Sunday , May 19 2024

ሓበሬታ

ሓደ ሕሙም ኣብ ግዜ መርመራ ብምውዳቑ፡ ብኡ ንብኡ ሞይቱ

ሓደ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ዝነበረ ሕሙም፡ ካብ ናይ መርመራ ሰደቓ ድሕሪ ምውዳቑ ከቢድ መጉዳእቲ ስለ ዝወረዶ፡ ቁሩብ ጸኒሑ ከምዝሞተ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ሆስፒታል ሶድራ ኤልቭቦሪ፡ ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ ናብ መርማሪ ጥዕናን ትካል ምቁጽጻር ማሕበራዊ ክንክንን (IVO) ጸብጻቡ ኣመሓላሊፉ ይርከብ፡፡ እቲ ሕሙም፡ ኣቐዲሙ ኣብ መሕደሪኡ ወዲቑ ገዛእ-ርእሱ ድሕሪ ሙቕሳሉ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ከም ዝመጸን ናይ …

Read More »

እታ ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታ ትነብር ዝነበረት ድሙ፡ ናብቲ ቤተ-መንግስቲ ኣትያ

እቲ ትጽቢት ነዊሕ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግና ኣትያ’ላ። እታ ዊሎው ተባሂላ ትጽዋዕ ድሙ ምስቶም ኣብቲ ጻዕዳ ህንጻ (White House) ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ኣሜሪካ ቤተ-መንግስቲ ተቐማጦ ዝኾኑ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን በዓልቲ ቤቱ ጂልን ድሒራ ዝተጸንበረት ኣባል ናይቲ ገዛ ከምዝኾነት ተፈሊጡ’ሎ። ዊሎው፡ ካብቲ ናይቲ ፕረዚደንት ዝዓበየሉ ግዝኣት ፔንሰልቪንያ ዝመጸት ክልተ ዓመት ዝዕድሚኣ ኣብ ሕርሻ ትነብር ዝነበረት ቀጠልያ ኣዒንቲ ከምኡ ድማ ጻዕዳን ሓሙኽሽታይን …

Read More »

ቡርኪኖ ፋሶ፡ ካብ ማዕከን ኢኮዋስ (ECOWAS) ተኣጊዳ

ትካል ምትሕግጋዝ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ECOWAS)፡ ንቡርኪና ፋሶ፡ ብሰንኪ እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ኣብታ ሃገር ዝፈጸሞ ዕልዋ፡ ካብ ኣባልነት ብግዜያዊነት ከም ዝኣገዳ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። እዚ ውሳኔ ዝተገልጸ እተን ኣባላት ሃገራት ናይዚ ትካል፡ ብዓርቢ ኣብ ዘካየደኦ ዋዕላ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣንጻር ፕረዚደንት ሮሸ ካቦሬይ፡ ኣንዳበዝሐ ድሕሪ ዝኸደ ተቓውሞታት እዩ፡ ብሰኑይ፡ ስልጣን ከምዝጨበጠ ዝተፈልጠ። እቲ ጁንታ፡ ካብቲ …

Read More »

ኣባላት ኣይሲስ (ISIS) ተባሂለን ዝተጠርጠራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ትሕቲ ቀይዲ፡ ተለቒቐን

ምስ ጉጅለ እስላማዊ-መንግስታዊ (ISIS) ርክብ ኣለወን ተባሂለን ብገበናት ናይ ኲናት ተጠርጢረን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትየን ዝጸንሓ ክልተ ደቀ ኣንስትዮ፡ ብናጻ ከምዝተሰናበታ Sveriges Radio ኣፍሊጡ። እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሓሙስ እየን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣትዋ ኮይነን። ካብ መንግስትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝተዋጽኡ ሰራሕተኛታት ብሓባር ብምዃን ነዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምስራቕ ሶሪያ ዝርከብ ናይ ኩርዳውያን ባዕሎም ንባዕሎም …

Read More »

ኩባንያ ኪያ (KIA)፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸራ መካይን ክምለሳ ይጽውዕ

ኪያ (KIA) ተባሂሉ ዝፍለጥ መካይን ዘፍርይ ዓቢ ኩባንያ፡ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ካብ ዘለዋ መካይን ብሰንኪ ኣብቲ ብንፋስ ዝተመልአ ናይ ሓደጋ መከላኸሊ ጎማታትት (airbags) ዝተረኣየ ጸገማት፡ እተን 410,000 ዝኾና መካይን ናብቲ ኩባንያ ክምለሳ ከምዝጸወዐ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ መጸዋዕታ ብኣውርኡ ነተን ፎርተ (Forte) ተባሂለን ዝፍለጣ ኣብ ዓመተ 2017ን 2018 ዝተሰርሓ ፍርያት ዝምልከት ከም ዝኾነ’ውን ተሓቢሩ’ሎ። እተን ሴዶና (Sedona) …

Read More »

ሩስያ፡ ኲናት ዩክሬይን ከም ዘይትደሊ ገሊጻ

ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንዩክሬይን ክትወርር ትኽእል እያ ብምባል መጠንቀቕታ ድሕሪ ምትሕልላፉ፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርጌይ ላቭሮቭ’ ምስ ዩክሬይን ዝኾነ ኲናት ከም ዘይደሊ ገሊጹ’ሎ። ላቭሮስ ብዓርቢ ንማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክረምሊን ምስ ኪዬቭ ኣብ ኲናት ክትኣቱ ድሌት ከም ዘይብላ እንተኾነ ግና እዚ ማለት ሩስያ ንጸጥታዊ ረብሓኣ ሸለል ክትብል እያ ማለት ተጌሩ ክውሰድ ከም …

Read More »

ሩዋንዳ፡ ምስ ኡጋንዳ ዘራኽባ ዶብ፡ ከፊታ

ሩዋንዳ፡ ምስ ኡጋንዳ ዘራኽባ ዶብ ካብ 2019 ጀሚራ ዓጽያቶ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ክትከፍቶ ምዃና ገሊጻ’ላ። ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ዝተኸስተ ምስሕሓብ፡ ኣብ ነቚጣታት ዶብ ጋቱና-ካቱና ዝግበር ዝነበረ ምልውዋጥ ኣቕሑን መገሻን ተቛሪጹ እዩ ጸኒሑ። እዚ ይዂንምበር፡ ብዓቐኑ ውሕድ ዝበለ ፍርያት ብ ችያኒካን ካጊቲምባን ኣቢሉ ክመሓላለፍ ምጽንሑ ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ …

Read More »

ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ኬንያ፡ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ

ኣብ ልዕሊ ኣብ ኬንያ ዝቕመጡ ዜጋታት ምዕራብ፡ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክግበር ከም ዝኽእል ሓበሬታ ከም ዝረኸበ ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ኬንያ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ፡ ዜጋታቱ ተወሳኺ ጥንቃቐታት ክገብሩን ምዕራባያን ብብዝሒ ዝረኣዩሉ ከባቢታት፥ ብፍላይ ድማ ኣብያተ መግቢ፥ ሱፐርማርኬታትን ዕዳጋታትን ናይሮቢ ቀንዲ ሸቶ እዚ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲታት ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኤምባሲታት ኔዘርላንድስ ከምኡውን …

Read More »

ሰደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ቱኒስያ፡ ጥሒሎም

ካብ ገማግም ቱኒስያ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝጐዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ጃላባኦም ብምግልባጣ ብውሕዱ 6 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 30 ዝኾኑ ድማ ሃለዋቶም ከም ዘጥፍኡ ተገሊጹ። 34 ካብቶም ስደተኛታት ብ ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ኣቢሎም ክድሕኑ ተጌሮም ኣለዉ። 70 ዝኾኑ ካብ ሃገራት ግብጺ፥ ሱዳንን ሞሮኮን ዝመጹ ስደተኛታት፡ ኣብታ ጃልባ ተጻዒኖም ምንባሮም እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ስደተኛታት፡ ካብ ሊብያ ተገፊዖም …

Read More »

ብስም ዞባ; ናይ ሓሶት ደብዳቤታት ተላኢኹ

ኣብዚ ሰሙን ዚ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዝምልከት ግጉይ ሓበሬታ ዝሓዘ ደብዳቤታት እንተወሓደ ናብ ሓደ ኣብ ሸለፍቲዮ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ከም ዝተላእከ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺቡ፡፡ ዋላ `ኳ እቲ ለኣኺ ካብ ዞባ ቨስተርቦተን እንተመሰለ፡ ሓሶት ምዃኑ ግን ተረጋጊጹ እዩ ክብል እቲ ማዕከን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ እቲ ብግልጺ ናብ ናይ`ቲ ከባቢ ርእሰ-መማህራንን ናይ ቤት-ትምህርቲ ኣለይቲ ሕሙማትን ብናይ`ቲ ዞባ ናይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com