Monday , May 6 2024

ኢመግረሽን

ለበዳ ኮሮና ብንጹር ምጒዳል ኣርእዩ ተባሂሉ። 

ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን ምጒዳል ምርኣዩን ቊጽሪ ኣብ ሆስፒታል ዝሕከሙ ግዳያት ድማ እናንቈልቈለ ምምጽኡን ተገሊጹ።  እዚ ምጒዳል ኣዝዩ ብንጹር ዝረአ ምዃኑ ክኢላ ሕማማት ለበዳ ኣንድርስ ተግኔል ኣብ ቤትጽሕፈት ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።  እዚ ምጒዳል ሕማም ኮሮና እተኸስተሉ ቀንዲ ምኽንያት ሰባት ይኽተቡ ብምህላዎም ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት፥ ምኽታብ ለበዳ እዚ ሕማም ከም ዝንኪ ብንጹር ከም ዘርኢ ኣስሚሩሉ። …

Read More »

መራሕቲ ሰልፊታት ኣብ ሰሙን ዲጂታል ያርቫ መደረ ኣስሚዖም።

ሎሚ ሰሙን ያርቫ ክጅመር እዩ። እዚ ኣኼባ ብመሰረቱ ብዛዕባ ፖለቲካ ኮይኑ ሰባት ብኢንተርነት ብቐጥታ ክከታተልዎ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ኣኼባ መራሕቲ ሰልፊ መደረታት ከስምዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ጒዳያት ከኣ ዘተን ክትዓትን ክህሉ እዩ። ሰሙን ዠርቫ ኣብ ስቶልሆልም ዝካይድ ናይ ስፖርት ኣጋጣሚ እዩ። ኣብዚ ዓመት ግና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ኲሉ ብዲጂታላዊ ኣገባብ እዩ ክሳልጥ። “ነዚ ኲነታት ዝበለጸ ዝገብሮ ዝበዝሑ ሰባት ክከታተሉና ዕድል …

Read More »

ኣብ ገማግም ሊብያ፡ ሬሳ ህጻናትን ኣንስትን ከንሳፍፍ ተራእዩ

ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም፡ ናብ ኣውሮፓ ክሰግሩ ዝፈተኑ ሰባት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሞይቶም እናንሳፈፉ ዘርኢ ስእሊ ምርካቡ “ፕሮኣክቲቫ ኦፐን ኣ’ምስ” ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ገሊጹ። ሬሳታት ህጻናትን ኣንስትን ኣብ ሑጻን ገማግምን እቲ ባሕሪ ብብዝሒ ከም እተረኽቡ’ውን ኣመልኪቱ። ኣብ 2021 ጥራይ 630 ስደተኛታት ኣብ ማእከል ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝሞቱ ዘመልከተ ድማ IOM እዩ። ኣብ 2020 ምስ ዝሞቱ 289 ሰባት ብምንጽጻር ድማ ናህሪ ወሰኽ …

Read More »

ሃገረ ዴንማርክ: ሕቶ ዕቚባ ሶርያውያን: ትነጽግ

ዝሓለፈ ወርሒ: ሃገረ ዴንማርክ: ፍቓድ መንበሪ ናይ 200 ሶርያውያን ብምስራዛ: ካብ ሓገግቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት: ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጒጅለ ሰብኣዊ መሰላትን ኲነኔ ከም ዝበጽሓ ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋን: ገለ ክፋል ሶርያ ካብ ዕግርግር ናጻ ስለዝኾነ ሓተትቲ ዕቚባ ናብ ዓዶም ክምለሱ ይኽእሉ እዮም: ክብሉ ሰብመዚ ኮፐንሃገን ገሊጾም ኣለዉ። ነዚ ውሳነ ንምቅዋም ኣክቲቪስታትን ጒጅለታት ማሕበረ ኮምን ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ዴንማርክ ሰልፊ …

Read More »

Harmony Media. News 17 May 2021.

Read More »

ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ናብ ስፓኛዊት ሴውታ (Ceuta) ገጾም ይሕንብሱ

ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ካብ ሞሮኮ ተበጊሶም ናብ ስፓኛዊት ሴውታ እናሓንበሱ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብበዓል መዚ እቲ ከባቢ ድሕሪ ምድሓኖም፡ ክንክን ክግበረሎም ክኢሉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። መብዛሕትኦም ዝሰግሩ ዝነበሩ፡ ብዕድመ ናእሽቱ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ምንባሮም ወሃብ ቃል መንግስቲ ስፓኛ ገሊጹ። ገሊኦም መንሳፈፊ ካላማዳርያ ዝሓዙ ክኾኑ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ናይ ፕላስቲክ ጀላቡ ዝሓዙ ምንባሮም …

Read More »

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት: ናብ ደሴት ኢጣልያ: ላምፔዱሳ: ኣትዮም

ትማሊ ሰንበት: ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ከም ዝኣተዉ: ጸብጻባት ውሽጣዊ ሚድያ ዓዲ ጥልያን ገሊጾም። ሓንቲ ጃልባ ጥራይ ክሳብ 400 ሰብኡት: ደቀንስትዮን ቆልዑን ጽዒና ምንባራ: ኣንሳ ዝተባህለ: ኣገልግሎት ዜና ኢጣልያ ሓቢሩ። ካልኦት ጀላቡ እውን ኣብ ማልታ ከም እተራእያን ናይ ርድኡና ጥሩምባ ከም ዘስምዓን ተገሊጹ። ከንቲባ እታ ደሴት: ቶቶ ማርቴሎ: ምምጻእ ስደተኛታት ምስ ጽቡቕ ኲነታት ኣየር ከም ዝሳነ …

Read More »

Harmony News 30-04-2021

Read More »

ኬንያ ኣብ ዝመጽእ ዓመት: መዓስከር ስደተኛታት: ክትዓጹ ምዃና ገሊጻ

እዚ ዝተባህለ ኣብ መንጐ ፕረሲደንት ኬንያታን ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ድሕሪ እተገብረ ርክባት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዘን መዓስከራት ልዕሊ 400 ሽሕ ስደተኛታት ከም ዝቕመጡ ይፍለጥ። ዝበዝሑ ካብዞም ልዕሊ 400 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቚባን ካብ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ምዃኖም ይፍለጥ። “ኣብዘን መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብኸመይ ክተሓዙ ኣለዎም ዝብል መርሓ መንገዲ ንምትላምን ንምስላጥን ሓደ ናይ ሓባር ጒጅለ ከቑሙ ምዃኖም ድማ …

Read More »

Harmony Media ዜና መጽሔት 29 ሚያዝያ 2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com