክታበት ጸረ ኮሮና ክጅመር ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ገሊጹ። ብምልኡ ሕብረተ ሰብ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ክታበት ጸረ ኮሮና፡ ኣብ ምውሳድ ክሳተፍ ይግባእ። ስለዝኾነ ድማ፡ ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታታት ኣቢሉ፡ ነቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ሰባት ሓበሬታታት ከምዝበጽሖም ክንገብር ከድልየና እዩ ክብል፡ ቲግኒል፡ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com