Monday , April 29 2024

ሓበሬታ

ማሊ . . . ሰራዊት ደንማርክ ካብ ሃገራ፡ ብህጹጽ ክወጽእ ሓቲታ

መንግስቲ ማሊ፡ ነቲ ኣህጒራዊ ግብረመልሲ ንግብረሽበራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ብዝብል ምስምስ ናብ ማሊ ዝኣተወ ሰራዊት ደንማርክ፡ ብህጹጽ ክወጹ ሓቲቱ። ኣብ ዓመተ 2020 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ እዞም 90 ዝኾኑ ሰራዊት ደንማርክ ብዘይ ፍቓድ እታ ሃገር ምእታዎም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ብህጹጽ ክለቁ ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ’ሎ። ደንማርክ ብወገና፡ ምስ ኣብ ርእሰ ከተማ ማሊ፡ ባማኮ፡ ዝርከብ መንግስቲ ብዛዕባዚ ጒዳይ መብርሂን ንምሃብ …

Read More »

ዋንጫ ኣፍሪቃ . . . ኣብ ስታድዬም ካሜሩን ብዘጋጠመ ጽቅጥቅጥ፡ ሰባት ይሞቱ

ኣብ ስታድዬም ካሜሩን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ፡ ብውሕዱ 8 ሰባት ምሟቶምን ብዓሰርተታት ዝቚጽሩ ድማ ከም እተጐድኡን ተገሊጹ። ኣብ ርእሰ ከተማ ካሜሩን፡ ያውንዴ፡ ኣብ ዝርከብ ፖል ቢያ ስታድዬም ንምእታው፡ ሰባት ክጸቓቐጡ ዘርኢ ናይ ቪድዮ ምስሊ ተፈንዩ’ሎ። ብሰንኪ እዚ ትራጀዲ ካብ ዝሞቱ ሰባት ሓደ ህጻን ምዃኑ ንሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ AFP ጸብጺቡ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ካልኦት ህጻናት …

Read More »

ሱዳን . . . ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፡ ብሰኑይ መዓልቲ፡ ናብ ጽርግያታት እታ ርእሰ ኸተማ፡ ኻርቱምን፡ ካልኦት ከተማታትን ብምውጻእ ኣንጻር እቲ ቅድሚ 3 ኣዋርሕ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወታሃደራዊ ጁንታ ተቓውሞ ኣስሚዖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ነቶም ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ናይታ ከተማን ኣብ ዙርያ እቲ ብሓለዋ ተሓጺሩ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን፡ መንብዒ ጋዝ ከም ዝተኮሱ ተፈሊጡ። ኣብ …

Read More »

ኣብ ሓደ ናይ ጀርመን ዩኒቨርሲቲ ብዘጋጠመ ተዂሲ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ

ሓደ ወዲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ መንእሰይ፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ሄይደልበርግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዩኒቨርሲቲ ብዝኸፈቶ ተዂሲ፡ እንተወሓደ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ መንእሰይ፡ “ሰባት ክቕጽዑ ይግባእ” ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ዝሰደደ ኮይኑ ብድሕሪኡ ህይወቱ ከም ዘጥፈአ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ንውልቁ ዝነበረ ብዓል ጠበንጃ፡ በታ ሒዝዋ ዝነበረ ብረት ኣብ ውሽጢ እቲ መምሃሪ ኣዳራሽ ናይቲ ኣብ ደቡባዊ- ምዕራብ …

Read More »

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብ ሃገራ ንምእታው ዝጥለቡ ሕግታት ተፏኽስ

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክትባት ንዝወሰዱ ገያሾ፡ ናብ ሃገራ ክኣትዉ ከለው ከማልእዎም ዝግባኦም ዝነበሩ ሕጊታት ከተፏኽስ ምዃና ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቶም ክታበት ዝወሰዱ ገያሾ ናብታ ሃገር ካብ ዝኣተውሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ ክልተ ማዓልታት ኣንጻር ኮቪድ-19 ቅልጡፍ መርመራ ምግባር ዘድልዮም ኮይኑ፡ ነቶም ዘይተኸተቡ ገያሾ፡ ናብታ ሃገር ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን ብዛዕባ ዝምልከቱ ሕግታት ግና እንዳጠበቑ …

Read More »

ቆልዑት ብገመድ ተኣሲሮም . . . ናይ ሓጺር እዋን መዕቆቢ ኣባይቲ፡ ተሪር ነቐፌታ ዘኒብዎም

ኣብ ስሞላንድ፡ ንሓጺር እዋን ከም መዕቆቢ ገዛ ኮይኖም ኣብ ዘገልግሉ ዝነብር ዝነበረ ሓደ ኣካለ ስልንኩል ቖልዓ፡ ብተደጋጋሚ እእዳዉን ኣእጋሩን ይእሰር ከምዝነበረ ተቓሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ጉዳይ፡ ካብ ተቆጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ ሓልዮትን (Health and Social Care Inspectorate- Ivo) ተባሂሉ ካብ ዝፍለጥ ትካል ዓቢ ኣተኩሮ ረኺቡ ምህላውን እዚ ትካል ነዚ ኣመልኪቱ ተሪር ወቐሳታት ከምዘመሓላለፈን ስሞላንድስ-ቲድኒንየን ዝባሃል …

Read More »

ኣንደርሶን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡ ዓብላልነት ኣመዝጊባ ተባሂሉ

ቐዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳሊን ኣንደርሶን፡ ካብቶም ኣብ መወዳእታ ርብዒ ናይ ዓመተ 2021፡ ኣብ ዜና ይኹን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብብዝሒ ናብ ሜድያ ካብ ዝቐረቡ መራሕቲ ሰልፊታት እቲ ዓብላሊ ተራ ከምዝነበራ፡ ካንታር ሲፎ (Kantar Sifo) ዝባሃል ትካል ንስቫሪየስ ራድዮ ኢኮት (Sveriges Radio Ekot) ዘዳለዎ መዐቀኒ ናይ ሚድያ (The Media Meter) ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።  እቲ ኣብ ዜናታት ዝተራእየ ዓብላልነት፡ ክሳብ ሕጂ ካብ …

Read More »

Harmony Media News 24/01/2022

Read More »

መንግስታውያን በዓል መዚታት፡ ዘይሕጋውያን ናይ ጽሬት ኩባንያታት ይቖጽራ ኣለዋ ተባሂሉ

ልዕሊ 10 ዝኾኑ መንግስታውያን በዓል መዚታት፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት፡ ነቲ ኤሊየንስ ኣክት (Alien’s Act) ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ ዝጥሕሳ ናይ ጽሬት ኩባንያታት ቆጺረን ስራሓተን ከም ዘሰላስላ፡ SVT ኣቃሊሑ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓደ ካብዚኦም፡ ሃገራዊ ቦርድ ንብረት (National Property Board፡  SFV) ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ሽወደን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ቆጺሮም ከምዘስርሑ ዝፍለጡ ክልተ ኩባንያታት …

Read More »

ሓንቲ ጋዜጠኛ፡ ንኡርዶጋን ‘ብምጽራፋ’ ተኣሲራ

ሓንቲ ቱርካዊት ጋዜጠኛ፡ ንፕረዚደንት ሬሴፕ ጠይብ ኡርዶጋን፡ ኣብ ናይ ቴለቪዥን መደብ ‘ጸሪፍክዮ’ ብዝብል ክሲ ከምዝተኣሰረት ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። “ዘውዲ ዝደፍአ ርእሲ ጥበበኛ ይኸውን ዝብል ብሂል ኣሎ፡ ይኹን እምበር እዚ ሓቂ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን” ክትብል ሴዴፍ ካባስ ዝተባህለት ውርይቲ ናይ ቴለቪዥን ጋዜጠኛ ንቴለ 1 ሓቢራ። ብዕራይ ናብ ቤተ-መንግስቲ ስለዝኣተወ ንጉስ ኣይከውንን’ዩ፡ እቲ ቤተ-መንግስቲ ደኣ ናብ ዛሬባ ይቕየር እምበር። ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com