Saturday , May 4 2024

ሓበሬታ

ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ናይ ቃላት ልውውጥ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ

ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ስምዒት፣ ዘሰንብዱ ሳዕቤናት፣ ሕጽበተ-ሓንጎልን ኣንጻር ሩስያ ዘቕነዐ ምሒር ጽልኣትን”። እዞም ቃላት እዚኦም፡ ብሰኑይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክሬይን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብዝምልክት ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሞንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ዝነበረ ረጽሚ ዝተሰምዑ ቃላት እዮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ። ሩስያ ነቲ ኣኼባ ክትዓግቶ’ኳ እንተፈተነት፡ ብናይ ሓባር ድምጺ ናይቶም መብዛሕትኦም …

Read More »

ማክሮን ምስ ፑቲን፡ ብጉዳይ ዩክሬይን ተመያይጡ

ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት፡ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ምስ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞንጎ ዶባት ዩክሬንን ሩስያን ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ኣመልኪቱ ብቴለፎን ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ክልተ መራሕቲ፡ ንኻልእ ዛዕባታት ወሲኾም፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ዓመተ 2015 ጀሚሩ ዝጸንሐ ናይ ምንካይ ስምምዕ (Reduction Agreement) ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ ኣመልኪቶም ብዛዕባ ምቕጻል ናይቲ ዘተ፡ ናይ ትግበራ ተዘራሪቦም። እቲ …

Read More »

ወተሃደራዊ መንግስቲ ማሊ፡ ንኣምባሳደር ፈረንሳ፡ ካብ ሃገሩ ሶጊግዎ

ድሕሪ ደጊም ናይ ፈረንሳ ኣምባሳደር ኣብ ማሊ ክጸንሕ ኣይፍቀዶን’ዩ። ናይ ሽወደን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣን ሊንደ፡ ነዚ ውሳኔ ኣመልኪታ ዘሕዝን ፍጻመ ክትብል ኣብ ገጻት ትዊተር ከም ዝጸሓፈት ተፈሊጡ። ኣምባሳደር ዮኤል ሜየር፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ማሊ ክወጽእ ከምዘለዎ እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ኣብታ ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ቴሌቪዥን ኣብ ዘቅረቦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ። ናይ ፈረንሳ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብወገኑ ኣብ ዘውጾ …

Read More »

ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ መምርሒ ፍቓድ መኪና፡ ክስእኑ እዮም ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፡ ቁጽሪ መምርሒ ፍቓድ መኪነኦም ዝሰኣኑ ሰባት እናበዝሑ ከምዝመጹ ተፈሊጡ። ካብ ግቡእ ንላዕሊ ብናህሪ ምዝዋር እቲ ብብዝሒ ዘጋጥም ምኽንያት ኮይኑ፥ ቀይሕ መብራህቲ በሪሁ ከሎ ትሒስካ ምኻድን ሰኺርካ ምዝዋርን ድማ እቶም ካልኦት ምኽያታት ምዃኖም ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ዓመተ 2021፡ በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን፡ 41,698 ግዜ መዘወሪ ፍቓድ ወረቐት ከምዘግደፈ ተፈሊጡ’ሎ። ምስቲ ዝሓለፈ …

Read More »

ጀርመን … ኣብ ዞባ ኩስል: ክልተ ፖሊስ ተቐቲሎም  

ኣብ ምዕራባዊ ጀርመን ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ልሙድ ናይ ትራፊክ ፈተሻ እናሃለዉ ከም እተቐትሉ ተገሊጹ። እዞም 24 ከምኡውን 29 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣባላት ፖሊስ ኣብታ ኣብ ዶብ ፈረንሳ እትርከብ ራይንላንድ-ፓላቲኔት ወረዳ ኩሰል ሓንቲ መኪና ደው እናበሉ እዮም ተቐቲሎም። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጎደና ዕጹው ምዃኑን ሰብመካይን ተጐራበትቲ ክማልኡን ዝኽልክል ሕጊ ከም ዘለዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ዛጊት ሓደ ጥርጡር ዕጡቕ ምንባሩ ሓበሬታ ምርካቦም ፖሊስ …

Read More »

ኮንጎ ንቀተልቲ ክኢላታት UN: ብሞት ፈሪዳ

ኮንጎ: ነቶም ኣብ ቅትለት ክኢላታት UN ኢድ ኔርዎም ብዝብል እተኸሱ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ኣባላት ሚሊሻ: ብሞት ፈሪዳ። ዜጋ ሽወደንን ቺሊን ዝኾነት ዛይዳ ካታላን ከምኡውን ኣመሪካዊ ሚካኤል ሻርፕ ኣብ 2017 ኣብ ዞባ ካሳይ እናዓየዪ ተጨውዮም ከም እተቐትሉ እዩ ዝግለጽ። እዞም ክኢላታት: ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓትን ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት ኣብቲ ከባቢ ኣለዉ ዝበሃሉ ጅምላዊ መቓብራት ኣብ ምምርማር እናሃለዉ እዮም ተቐቲሎም። ብዘይካዚ ኣብ ስራሕ …

Read More »

ናይ ኮቪድ መድሃኒታት ይውዳእ ከም ዘሎ ተሓቢሩ

እቲ ንምክልኻል ለበዳ ኮቪድ ዘገልግል ስትሮቪማብ ዝተባህለ መድሃኒት ክውዳእ ስለ ዝቐረበ ኣብዚ ግዜ `ዚ ክንክን ጥዕና ቀዳምነት ክህብ ከም ዝግደድ ራድዮ ሽወደን ጸብጺቡ፡፡ ሕጽረት ኣብ ዘጋጥመሉ ኩነታት፡ ነቶም ናይ ጥቕሚ ሓለፋ ክረኽቡ ኣለዎም ተባሂሉ ዝእመነሎም ሰባት ቀዳምነት ክወሃቦም ከም ዝግባእ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስኮነ ሓኪም ተማሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ፍረድሪክ ሞንሰን ንራድዮ ሽወደን ሓቢሩ፡፡ ብመሰረት መግለጺ ሞንሰን፥ ዋላ `ኳ እቲ መድሃኒት ብቐንዱ …

Read More »

ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ 60 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ወርሒ ጥሪ፡ ክሳብ 60 ዝኾኑ “ግብረ ሽበራውያን” ከም ዝተቐትሉ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ናይ ፈረንሳ ሰራዊት ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ኣርባዕተ ኣጋጣሚታት “እቶም ግብረ ሽበራውያን፡ ብሓይልታት ቡርኪና ፋሶን ግዳማውያን ሓይልታትን፡ ዘለውዎ ቦታ ምስ ተፈልጠ፣ እቲ ቦታ ተፈልዩ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ተገይሩ’ዩ። ኣስታት 60 ዝኾኑ ካብ ኣባላት እቲ ጉጅለ ድማ ተደምሲሶም ኣለው” …

Read More »

ፕረዚደንት ሃገረ ማላዊ፡ ብልሽወና ምኽንያት ብምግባር፡ ንመንግስቲ ኣፍሪስዎ

ፕረዚደንት ሃገረ ማላዊ፡ ላዛሩስ ቻክዌራ፡ ነቲ ስልጣን ጨቢጡ ዝጸንሐ መንግስቲ፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ፡ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዘቖመ ተፈሊጡ። ምኽንያት ናይዚ ፍጻሜ ድማ፡ ምስ ብልሽውናን ኣድልዎኣዊ ኣሰራርሓን ዝተሓሓዝ ከምዝኽዕነ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ለውጢ ዝመጸ፡ ስልቀ ሰባት፡ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ሃይማኖታዊያን ኣካላትን ብሓባር፡ ነቲ ክስማዕ ዝቐነየ ብርክት ዝበለ ናይ ብልሽውና ሓሜታታት ኣመልኪቶም ነቲ ፕረዚደንት ናይ …

Read More »

ትራምፕ፡ ነቶም ብጥሕሰት ህንጻ ካፒቶል ዝተኣስሩ፡ ይቕረ ክገብር ከም ዝኽእል ሓቢሩ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ እንድሕር እቲ መጻኢ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተዓዊቱ፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ኮንግሬሽናል ህንጻ ኣብ ምጥሓስ ዝተሳተፉ ሰባት ምሕረት ክገብር ከም ዝኽእል ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “እንድሕር ተወዳዲረ እሞ እንድሕር ስዒረ፡ ነዞም ሰባት ጉዳዮም ብቕንዕና ክርአ ክንገብር ኢና። እቲ ጉዳይ ምሕረት ምግባር ዝሓትት እንተኾይኑ ድማ፡ ምሕረት ክንገብረሎም ኢና ምኽንያቱ ፍትሒ ብዘይብሉ ኣገባብ እዮ ጉዳዮም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com