Saturday , May 18 2024

ሓበሬታ

ኣንጻር እቶም ሙስሊም ብራዘርሁድ፡ ሓድሽ ናይ ሞት ፍርዲታት ተወሲኑ

ኣብ ግብጺ ዝርከብ ሓደ ቤት ፍርዲ፡ ን10 ኣባላት ናይቲ ዘይሕጋዊ ዝተባህለ ሙስሊም ብራዘርሁድ፥ ንሞት ከም ዝፈረዶም ተፈሊጡ። እቶም ተኸሰስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ናይ ጸጥታ ‘ሕሱም መጥቃዕቲ ኣብጺሖም’ ብዝብል እዮም ተኸሲሶም ዘለው ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ክስታት፡ ምስቲ ኣብ ዓመተ 2015 ኣብ ግብጺ ኣብቲ እዋን እንዳበዝሐ ዝመጽእ ዝነበረ ኣንጻር ፖሊስ ዘቕነዐ መጥቃዕታት፡ ብዝተተሓሓዘ ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ብዝምልከት …

Read More »

ዝበዝሑ ብሰልፊ ሞደራትና ዝቐረቡ እማመታት፡ ድጋፍ ረኺቦም

ዘይሕጋውያን ሰባት፡ ኣብ ሽወደን ንኽነብሩ፡ ከቢድ ዝገብረሎም ኣገባባት ንምፍጣር ተባሂሉ ብመንገዲ ሰልፊ ሞደራትና ዝቐረቡ 10 እማመታት፡ ብዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ሽወደን ተቐባልነት ረኺቦም ከምዘለዉ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሰልፊ ሞደራትና፡ ነቶም 8 እማመታት ካብ ማእከላይ ሰልፊ (Center Party)፣ ክሪስ ዲሞክራተና፣ ካብቲ ሽማግለ ማሕበራዊ ድሕንነት ናይ ሊበራላውያንን ስቬርያ ዲሞክራተናን ድጋፍ ከም ዝረኸበ ተፈሊጡ’ሎ። ከም ጸብጻብ SVT Nyheter እንተኾይኑ፡ እዞም እማመታት …

Read More »

መራሒ ሰልፊ የማናይ ክንፊ (AFD)፡ መዝነቱ ለቒቑ

ዮርግ ሜውተን፡ መራሒ ናይቲ ኣብ ጀርመን ዝርከብ ጥሩፍ ሃገራዊ የማናዊ ሰልፊ AFD፡ እቲ ውድብ፡ ካብቲ ዝነበሮ የማናዊ ዝንባለታት እንዳወሰኸ ናብ ስርዓት ኣውቶሪቶርያን (ውልቀ መላኺ ስርዓት) ብምኻዱ፡ ነዚ ብምቅዋም፡ ካብቲ ውድብ ከም ዝወጸ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ብሃንደበት ዘጋጠመ ምንስሓብ ናይቲ ሓደ ካብቶም ክልተ መራሕቲ ናይቲ ሰልፊ፡ ዓቢ ዕንቅፋት ከምዝኾነ እዩ ዝንገር ዘሎ። ሜውተን ከምዝበሎ፡ እቲ ውድብ (AFD) …

Read More »

ድሕሪ’ዚ ኩሉ፡ ማታሬላ፡ ፕረዚደንት ኮይኑ ይቕጽል

ፕረዚደንት ሰርጂዮ ማታሬላ፡ ንሃገሩ ጣልያን ካብቲ ከጋጥም ትጽቢት ተገይሩዎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽ ከም ዘድሓና ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሽሕ’ኳ ቅድም ክብል ነጺጉዎ እንተነበረ፡ ሕጂ ግና ኣብ ስርሑ ንኽቕጽል ከምዘእመኑዎ ተፈሊጡ’ሎ። ናይ ሃገረ ጣልያን ፕረዚደንት ዝኾነ ሰርጅዮ ማታሬላ፡ ወዲ 80 ዓመት ኮይኑ፡ ንተወሳኺ ሓድሽ 7 ዓመታት ዝጸንሕ እዋን ክቕጽል ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።  “ኣድላይ እንተኾይኑ፡ ስርሐይ ክቕጽል እየ” ክብል ነሱ ንቀዳማይ …

Read More »

ኦስትሪያ፡ እገዳታት ተፏኹስ

ኦስትሪያ፡ ናይ ኮሮና ቫይረስ እገዳታት ናይ ምፍዃስ ውጥናት ከምዘለዋ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ዕለት 5 ወርሒ ለካቲት፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ክሳብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ጥራሕ ክፉታት ኮይኖም ዝጸንሑ ኣብያተ መግቢታት፡ ሕጂ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ክኽፈቱ ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ’ሎ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ንምንቅስቓሳት ናይቶም ዘይተኸተቡ ሰባት ተኣዊጁ ዝነበረ እገዳ ደው ክብል ከም ዝግበር ተፈሊጡ’ሎ። ካብ ለካቲት …

Read More »

ኣሜሪካ፡ ወታሃደራታ ናብ ምብራቕ ኤውሮጳ ክትሰድድ እያ

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ንህላወ ናይ ኔቶ (NATO) ኣብቲ ከባቢ ንምሕያል፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ወታሃደራት ኣሜሪካ፡ ናብ ምብራቕ ኤውሮጳ፡ ክትልእኽ ምዃና ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።  “ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ወታሃደራት፡ ናብ ምብራቕ ኤውሮጳን ኔቶን ክሰድድ እየ” ክብል ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብዚ ሰዓት’ዚ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራት ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ዘለውዋ …

Read More »

ኣብ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ዘሎ ምትእምማን፡ ጎዲሉ

ስርዓተ-ክንክን ጥዕና ሽወደን፡ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ናይ ምክልኻል ክእለቱ ተነቢርሉ ዝነበረ እምነት ካብ ክረምቲ ጀሚሩ እናነከየ ይመጽእ ከም ዘሎ ውጽኢት ናይ `ቲ ብተልእኾ መርበብ ሓበሬታ ዳገንስ ኒሀተር ዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ኣብ`ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ምስ`ቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ  64% ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 49% ልዑል ምተምማን ከም …

Read More »

ኣብ ክንክን ናይ ቖልዓ ዘጋጥሙ ሕጽረታት ብዝምልከት፡ ሓኻይም፡ ናይ መጠንቀቕታ ደወል የስምዑ

ልዕሊ 250 ዝኾኑ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ዝርከቡ ሓኻይም፡ ኣብ መስርሕ ሓለዋ ጥዕና ናይ ቆልዑት ዘጋጥሙ ብዘለው ብርክት ዝበሉ ሕጽረታት ዘለዎም ስግኣት ኣብ ምግላጽ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።  ኣብ ግዜ ቀውዒ፡ ሓደ ሓደ ቆልዑት፡ ሓኪም ንኽርእዮም ኣብቲ ናይ ህጹጽ መሐከሚ ክፍሊ ክሳብ 16 ዝኸውን ሰዓታት ክጽበዩ ዝገደዱሉ ግዜ ኣሎ” ክትብል ሓኪም ስታቭራውላ ኣናስታሶፓውላው ንDagens Nyheter ገሊጻ። ኣብ …

Read More »

ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ኣብ 3 ጉዳያት ጥራሕ ከምዘተኩር ተፈሊጡ

ስለፊ ሶሻል ዲሞክራተና፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝግበር ምርጫ ገና ቅድሚ ምብጽሑ፡ ናይ ትኹረት ኣንፈቱ፡ ኣብ 3 ዛዕባታት ከም ዝገብር ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚኣቶም ድማ ብዛዕባ ምስባር ኣድልዎን ገበናት ምእላይን፣ ድሕንነት ብዝምልከት ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ሓላፍነት መሊስካ ኣብ ኢድክ ምእታዉን ከምኡ ድማ ናይ ኩነታት ክሊማን ከባቢን ብዝምልከት ንመጻኢ ስራሕ ኣብ ምፍጣር ክሕግዙ ጌርካ ምቕናይን ዝብሉ ከም ዝኾኑ፡ እቲ ሰልፊ …

Read More »

ብኤርትራዊ ስነ ጥበበኛ ዝተጻሕፈት ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተመሪቓ

ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሰት “ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ፡ ብቐዳም 29 ጥሪ 2022 ኣብ ከተማ ኡምዮ ሃገረ ሽወደን ተሓቲማ ብወግዒ ተመሪቓ። እዛ 216 ገጻት ዘለዋን ብደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦምን ዝተደርሰት መጽሓፍ፡ ብምምሕዳር ኡምዮ ኮመን ተመዊላ እያ ንሕትመት በቒዓ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነታ መጽሓፍ ተመልኪቱ ኣብ ዝቐረበ ገምጋም “ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ቛንቑኡን ባህሉን ኣብ ምዕቓብ ልዑል ተራ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com