Saturday , May 4 2024

ሓበሬታ

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኖርወይ ወርሓዊ ደሞዝ ብ4.2% ወሲኹ ተባሂሉ።

ካብ ዓመታት 2020 ክሳብ 2021 ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት ብማእከላይ ግምጋም ደሞዝ ኖርወይ ብ 4.2% ምውሳኹ ተገሊጹ። እዚ ወሰኽ ኣብ 2020 ካብ ዝነበሮ ማለት 2.2% እንክነጻጸር ብዕጽፊ ምዕባዩ ዘርኢ እዩ ክብል ስታቲስቲክስ ኖርዌይ ኣረዲኡ። ኣብ 2019 እውን ኣብ ግዜኡ ዝበዝሐ እተባህለ ምውሳኽ ደሞዝ ተጌሩ ምንባሩ ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ኣብ ሕዳር 2021 ዝነበረ ናይ ምሉእ ግዜ ደሞዝ ብማእከላይ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ገለ ኣውራጃትት ሕጽረት ደም ኣጋጢምወን።

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ዋሕዲ ለገስቲ ደም ብሃገር ደረጃ ዋሕዲ ማዕከ ደም ኣጋጢሙ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ወይ ድማ ክትባት ዝወሰዱ ሰባት ደም ቅድሚ ምልጋሶም ክጽበዩ ስለ ዘለዎም እቲ ሕጽረት ማዕከን ከጋጥም ምኽኣሉ ኣደ መንበር ውድብ ባንክ ደም ሽወደን ኢንግሪድ ጆሃንሰን ን ኤድዮ ሽወደን ኣብ ሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ። ብፍላይ ኣብ ዓይነታ ደም O ከምኡውን A ሕጽረታት ኣጋጢሙ ምህላዉ …

Read More »

ሕጊ ኢሚግሬሽን ሽወደን ይተርር።

ብመስረት እቲ ኣብ ዝመጽእ ሓምለ 20 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዝተኣታቶ ሓድሽ ሕጊ ኢሚግሬሽን ሽወደን እቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ዝነበረ ሕጊ ክትካእ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ብ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝተኣታተወን ኣብ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብባይቶ ሽወደን ዝጸደቐን ኣዋጅ ኢሚግሬሽን ነቲ ሽዑ ዘጋጠመ ዘይንቡር ልዑል ቊጽሪ ሕቶ ዕቚብ ምኽንያት ብምግባር ዝወጸ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ሓደ ክፋል ናይዚ ሕጊ ንኣብነት ንፍቓድ …

Read More »

ዝበዝሑ ሰባት ዝገበርዎ ምምልካት ዜግነት ሽወደን ተዛዚሙ።

አጀንሲ ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብዚ ዓመት ዝኣተወን ብቚጽሪ ዝበዝሐን እተባህለሉ ምምልካት ዜግነት ኣመልኪቱ ውሳነክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ዜግነት ንምርካብ ዝህሉ ናይ ትጽቢት እዋን ክሓጽር ብ ሓባሲ ንብዓት ባይቶ ሽውደን ጻውዒትን ነቐፌታን ኣብ ዝወሃበሉ ዘሎ እዋን እዩ። እንተኾነ ግና ኣብዚ እዋን እዚ ኲነታት ናብ ዝሓሸ ኣንፈት ይኸይድ ምህላዉ እቲ ኤጀንሲ ወሲኹ ገሊጹ። ኣብ 2021 ናይ 85000 ሰባት ናይ ዜግነት መመልከቲ ከም ዝረኣየ …

Read More »

ቐይድታት ኮሮና ሎሚ ተላዒሉ ።

ክልተ ዓመት ኣብ ሽወደንን ዓለምን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ፈጢሩ ዝጸንሐ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል ተነቢሮም ዝጸንሑ ዳርጋ ኩሎም ማሕበራዉን ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት መምርሕታትን ሎሚ መዓልቲ 9 ለካቲት 2022 ብወግዒ ከምዝተላዕለ ተሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኩሎም እገዳታት ብምልዓል ንቡር ሂወት ከምዝተጀመረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ይኹን እምበር ሃገራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሕክምና እዚ ቅልጡፍ ምልዓል ኣብ ልዕሊ ሕክምና ዓቢ ተጽዕኖ ክፍጠር ዘሎዎ ተኽሎ …

Read More »

ሓምላይ ሰልፊ ኖርወይ ዋጋ መጓዕዝያ ክጐድል ይጽውዕ።

ኣብ ኦስሎ ዝመደብሩ ሓምላይ ሰልፊ ኖርወይ፡ ዋጋ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኩባንያ ሩተር ከም ዝሓስር ብምግባር ሰብ መካይን በዚ ክጥቀሙ ከም ዝደሊ ገሊጹ። “ ኣብቲ ምስ ቪከን እንገብሮ ዘሎና ልዝብ ፓኬጅ 3 ኦስሎ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ቀዳምነትና ንዋጋ ወከፍ ቲኬት ብ 20% ከም ዝጐድል ምግባር እዩ” ክትብል ኣብ ጉዳይ ኣከባቢን መጓዓዝያን ኣማኻሪት ምምሕዳር ከተማ ሲሪን ስታቭ (MDG) ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። ኣብ ምውዳእ …

Read More »

ኬንያዊ ተማሃራይ፡ ሓሙሽተ ቻፓቲ ብምብልዑ ተገሪፉ

ሓደ ኬንያዊ ተመሃራይ ኣብ ክንዲ እታ እተወሰነትሉ ሓንቲ መቑነን ቻፓቲ ሓሙሽተ ብሓንሳብ ብምብልዑ ብዝወረዶ መግረፍቲ ኣብ ገምገም ሞምባሳ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ይእለ ምህላዉ ተገሊጹ። ነዚ ተመሃራይ ዝገረፍዎ መማህራን እዮም ተባሂሎም ክውቀሱ እንከለዉ ምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርቲ ግና ነዚ ዝገበሩ መሳቶኡ ተመሃሮ እዮም ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ። ወዲ 13 ዓመት ተመሃራይ ብሰንኪ ዝወረዶ ማህረምቲ ኣካላቱ ጸሊም በሰላ ከም ዝወረዶን እናተሃርመ ዘርኢ ቪድዮ …

Read More »

ሞዛምቢክ፡ ጀላባይ ምስ ሓርገጽ ገጢሙ፡ ብሰላም ወጺኡ

ኣብ ሞዛምቢክ ሓደ ጀላቢ ዓሳ ኣብ ቀላይ ዝኣተወ መርበቡ እናውጽእ ምስ ሓርገጽ ምግጣሙን ብህይወቱ ምውጽኡን መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ’ሎ። 35 ዝዕድሜኡ፡ ጆኦ ኣርማንዶ፡ ብሰንኪ ዝወረዶ መንከስቲ ሓርገጽ ሓንቲ ኣጻብዕቱ ክቚረጽ እንከሎ ኣብ ጸጋማይ እግሩ ድማ ማህሰይቲ ስለ ዝወረዶ ኣብ ሆስፒታል እዩ ዝእለ ዘሎ። ኣብቲ ናብ ዛምቤዚ ዝሕወስ ሩባ ሻየር እናጀለበ እናሃለወ ሓደ ሓርገጽ ንመርበብ መጀለቢኡ ከም ዝቐደደሉ ድማ ይገልጽ። ነታ መርበብ …

Read More »

ኣብ ብራዚል እተቐትለ ወዲ ኮንጎ፡ ከቢድ ቊጥዐ ኣለዓዒሉ

ኣብ ብራዚላዊት ከተማ ሪዮ ዲ ጀነሮ፡ ብስደት ዝቕመጥ ሓደ ወዲ ኮንጎ ዝቐተሉ፡ ሰለስተ ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምእታዎም ተገሊጹ። እቲ ብቪድዮ ዝተቐርጸ መቕተልቲ እዚ ስደተኛ፡ ኣብ ህዝቢ ዓብዪ ቊጥዐ ፈጢሩ’ሎ። እዚ ሞይሰ ካጋምበ፡ ዝተባህለ ወዲ ኮንጎ፡ ነቲ ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ በጻሕቲ ኣብ ምእንጋድ ዘስርሖ ሓላፊኡ፡ ናይ ክልተ መዓልታት ደሞዙ ክኸፍሎ ምስ ሓተቶ እዩ ከም ዝቕተል ተጌሩ። ሰለስተ ሰባት …

Read More »

ተዋሳኢት ሆሊዉድ፡ ዉፒ ጎልድበርግ፡ ብርቱዕ ነቐፌታ ወሪድዋ

ህብብቲ ጸላም ተዋሳኢት ሆሊውድ፡ ዉፒ ጎልድበርግ፡ ኣብ ሓደ ናይ ተሌቪዥን መደብ፡ ቀሪባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ Holocaust እናተባህለ ዝጽዋዕን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝወረደን ጃምላዊ ህልቂት ምስ ዓሌትነት ዘራኽብ ነጥቢ የብሉን ብምባላ፡ ብርቱዕ ነቐፌታ ይወርዳ፡ ምህላዋ BBC ሓቢራ። ንሳ፡ ፈጻሚ ጃምላዊ ህልቂትን እቲ ግዳይን ክልቲኦም ጸዓዱ እዮም ብምባል ምንም ዓሌታዊ መሰረት ከም ዘይብሉ እያ ክትገልጽ ፈቲና። እንተኾነ ግና ሃንዳሲ ህልቂት ኣይሁድ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com