Saturday , May 4 2024

ሓበሬታ

ኬንያ ንጥርጡራት ገበን፡ ኣረኪባ

ኬንያ ነቶም ኣብ ብሪጣንያ ብገበን ቅትለት ዝድለዩ ክልተ ዜጋታት ብሪጣንያ ኣረኪባቶም። እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ክሊማኒ ኣብ ዝተባህለ ናይ ዕዳጋ ቦታ ናይሮቢ ከም እተታሕዙ ዳይረክቶረት ምርመራ ገበን እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እዞም ኣሌክስ ስሚዝ ንዝተባህለ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ካምደን ላንደን፡ ኣብ 2019 ብካራ ብምቕታል ዝጥርጠሩ ክልተ ሰባት ክስትለሙ ኣህጒራዊ ናይ መቐየዲ ፍቓድ ከም ዝወጸሎም እቲ ዳይረክቶረት ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ነቲ …

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሕጊ ውሸባ ከተፍኲስ እያ

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብኮቪድ ዝተለኽፉ ግና ዝኾነ ዓይነት ምልክት ናይቲ ሕማም ዘየርእዩ ሰባት ክውሸቡ ምጥላብ ክትሓድጎ መደብ ከም ዘለዋ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ ኣፍሊጡ። ምልክት እቲ ሕማም ዘርእዩ ሰባት ዝሕተትዎ ውሸባ፡ ድማ ካብ 10 መዓልታት ናብ 7 ክወርድ ጌሩ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብታ ሃገር ቊጽሪ ናይቶም ባህርያዊ ጸረ-ኮቪድ ናይ ምክልኻ ዓቕሚ (ወይ ድማ ኢምዩኒቲ) ዘማዕበሉ ሰባት ምውሳኹ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ …

Read More »

ኖርወይ እገዳታት ተፏኽስ

መንግስቲ ኖርወይ፡ መብዛሕትኦም እቶም እገዳታታ ናይ ኮሮና ቫይረስ፡ ካብ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ጀሚሩ ከልዕሎም ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።  “ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ ለበዳ ኣቲና’ለና” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ጆናስ ጋህር ስቶረ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኖርወይ ኣብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ ብርክት ዝበሉ ተቐማጦ ኖርወይ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክታበት ምውሳዶም ስዒቡ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ኦሚክሮን ጅር ግና …

Read More »

ጆንሶን . . . ሩስያ፡ ንዩክሬይን ተፈራርሓ ኣላ ይብል

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ግንባር ዩክሬይን “ሽጉጥ ዓሊሙ” ኣሎ ክብል ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ክገልጾ ከምዝፈተነን ብተወሳኺ’ውን ሩስያ “ናይ ኤውሮጳ ናይ ጸጥታ ካርታ ከም ብሓድሽ ንምስኣል” ትፍትን ኣላ ክብል ከሲሱ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።። ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ምስ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪይ ንምዝታይ ናብ ዩክሬይን ኣቅኒዑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግልጺን …

Read More »

ዳድጉስታር፡ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ክንከውን ንደሊ ኢና ትብል

እቲ ሰልፊ ጸጋማይ ክንፊ መሰረት ናይቲ ብሶሻል ዲሞክራትና ዝምራሕ መንግስቲ ኣካል እንድሕር ኮይኑ፡ እቲ ሰልፊ ንባዕሉ ኣብቲ መንግስቲ ናይ ምእታው ድልየት ከም ዘለዎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።  “እቲ መጀመርያ ክንገብሮ ዘለና ነገር ኣብቲ መንግስቲ ምእታው እዩ፡ ኣካል ናይቲ መንግስታዊ ምትሕግጋዝ ብምዃን ኢና ኣብ ፖለቲካ ዝለዓለ ጽልዋ ከነንብር እንኽእል” ክትብል መራሒት ሰልፊ V ዝኾነት ኑሺ ዳድጎስታር ገሊጻ። ከም ዳድጉስታር …

Read More »

ሽማግለ ቁጠባ፡ ንንጥፈታት ዝግበር ናይ ሓገዝ መስርሕ ክልወጥ ድሌት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ

መንግስቲ፡ ነቲ ናይ መልከፍቲ እዋን ብዝምልከት ንተወሳኺን ንዝተፈላለዩ ባህላዊን ካልኦት ንጥፈታትን ዝግበር ሓገዝ ዘለው ሕግታት ክልውጦም መጸዋዕታ ከም ዝቐረበ ተፈሊጡ። እዚ ድማ ውጽኢት ናይ ቁጠባ ሽማግለ ዘተኣታተዎ ናይ ክልተ ተወሳኺ ጽገናዊ ባጀት ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሽማግለ ቑጠባ እቲ ባይቶ (Riksdag) ነቲ ናይ መንግስቲ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዘተኣታተዎም እማመታት ናይ ተወሰኽቲ ረቛሒታት ብዝምልከት ብኽፋል ንኸጽድቖ እማመ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ኣውሎ ንፋስ ከም ብሓድሽ ከጋጥም ትጽቢታት ኣሎ

ሎሚ ሓሙስ፡ ኣብ ሽወደን፡ ትሑት መጠን ጸቕጢ (low pressure) ክረአ ከምዝኽእልን እዚ ድማ ንፋስን ጠልን ከም ዘስዓብ ተገምጊሙ ኣሎ። ኣብ ሓደ ካልኢት ክሳብ 21 ሜትሮ ዝህንደድ ጸፍዒ ናይ ንፋስ በቲ ገማግም ናይ ኖርላንድ ከጋጥም ትጽቢት ተገይሩ ኣሎ ክብል ቤት ጽሕፈት ሓበሬታ ኩነታት ኣየር (SMHI) ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። SMHI ብሰሉስ፡ ንገማግም ደቡብን ምዕራብን ኣመልኪቱ ብጫ ብርኪ ናይ መጠንቀቕታታት ከምዝኣወጀን ከምኡ’ውን  …

Read More »

Harmony Media News 31/01/2022

Read More »

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሚያንማር፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኢሉ

መርመርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ኣብ ሚያንማር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ሰባት ብወታሃደራት ናይታ ሃገር ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ኣቃሊሖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት እቶም መርመርቲ እንተኾይኑ፡ እዞም ቅትለታት፡ መርኣያ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተፈጸሙ ገበናትን ናይ ኲናት ገበናትን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ዕለት 1፡ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ሚያንማር ከምዝተፈጸመ ዝዝከር’ዩ። “ብዘሕዝን መልክዕ፡  …

Read More »

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ን ቡርኪናፋሶ ካብ ኣባልነት ኣደስኪሉ

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብሰንኪ ኣብ ቡርኪናፋሶ እተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ-መንግስቲ፥ ነታ ሃገር ካብ ኣባልነት ከም ዘደስከላ ገሊጹ። ኣብታ ሃገር ቅዋማዊ ስርዓት ናብ ቦትኡ ክሳብ ዝምለስ እታ ሃገር ካብ ኲሉ ንጥፈታት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክትእገድ እያ ክብል ገሊጹ’ሎ። ዝሓለፋ ሰሙን ን ቡርኪናፋሶ ካብ ኣባልነት ዝኣገደ ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ECOWAS) እውን ሓደ ልኡኽ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዋጋዱጉ ልኢኹ’ሎ። ምስ ጒጅለ UN ብምዃን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com