Thursday , May 16 2024

ሓበሬታ

እቶም ክቕጽሉ ተባሂሎም ዘለው ቀይድታት ኮቪድ፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም

ሮቡዕ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ሽወደንን በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደንን ብዛዕባ እቶም ዘለው ቀይድታት ኣንጻር ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19 ኣመልኪቶም ንተወሳኺ 14 መዓልታት ከምዝተናወሑ ኣፍሊጦም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቶም ንዝመጹ ክልተ ሳምንታት ክጸንሑ ተመዲቦም ዘለው ቀይድታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም። እንድሕር እቲ ናይ መልከፍቲ ኩነታት ተማሓይሹ፡ እቶም ቀይድታት፡ ክሳብ ለካቲት 9 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ቀስ ብቐስ ክፏኸሱ እዮም። …

Read More »

ኣብ ሃገረ ጣልያን፡ ፕረዚደንት ክምረጽ ኣይተኻእለን ተባሂሉ

ባይቶ ሃገረ ጣልያን፡ ንሳልሳይ ግዜ ፐረዚደንት ንምምራጽ ዝገበሮ ፈተነ ክሳኻዓሉ ከምዘይከኣለ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት ሰርጂዮ ማታሬላ፡ ንኻልኣይ ዙር ፕረዚደንትነት ከገልግል ድሌት ከምዘይብሉ’ኳ ኣንተገለጸ፡ እቲ 80 ዝዓመቱ ሽማግለ፡ ካብቶም 1 ሽሕ ዝኾኑ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ጣልያን፡ 125 ብምርካቡ፡ እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ኮይኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ማሪዮ ድራጊ ብወገኑ፡ መዝነቱ ክቕይር ድሌት ከምዘለዎ …

Read More »

ኣመሪካ፡ ንጠለብ ሩስያ ነጺጋ

ሩስያ ንጐረቤታ ዩክሬይን ክትወርር ትክእል እያ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝሰፈነሉ ዘሎ እዋን፡ ኣመሪካ፡ ነቲ ዩክሬይን ኣባል ኔቶ ክትከውን የብላን ዝብል ጠለብ ሩስያ ነጺጋቶ። ብኻልእ ወገን፡ ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልዋላው ዩክሬይን ንምፍታሕ፡ ንሩስያ፡ ወግዓዊ መልሲ ከም ዝሃባ ድማ ተፈሊጡ። ብሊንከን፡ ንሩስያ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣመሪካ ዝኾነ ሕድገታት ከም ዘይትገብር እንተኾነ ሩስያ ክትስዕቦ ዝግባኣ ዲፕሎማስያዊ ጎደና …

Read More »

ኩርዳውያን ሓይልታት፡ ኣብ ከበባ ኣትዩ ዝነበረ ቦታታት፡ ተቖጻጺሮም

ብኲርዳውያን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዝርከብን ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ምሉእ ከበባ ዳዕሽ ኣትዩ ዝነበረን ቤት ማእሰርቲ፡ ዳግማይ ከም እተቘጻጸሮ ገሊጹ። ኣፈኛ ናይዚ ብኣመሪካ ዝሕገዝ ጥምረት ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ፡ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፡ ኲሎም እቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዓሪዶም ዝነበሩ ኣባላት ዳዕሽ ኢዶም ከም ዝሃቡ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣማኢት ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት፡ በዚ ከበባ …

Read More »

ኡጋንዳ . . . ሓደ በጻሒ፡ ብሓርማዝ ተቐቲሉ

ኣብ ኡጋንዳ፡ ናብ መካነ እንስሳ ዘገዳም ምብጻሕ ዝፍጽም ዝነበረ ቱሪስት፡ ካብ መኪናኡ ብምውራዱ ብሓርማዝ ተረጊጹ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ። እዚ ዜጋ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ በጻሓይ፡ ምስ ብጾቱ ብምዃን ኣብ ኣሩዋ ኣብ ዝርከብ መንጫዕጫዕታ ሃገራዊ ፓርክ ጸኒሖም፡ ዕረፍቲ ኣብ ዝወስዱሉ ዝነበሩ እዋን እዩ እቲ ድንገት ኣጓኒፍዎ። ዕስለ ሓራምዝ፡ ናብ መዋታይን ብጾቱን ሓደጋ ምስ ወደቕዎም፡ ፋሕ ኢሎም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን …

Read More »

ባይደን፡ ንሓንቲ ጸላም ኣመሪካዊት፡ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንኽትከውን ሓጽይዋ

ጆ ባይደን፡ ንሓንቲ ጸላም ኣመሪካዊት፡ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንኽትከውን ከም ዝሓጸያ ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ። እዛ ሓዳስ ተሰያሚት፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሰነ ጡረታ ክወጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሊበራላዊ ዳኛ፡ ስቲፈን ብራየር፡ ከም እትትክእ ተገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ብራያን፡ ናይ ጡረታ ውጥኑ ገና ብዕሊ ከም ዘይተረጋገጸ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። 51 ዓመት ዝዕድሜኣን ናይ ሚስተር ብረየር ክኢላ ሕጊ ዝነበረትን፡ ኬታንጂ ብራውን ጃክሰን፡ ነዚ …

Read More »

ናብ ትግራይ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ሓገዝ ቀይሕ መስቀል ኣትዩ

ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንመጀመርታ እዋን ሕክምናዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ምእታዉ ኣህጒራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ገሊጹ። እዚ ዓብዪን ተስፋ ዝህብን ምዕባለ እዩ ክብል ኣወሃሃዲ እቲ ኮሚተ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዘን ኣገደስቲ ኣፋውስ ዝጸዓና ነፈርቲ፡ ሎሚ ረቡዕ ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ፡ መቐለ፡ ምእታወንን ተወሰኽቲ ሓገዛት ብኣየርን ጽርግያን ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት ክኣቱ ምዃኑን እቲ ኮሚተ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ትግራይ ብሰንኪቲ መበል 15 ወርሑ ሒዙ …

Read More »

ስዑዲ ዓረብ፡ ምስ ታይላንድ ዝጸንሓ ምስሕሓብ ፈቲሓ

ስዑዲ ዓረብን ታይላንድን ብምክንያት ዝተሰርቁ ክቡራት ኣዕናቚን ቅትለታትን ን30 ዓመታት ዝጸንሐ ምስሕሓብ ምፍትሐን ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ፡ ፕራዩት ቻን-ኦቻ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ ምፍጻሙ፡ መርኣያ ምቕጻል ዲፕሎማስያዊ ርክባተን እዩ ተባሂሉ። ኣብ 1989 ሰራሕተኛ መስፍን ስዑዲ ዓረብ ዝነበረት ታይላንዳዊት ሰራሕተኛ ጽሬት 50 ካራት ኣልማዝ ካብ ቤቱ ምስራቓን ድሕሪ’ዚ ብርክት ዝበሉ ስዑዳውያን ሰብመዚ ኣብ ርእሰ ከተማ ታይላንድ ባንኮክ ምቕታሎምን ቀንዲ …

Read More »

ኣመሪካ፡ ንፑቲን ክትእገድ ከም እተኽእል ኣጠንቂቓ

ሩስያ ንዩክሬይን እንድሕሪ ወሪራ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ቭላደሚር ፑቲን፡ እገዳ ክትገብር ምዃና፡ ጆ ባይደን፡ ኣጠንቂቑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሩስያ ናብታ ካብ ዶባታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እትርከብ ሃገረ ዩክሬይን እንድሕር ወራር ፈጺማ፡ ኣብ ዓለምና ዝየድሊ ከቢድ ሳዕቤን ክወርድ ከም ዝኽእል፡ ባይደን፡ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሃገራት ምዕራብ፡ ሩስያ ወራር እንድሕሪ ፈጺማ፡ ከቢድ ዋጋ ከኽፍላ ከም ዝኽእል ኣብ …

Read More »

Harmony Media News 26/01/2022

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com