Tuesday , May 7 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

መነባብሮ ሽወደናውያን ነዚ ሕማም ንምስጋር ፍቱን ኣገባብ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ብመስረት ጸብጻብ ቢቢሲ ማሕበራዊ ኮዳት ሽወደን ቅልውላው ኮሮና ንምዕጋት ኣገደስቲ ምዃኖም ካብ ቢቢሲ እተረኽበ ንውሕ ዝበለ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። “ሽወደናውያን ምስ ሰብ ጥብቕ ኢልካ ኮፍ ምባልን ሃንደራእ ኢልካ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ምዕላልን ኣየዘውትሩን እዮም” ድማ ኢሉ።፡ ጸሓፊት እዚ ጸብጻብ ሎላ ኣኪንማድ ኤከርስትሮም ሓንቲ ካብቶም ቃለመሕትት ዘካየዱ እያ። ሽወደናውያን ኮሮና ቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ዝጸንሐ ትፍንትት ኢልክ ኮፍ ናይ ምባል ልምዲ ኣለዎም ድም …

Read More »

በዓል መዚ ጥዕና፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ኣብ ዮቶቦሪ ቁጽሪ ግዳያት ክሮና ቫይረስ ክውስኽ ከምዝኽእል የጠንቅቕ።

ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ብዙሓት ተቐማጦ ከተማ ዮቶቦሪ ዝኾኑ ሰባት ብክሮና ቫይረስ ክልከፉ ከምዝኽእሉ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙን ቁጽሪ ልኹፋት ክሮና ቫይረስ ኣብ ዮቶቦሪ ክውስኽ ምዃኑ ተመራማሪ ተላበዕቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኔል፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጥዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዝተፈልየ ኩነት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ለባዳ ቫይረስ ንምግታእ ብዝተፈላላዩ …

Read More »

ብመሰረት ጸብጻብ፣ ሎሚ ቀዳም ቁጽሪ ግዳያት ክሮና ኣብ ሽወደን 102 ሰባት በጺሑ።

ክሳብ ሎሚ ቀዳም 28/03/2020 ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ብሰንኪ ሕማም ክሮና ቫይረስ ዝሞቱ ቁጽሮም 102 ሰባት ከምዝበጽሐ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ከምዝተረጋገጸ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ክሮና ዝተለኽፉ ሰባት 3447 በጺሑ ኣሎ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ምክትታል ዝርከቡ ሰባት ድማ ናብ 214 በጺሑ ከምዘሎ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።

Read More »

News Magazine ዜና መጽሔት 27 መጋቢት 2020

Read More »

ካብ ኣሰገጋድ ውሸባ ወለንታዊ ውሸባ ውጺኢታዊ እዩ ተባሂሉ ።

ካብ ኣስገዳድ ዘለዎ ውሸባ (ምዕጻው) ወለንታዊ ውሸባ(ምዕጻው )ዝያዳ ውጽኢታዊ እዩ ክብሉ ኪላታት ይገልጹ። ጣልይንን ስፔይንን ከምኡ ምግባረንን ፈረንሳን ጀርመንን እውን ከም ዝሰዓባአን ድማ ተገሊጹ። ሰብመዚ ጥዕናን መንግስትን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብውሕዱ ኣብዚ እዋንዚ ሽወደን ክትዕጾ ከም ዘይግባእ ኣመልኪቶም። ኣብያተ ትምህርቲ፥ ብዙሕ ሳዕቤን ዘይብሎም ንግዳዊ ትካላትን ምዕጻውን ሰባት ኣብ ኣባይቶም ክውሸቡን ዝብል ስጒምቲታት ኣድለይቲ ኣይነበሩን ድማ ኢሎም። ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ቃልሲ …

Read More »

ነበርቲ ስቶክሆልም ብምኽንያት ፋሲኻ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝግበር መገሻታት ከቛርጽዎ ይሕተቱ።

ተቐማጦ ስቶክሆልም በዓል ፋሲካ ንምብዓል ናብ ጎትላንድ፣ኦረ፣ ኦላንድን ካሊኦት ከባብታት ሽወደን እንተ ድኣ መጺኦም፡ ልዕሊ ዓቕሚ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና’ዛ ከተማ ዝኾኑ ብዙሓት ብሕማም ክሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ክህልውዎም ስለዝኽእሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብዛ ደሴት ንኽኣትዉ ተቐባልነት ከምዘይብሎም ሓላፊት ጥዕና ጎትላንድ፡ ሜሪ ሉፕ፡ ከምዝሓበረት ተለቪዥን ሽወደን TT ሓቢራ። ብዙሓት ካብ ተቐማጦ ስቶክሆልም በዓል ፋሲካ ንኸሕልፉ ናብቲ ኣብታ ደሴት ዝርከብ ዝውንንዎ ኣባይቲ ከምዝኸዱ …

Read More »

ሽወደን፡ ልዕሊ 50 ሰባት ምትእኽኻብ ትኽልክል።

ናይ ውልቂ ይኹን ማሕበራዊ ጽምብላት ኣብ ዝግበሩ ኣጋጣሚታት ልዕሊ 50 ሰባት ክእከቡ ፍቑድ ከምዘይኮነ መንግስቲ ሽወደን ሎሚ ኣብ ጋዜጥዊ መግለጺ መምርሒ ኣመሓላሊፉ። እዚ መምርሒ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ነዚ መምርሒ ዝጥሕሱ ሰባት ክሳብ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክውሰነሎም ምዃኑ ብተወሳኺ ሓቢሩ። እዚ መንግስታዊ ውሳኔ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስተፋን ሎቪን፡ ተመሓላሊፉ። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ …

Read More »

ካብ ኣደናገርቲ ኮሮና ቫይረስ ተጠንቀቑ

ኮሮናቫይረስ ፍርህን ራዕድን ከስፍን ከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ገንዘብ ንምኽዕባት ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ገለ፡ ናይ ኣቕሑ ዋጋ የንህሩዎ፡ ገለ ድማ ካብ ክፍሊ ጥዕና ኢና እናበሉ ንኣረጋውያን ይዘምቱዎም ኣለዉ። ስለዚ ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር ነብስኻ ሓሉ።  ከም ኮሮናቫይረስ ዝመሰሉ መዓታት ንገሊኡ ጽቡቕ ኪገብር ንገሊኡ ድማ ሕማቕ ኪገብር ይድርኹዎ ኢዮም። ገለን ኪተሓጋገዙ ይረኣዩ፡ ገለን ድማ ነቲ ኩነታት ተጠቒሞም የደናግሩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ገለ ኣረጋውያን በቶም …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብዝሒ ብክሮና ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ናብ 92 በጺሑ።

ብዝሒ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ቫይረስ ክሮና ኣብ ሽወደን ዝሞቱ ሰባት ናብ 92 ክብ ከምዝበለን ብዝሒ ናይቶም ብክሮና ቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ ሰባት 3046 ክኸውን እንከሎ ብዝሒ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ ሰባት ግን 209 ከምዝበጽሐ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ በዚ ሕማም ከምዘይሞተን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ወይ ሰለስተ ሳምንታት ግን ብዝሒ ናይ …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ብክሮና ቫይረስ ተለኺፉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ መርመራ ናይ ደም ድሕሪ ምክያዱ ብቫይረስ ክሮና ተለኺፉ ከምዘሎ ከምዝፈለጠ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ፈኮስቲ ምልክታት ናይቲ ሕማም ክስመዖ ድሕሪ ምጅማሩ መርመራ ክገብር ከምዝተገደደን ሎሚ ዓርቢ ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ከምዘሎ ከረጋግጽ ክኢሉ። ቦሪስ ጆንሶን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ድማ ብመንገዲ ኢንተርኔት ኣቢሉ ስርሑ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com