Saturday , May 4 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ኣስትሪድ ዝብል ስም ኣዝዩ ተፈታዊ ስማ ኣዋልድ ይኸውን ኣሎ።

ኣስትሪድ ዝብል ስም ብዝበዝሑ ወለዲ ይምረጽ ኣሎ ተባሂሉ። ኣቐድም ኣቢሉ ን ኣስታት 6 ዓመታት ኣዝዩ ተፈታዊ ዝነበረ ስም ኣሊስ ዝብል እዩ ኔሩ–ብመሰረት ስታቲስቲክስ ሽወደን። ን ኣወዳት ቆልዑ ኸኣ ኒልስ ዝብል ስም ንዊልያም ብምትካእ እቲ ኣዝዩ ፍቱው ስም ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ። እዚ ስም ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኦሊምፒስ ክልተ ናይ ወርቂ መዳልያ ምስ እተዓወተ ኒልስ ቫንደር ፖል ምትሕሓዝ ክህልዎ ከም …

Read More »

ምስ ሃገራት ኖርዲክ ብምውድዳር ሽወደን ኣብ ጒዳይ ብልሽውና ኣብ ዝተሓተ ተርታ ምህላዋ ተገሊጹ።

ኣብ ጒዳይ ብልሽውና፡ ሽወደን ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ኣብ ዝተሓተ ተርታ ምህላዋ ተገሊጹ። “ትራንፓረንሲ ኢንተርናሽናል” ዝተባህለ ውድብ ኣብ ህዝባዊ ጽላት ዘሎ መጠን ብልሽውና ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ተርታ፡ ሽወደን ኣብ ዓለምና ካብተን ዝተሓተ መጠን ብልሽውና ዝረኣየለን ሃገራት ኢሉ’ኳ እንተሰመያ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኖርዲክ ግና ዝተሓተ ደረጃ ምሓዛ ተፈሊጡ። “ሽወደን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ምህላዋ ዘተሓሳስብ እዩ” ክትብል ኣደመንበር “ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ሽወደን” ኡልሪክ ኣሽቩድ …

Read More »

ሽወደን፡ ሕማም “ኮቪድ-19” ንፈለማ ግዜ ካብ ዝርከብ ሕጂ ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ።

ኣብ ጥሪ 2020 ኣብ ዮንሾፒን ሕማም ኮቪድ-19 ንፈለማ ግዜ ካብ ዝርከብ፡ ሕጂ ሳልሳይ ዓመቱ ምሓዙ ተገሊጹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ቫይረስ ስግኣት ከም ዘይፈጥረላ፡ ምስቲ ሕማም ብኸመይ ከም እንነብር እውን ልምዲ ተጠርዩ ምህላዉ፡ ኣብ ዮንሾፒን ሓኪም ሕማማት ለበዳ ማሊን በንገር ገሊጻ’ላ። “እዚ ሓድሽ ጅር ን ባህርያዊ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ኣብ ምትላል ጽቡቕ ብቕዓት ኣለዎ። በዚ ድማ’ዩ ሓደ ሰብ ቅድሚ ሕጂ …

Read More »

ፊንላንድን ሽወደንን ኣዝዩ ብዙሕ ሓባራዊ ረብሓታት ዘለወን ሃገራት እየን ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ቱርክ ጠይብ ዔርዶጋን፡ ንሽወደን ብምንጻል ፊንላንድ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክትከውን ተኽእሎ ምህላዉ ገሊጹ። እንተኾነ ግና፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ፊንላንድ ክልቲአን ሃገራት ብሓደ ግዜ ኣባላት ኔቶ ክኾና ድሌት ኣለዎም ዝብል ምርዳእ ከም ዘለዋ፡ ኣብ ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ፊንላንድ ኣባል “ድሕረ-ዶክተራዊ” መጽናዕቲ ኢሮ ሰርካ ገሊጻ። “ፊንላንድን ሽወደንን ኣዝዩ ብዙሕ ሓባራዊ ረብሓታት ዘለወን ሃገራት እየን” ኢላ’ላ–ኢሮ ሰርካ።

Read More »

ኣመሪካ F-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ናብ ዩክሬይን ከም ዘይትልእኽ ገሊጻ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ “F-16” ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ናብ ዩክሬይን ከም ዘይልእኽ ገሊጹ። ሰብመዚ ዩክሬይን ኣመሪካ ሓገዝ ምክልኻል ኣየር ክትገብረሎም ኣብ ዝሓትሉ ዘለዉ እዋን እዩ፡ ባይደን ነዘን ነፈርቲ ከም ዘይልእከን ሓቢሩ ዘሎ። ንሱ፡ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት፡ “ኣመሪካ ን ዩክሬይን F-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ብሓገዝ ክትህብ ድያ” ብምባል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ብንጹር “ኣይፋል” ዝብል መልሲ ሂቡሉ’ሎ። ምስ ወናኒት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝኾነ ሩስያ …

Read More »

ናይ ዓሎቕ ወንጀል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣዝዩ ይውስኽ።

ሽማግለታትን ስንኲላንን ግዳይ ዝገብር ናይ ዓሎቕ ወንጀል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብ 80% ምውሳኹ ካብ ፖሊስ ሸወደን እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ዝበዝሐ ካብዚ ዓሎቕ፡ ሰባት ዘይኮንዎ መሲሎም ብምቕራብ ካብ ካልኦት ሰባት ገንዘብ ብምውሳድ ዝፈጸምዎ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብፍላይ ድማ ፖሊስ፡ ሰራሕተኛ ባንክን ዘመድን ተመሲሎም ናብ ሰባት ብምቕራብ ገንዘብ ከም ዝወሰዱ እቲ ኣሃዝ ኣመልኪቱ።  ግዳያት ምትላል ዝኾኑ ዓማዊላ ናብ ከምዚ ዝበለ መጻወድያ ምውዳቖም …

Read More »

ኣብ ሰሜናዊ ጠረፍ ሃገራት ስካንዲናቭያ ሕጽረት ሰብኣዊ ዓቕሚ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣብ ሰሚናዊ ጠረፍ ሽወደን፡ ፊንላንድን ኖርወይን ሕጽረት ዓቕሚ ሰብ ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ሓውሲ ደሴት ስካንዲናቭያ ዝርከባ ትካላት ትምህርቲ፡ ምምሕዳራት ከተማን ካልኦት ውድባትን ካብ መላእ ዓለም ሰራሕተኛታት ንምስሓብ ተሪር ምትሕብባር ይገብራ ኣለዋ። እዚ ዞባ ውሑስ፡ ጽላት ኢንዱትሪኡ ዝማዕበለን ፍሉይን እዩ ክብል ፡ ሌፍ ፓያርቪ ካብ “ኣርክቲክ ቮኬሽናል ፋውንዴሽን” ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኣብ ሽወደን ንእምነታት ምንቃፍ ከም ገበን ከም ዘይቊጸር ተገሊጹ።

ኣብ ሽወደን መጽሓፍ ቊርኣን ምቅጻል ከም ገበን ከም ዘይቊጸር፡ ንሓደ ህዝቢ ግዳይ ፕሮፓጋንዳ ምግባር ዝብል ሕጊ ኸኣ ንኸምዚ ዓይነት ጒዳያት ኣብ ግምት ከም ዘየእቱ ተሓቢሩ ። ንዝደለኻዮ ሃይማኖት ክትነቅፍን ተቓውሞኻ ከተርእይን ፍቑድ እዩ ክብል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ክኢላ “ሕጋዊ ጒዳያት መሰል ምግላጽ ሓሳባት” ኒልስ ፋንኬ ገሊጹ’ሎ። ህዝባዊ ጸጥታ መታን ክሕሎ ፖሊስ ንሓደ ሰልፊ ካብ ሓደ ቦታ ከርሕቕዎ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ …

Read More »

ብቕትለት ወዲ 15 ዓመት ህጻን እተጠርጠረ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ፖሊስ ኣትዩ።

ኣብ ደቡብ ስቶክሆልም ድሕሪ ዘጋጠመ ሞት ወዲ 15 ዓመት ህጻን፡ ሓደ ኮተቴ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ፖሊስ ኣትዩ። እቲ ኣብ ስኮጎስ ዝቕመጥ ዝነበረ ግዳይ፡ ብ ቀዳም ምሸት ኣብ ማእከል ዕዳጋ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ብጥይት ከም እተቐትለ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ብቕድሚ ትማል ሰንበት ግዳይ ንምዝካርን ዕንባባ ንምንባርን፡ ኣብቲ ዕዳጋ ኣስታት ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ተረኺቦም ምንባሮም፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ኣመልኪታ።

Read More »

ኣብ ማልም ልዑል ወሰኽ ዋጋ መሞቒ ኣባይቲ ተጌሩ።

ኣብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዋጋ መሞቒ ኣባይቲ ብ 5% ወሲኹ ምህላዉ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኲባንያታት ኣብዚ ፍልልይ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሓንቲ ኣብ ማልም እትርከብ ኲባንያ ነዚ ዋጋ ብ 20% ክብ ክብል ጌራ’ላ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኲባንያታትን ኣባይቲን ቊጥዐ ፈጢሩ ምህላዉ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com