Sunday , April 28 2024

ኩነታት ኣየር

ምዕራብ ኣውስትራልያ፡ ብማዕበል ይናወጽ

ትሮፒካዊ ማዕበል ሰሮጃ፡ ናብ 1000 ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ መሬት ምዕራብ ኣውስትራልያ ብምሽባብ ጒድኣት ከም ዘውረደ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተመደበ ማዕበል ንፋስ ዘኸተሎ ምጒሳዕ ውቅያኖስ፡ ኣብ ከተማ ካልባሪ ከም ዘጋጠመ እውን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ማዕበል፡ 170 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት እናተሓንበበ ዝዝርጋሕ ምጒሳዕ ውቅያኖስ ከም ዘኸተለ ድማ ሓቢሩ። እቲ ማዕበል፡ ድሒሩ ህድእ እኳ እንተበለ፡ ሓያል መሸንቦባ ንፋስ …

Read More »

በዓል መዚ ሜትሮሎጂ፡ ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ የመሓላልፍ

ሎሚ ኣብ እዋን ቀትሪ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ሽወደን፡ ውርጪ ዝተሓወሶ ሓያል ህቦብላ ክነፍስ ተኽእሎታት ከምዘሎ ካብ በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን መጠንቀቕታ ምምሕልላፉ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ህቦብላ፡ ኣብ ስሜናዊ ክፋል ሽወደን፡ ኣብ ኖርቡተን ዝርከብ ሂንተርላንድ፡ ኣብ ገማግም ዝርከባ ወረዳታት ናይ ምምሕዳራት ቬስተርቦተንን ቬስተርኖርላንድን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን ድማ፡ ኣብ ከባቢ ኦረብሮ፡ ኦስተርጎትላንድ፡ ሰሜን ቬስተርጎትላንድ፡ ቦሁስላንን ዮተቦሪን ክነፍስ ትጽቢት ይግበር። …

Read More »

ቻይና፡ ካብ ኣገዳሲ ኣኼባ ክሊማዊ ለውጢ፡ ተቡክር

ቻይና ካብታ ብብሪጣንያ እተዳለወን ብኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ዝንገረሉ ልዝብ ክሊማዊ ለውጢ ከም ዝቦኸረት ቢቢሲ ሓቢራ። ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘተ ኪሊማዊ ለውጥን ልምዓትን፡ ካብ 35 ሃገራት እተዋጽኡ ሚኒስተራት ክሳተፉ እዮም። ኣብዚ ኣኼባ ኣመሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፥ ህንዲን ካልኦትን እናተሳተፋ ቻይና ምብኳራ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ። ቻይና ኣብዚ ኣኼባ ንኽትሳተፍ ብኽብሪ እኳ እንተተዓደመት ኣብኲራ ኣላ ክትብል ብሪጣንያ ሓቢራ’ላ። ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ …

Read More »

ኢማራት ዓረብ፡ ዝናብ ንምምንጫው ትፍትን

ሃገረ ኢማራት ዓረብ፡ ዝናብ ንምምንጫው፡ ኣብ ብራኸ ደበናታት ዝበራ ድሮን ኣዳልያ ኣላ። ኢማራት ብዘይካ’ዚ መደብ፡ ፕሮጀክት ሕርሻ ደበና፡ ብምጥቃም ውን ትፍለጥ እያ። እዚ ድማ ጨው ናብ ደበናታት ብምዝራእ ዝናብ ዝቀላጠፈሉ ካልእ ኣገባብ እዩ። ሃገረ ኢማራት፡ ዓመታዊ እትረኽቦ መጠን ዝናብ እናንቈልቈለ ክመጽእ ምጽንሑ ቀንዲ ድርኺት እዚ ፕሮጀክት እዩ ክብል ቢቢሲ ጸብጺቡ’ሎ። እዛ ሃገር ኣብ ዓመት ብማእከላይ ገምጋም 100 ሚሊሜትር ዝናብ ጥራይ …

Read More »

ተወሳኺ መጠን ውርጪ፡ ናብ ደቡብ ሽወደን፡ ገጹ ክንቀሳቐስ እዩ ተባሂሉ

በዓልመዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን፡ ኣብ ደቡብ ሽወደን፡ ስኮናን ብለኪንየን፡ ከጋጥም ዝኻእል  ዝበሎ ውርጪን ብርቱዕ ንፋስን ኣመልኪቱ ሎሚ ሰሉስ ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ምውጽኡ ማዕከን ዜና TT ሓቢሩ። ካብ ደቡብን ደቡባዊ ምዕራብን ባሕሪ ባልቲክ ብርቱዕ ውርጪ ኣሎ ክብል ክኢላ ሜትሮሎጂ ኡልሪካ ሰይፈርት ገሊጻ። እዚ ውርጪ ኣማስዩ ናብ ስኮናን ብለኪንየን ክንቀሳቐስ እዩ ድማ ኢላ። እዚ ውርጪ ካብ 10 ክሳብ 20 ሴንት ሜትር ርጉዲ ክህልዎ …

Read More »

ካብ ስቶክሆሎም

Read More »

ስእልታት ስቶክሆልም

Read More »

ኣብ ስቶክሆሎምን ደቡባዊ ክፋል ሽወደንን፡ ልዑል መጠን በረድ ክወርድ ምዃኑ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ

ሎሚ ሓሙስ፡ ኣብ ካልማር፡ ኦስተርዮትላንድ፡ ሶደርማንላንድን ስቶክሆሎምን ልዑል መጠን በረድ ክወርድ ምዃኑን ኣብ ስቶክሆሎም ድማ እቲ ኩምራ በረድ ክሳብ 20 ሴንቲሜተር ዝበጽሕ ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ ክፈጥር ከምዝኽእል በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኩምራ በረድ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ሴ.ሜ. ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ  ብምፍጣሩ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ናይ ተሽከርከርቲ፡ ከቢድ ጸገም ፈጢሩ ምጽንሑ ይዝከር። ስለዚ፡ መኪና ትመርሑ ሰባት፡ ናይ ምንሽርታት ሓደጋ …

Read More »

ካብን ናብን ዮምትላንድ ዝግበር ምንቅስቓስ ናይ ባቡር፡ ካብ ረቡዕ ምሸት ክሳብ ዓርቢ ከቋርጽ ምዃኑ ተፈሊጡ

ካብን ናብን ዮምትላንድ ዝግበር ምንቅስቓስ ናይ ባቡር፡ በረድ ዝዓብለሎ ህቦብላ ክነፍስ ከምዝኽእልን ኣብ ደቡብ ኖርላንድ ድማ ገዚፍ መጠን በረድ ክወርድ ከምዝኽእልን ገምጋማት ሓበሬታ ኩነታት ኣየር ብምግላጹ፡ ካብ ረቡዕ ምሸት ጀሚሩ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ከቋርጽ ምዃኑ ኩባንያ መጓዓዝያ ባቡራት SJ ሓቢሩ። እዚ ውሳኔ፡ ነተን ኣብ እዋን ቀትርን ምሸተን፡ ካብን ናብን ከተማ ስቶክሆልም ዝንቀሳቐሳ ባቡራት ዝምልከት ምዃኑ ተሓቢሩ። ብዛዕባ ኣብ …

Read More »

ጽባሕ ዓርቢ፡ “ሃገራዊ መዓልቲ በረድ” ሽወደን ተባሂሉ ክስመ ይክእል እዩ

ኣብዚ ቅንያት፡ ሽወደን፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝነፈሰ በረድ ዝዓብለሎ ህቦብላ፡ ቤት ትምህርታት ስረሐን ከቛርጻን መስመራት መጓዓዝያ ክዕገትን ድሕሪ ምርኣይ፡ ጽባሕ ዓርቢ ድማ፡ ኣብ መላእ ሽወደን በረድ ክወርድ ምዃኑ ክኢላታት ኩነታት ኣየር ይእምቱዩ። ኣብ መላእ ሽወደን፡ ብርቱዕ ዛሕሊ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ይረአ’ ኴ እንተሃለወ፡ ትማሊ፡ ኣብ ናቶቮራ (Nattavvara)ን ኖርቦተንን ግን መጠን ዛሕሊ -390C ምብጽሑን እዚ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ወቕቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com