Monday , May 6 2024

ኩነታት ኣየር

ኣብ ከባቢ ስቶኮልምን ኡፕላንድን ሓይል በርድ ክወርድ ሙዃኑ ይሕበር

ጹባሕ ባዓል ልደት ኣከባቢታ ስቶኮልምን ኡፕላንድን ብ ደርጃ ቀዳማይ ዝስራዕን ስጋብ ካብ 5- 10 ሴሜ በርድ ክወርድ ሙዃኑ መዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ መጥንቀቕታ ሓዘል ሓበሬታ ገሉጹ። እዚ በዓል መዚ ብምውሳኽ ብብዝሒ ምንሽርታት ከጋጥም ስለ ዝኽእል መርሕቲ መኻይን ዝያዳ ጥንቃቐ ከዘውትሩ ኣተሓሳሲቡ።

Read More »

ሎሚ 21 ታሕሳስ እታ ዝነውሔት ጸልማትን ለይትን ኣብ ሽወደን።

ብመስረት ስርዓት ዑደት ዓለምና ኣብዛ መዓለትን ወርሕን ዑደት መሬትና ካብ ደቡባዊ ክፋል ዓለም ናብ ሰሜናዊ ክፋል ትጋዓዘሉ እዩ። በዚ መስረት ሎሚ ዕለት 21 ታሕሳስ ሰዓት 1፡02 እታ ዝሓጸረት መዕላትን ዝነውሔት ጸልማትን ለይቲን ኣብ ሽወደን ኮይና ትምዝገብ። ነቶም ብርሃን ዝናፈቕኩም ብፍላይ ኣብዚ ሰሜናዊ ክፋል ዓለም ንነብር ካብ ናብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ እንዳበርሄ ክኸይድ እዩ።

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ Sverige Nyheter på Tigrinja 02 11 2020

Read More »

ብሰንኪ ምንሽርታት ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፡ 6 ሰባት ቆሲሎም

ኣብ ሰሜን ሽወደን፡ ኪሮና፡ ሸውዓተ ሰባት ጽዒና እትጓዓዝ ዝነበረት መኪና፡ ብሰንኪ በረድ ዘጋጠማ ምንሽርታት፡ ሓደጋ ከምዝገበረት፡ ኣብ መትና ዝነበሩ 6 ሰባት ከምዝቖሰሉን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን SVT ሓቢሩ። እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብጣዕሚ ሓደገኛ ምንባሩን እታ መኪና ድሕሪ ምንሽርታታ፡ ካብ ጽርግያ ወጺኣ ምስቲ ኣብ ገምገም ጽርግያ ዝነበረ ኣኻውሕ ከምተጋጨወት ሓላፊ ኣገልግሎት መድሕን፡ ኦልፍ ባክማን፡ ሓቢሩ። ኣብቲ ቦታ ሓደጋ፡ ኣገልግሎት መድሕን፡ ፖሊስ ትራፊክ፡ …

Read More »

መጠንቀቕታ ካብ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን

ጽባሕ ሰሉስ፡ ኣብ ምምሕዳራት ዮምትላንድ፡ ቬስተርኖርላንድ፡ ያልቬሪቦሪ፡ ዳርላና፡ ቬርምላንድ፡ ኦረብሮን ቪስትማላንድን፡ ውርጪ (Snöstormar)፡ ክወርድ ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን ናይ ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ከምዘመሓላለፈ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ኣብ ሴሜናዊ ክፋል ሽወደን ዝርከባ ምምሕዳራት ዝወርድ ውርጪ፡ ካብ 5 ክሳብ 15 ሴንትሜተር ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ ክእክብ ከምዝኽእል፡ ኣብ ቪስትማላንድን ኦረብሮን ግን እቲ ውርጪ፡ ካብ 2 ክሳብ 5 ሴንትሜተር ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ ክህልዎ …

Read More »

ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን ክፋል ሽወደን፡ ሓያል ህቦብላ ከህሉ ከምዝኽእል መጠንቀቕታታት ተመሓላሊፎም

ሎሚ ረቡዕ፡ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ሽወደን፡ ሓያል ህቦብላዊ ንፋስ ክህሉ ከምዝኽእል መጠንቀቕታታት ከምዝተመሓላለፉን ኣብ ጎትላድ ዝግበር ናይ መርከብ ጉዕዞታት ከምዝተሰረዙን ተሓቢሩ። ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ሽወደን (SMHI)፡ ኣብ ሰሜን ባሕሪ ባልቲክ፡ ክሳብ 22 -23 ሜትሮ ኣብ ሓደ ካልኢት ክሕንበብ ዝኽእል ቀዳማይ ደረጃ ዝኾነ ህቦብላ ክነፍስ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ቀዳማይ ደረጃ ተባሂሉ ዝፍለጥ ህቦብላዊ ንፋስ፡ ንናእሽቱ መዘናግዒ ጀላቡን ናእሽቱ ናይ ጽዕነት …

Read More »

ኩባንያ ፕሪም፡ ናይ ምስፍሕፋሕ መደባቱ ኣቋሪጹ

ኩባንያ ፕሪም (Preem)፡ ኣብ መጻረይ ነዳዲ ሊሰሺል (Lysekil) ንኽፍርዮ መዲብዎ ዝነበረ ናይ ነዳዲ መደቡ ከቋርጾ ከም ዝወሰነ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ኩባንያ ፕሪም፡ ነዚ ውሳኔ ምምሕልላፉ፡ ኣብ ንግዳዊ ዳኣ እምበር ኣብ ፖለቲካዊ ረቛሒታት ዝምርኮስ ኣይኮነን ክብል ገሊጽዎ። ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ንቑጠባ ዓለም ብኣሉታ ጸልይዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ንፍርያት ነዳዲ ውን ብኡ መንጽር ጸልይዎ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኩባንያ ፕሪም ድማ ነቲ መዲብዎ ዝነበረ ፕሮጀክት …

Read More »

ምምሕዳር ዮምትላንድ፡ ናይ መጀመርያ በረድ ናይዚ ወቕቲ ተአንግድ

ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ምምሕዳር ዮምትላንድ ዝርከብ ከባቢ ስቶርሊየን (Storlien)፡ 1 ሴንቲ ሜትር ቀጻላ ዘለዎ ናይ መጀመርያ በረድ ናይዚ ወቕቲ፡ ከምተራእየ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ምምሕዳር ሄሪዳለን ዝርከብ ከባቢ ተንዳለን (Tänndalen) ውን በረድ ከምዝወረደ ተሓቢሩ። በረድ ብምውራዱ ሑጉሳት ኢና፡ ንክረምቲ ውን ክንዳለወሉ ኢና ክብል ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓንቲ ኣብ ተንዳለን እትርከብ መደበር መንሸራተቲ በረድ፡ ራስሞስ ቤንት፡ ሓቢሩ።  

Read More »

ግሬታ ቱምበሪ ናብ ኣፍደገ ፓርላማ ሽወደን ተመሊሳ

ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ታቤላ ሒዛ ደው ዝበለትሉ ከባቢ ሚንቶሬት፡ ስቶክሆልም፡ ዝርከብ ህንጻ ፓርላም ሽወደን፡ ግሬታ ቱምበሪ፡ ተቓውሞኣ ንምቕጻል ተመሊሳ ከምዘላ ምንጭታት ሓቢሮም። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ዝጅምር፡ ቱምቤሪ፡ ተቓውሞኣ ብመንገዲ ኢንተርኔት ሰሙናዊ ብቐጥታ ተመሓላልፍ ከምዝጸነሐት ይዝከር። ሎሚ ዓርቢ ኣብ ናይ ኢንስተግራም ሒሳባታ  “መበል 106 ሰሙን ምሕሳም ትምህርቲ። ናብ ኣፍደገ ፓርላማ ሽወደን ናይ ምምላስ እዋኑ ኣኺሉ” ክትብል ከምዝጸሓፈት ተፈሊጡ ኣሎ። ቱምቤሪ፡ …

Read More »

ግሬታ ሱንበሪ ን ኣንጀላ መርከል ጸቕጢ ትገብር

ቻንስለር ጀርመን፡ ኣንጀላ መርከል፡ ንግሬታ ሱንበሪ ኣብ በርሊን ተቐቢላ ኣዘራሪባታ። እቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ነቲ ብፍራይደይስ ፎር ፊዩቸር “Fridays for future” ዝተባህለ ብግሬታን ዝተበገሰ ምንቅስቓስ፡ ዛዕባ ዝገበረ ምንባሩን፡ ነዛ ጓል 17 ዓመት ተቐቢላ ምዝርራባ፡ መርኬል፡ ሕጉስቲ ምንባራ ገሊጻ። ኣብቲ ርክብ፡ ካልኦት ካብ ጀርመንን ቤልጅምን ዝመጹ ብዕድመ ናእሽቱ ዝኾኑ ተሓለቕቲ ክሊማ ከምተረኽቡ  ተሓቢሩ። ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ኣመልኪቶም፡ ኤውሮፓውያን መንግስታት፡ ስጉምታት ንኽወስዱ ብዙሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com