Thursday , May 2 2024

ዜና

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ሰፈራታት ምዕራባዊ ገማግም ክጎበጥ እየ ይብል።

እስራኤላውያን ሰሉስ ናብ ምርጫ ኣብ ዝወጹሉ ግዜ ናተንያሁን ደገፍዩቱ የማናውያን ሰልፊታትን ምዕራባዊ ገማግም ክንወርር ኢና ዝብል መብጽዓ ይህቡ ምህላዎም ተፈሊጡ። እቶም ሰፈራታት ብኣህጒራዊ ሕጊ ሕጋውነት ዘይብሎም እኳ እንተኾኑ እስራኤል ኣንጻሩ ክትከራኸር ምጽንሓ ይፍለጥ። ዝሓለፈ ወርሒ ኣመሪካ ነቲ እስራኤል ብሓይሊ ኣተቘጻጸረቶ ምዕራባዊ ገማግም ናይ እስራኤል ሉኣላዊ ግዝኣት እዩ ኢላ ኣፍልጦ ምሃባ ይዝከር።

Read More »

ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን ናብ ማእከላዊ ወተሃደራዊ እዚ ካርቱም ይበጽሕ።

ኣሽሓት ትቓወምቲ ሰልፈኛታት ሱዳን ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር ኣብ ታሪኽ ዘመነ ኣልበሽር እቲ ዝዓበየ ዝበሃል ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ካርቱም ሰልፈኛታት ናብ ማእከላዊ ወተሃደራዊ እዚ በጺሖም ኣለዉ። እቲ ቀጽሪ ፕረዚደንት ካብቲ ቦታ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ እዩ ዝርከብ። ኣባላት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሞም ብዙሓት ሰባት ክኣ ኣሲሮም ኣለዉ።

Read More »

ነበርቲ ፋሉን (Falun) ናይ ወረዳ ምርጫ ዳግም ከካይዱ እዮም።

ኣብ ሽወደን ሃገራዊ ምርጫ ካብ ዝካየድ ሻብዓይ ወርሑ ሒዙ’ሎ። ይኹን’ምበር ሰብ Falun ሰንበት ኣብ መዓልቲ ምርጫ ሳንዱቕ ካርድ ብምጥፍኣ ዳግማይ ናብ መምረጺ ነቚጣ ክኸዱ እዮም። እዚ ዝግበር ናይ ወረዳ ምርጫ እኳ እንተኾነ ዓበይቲ ፖለቲካውያን ሰልፊታት ሽወደን ነቲ ምርጫ ናብኣተን ክጠውያኦ ብምሕሳብ ነታ ምምሕዳር በጺሐናኣ ኣለዋ። “Falun ዳርጋ ንእሽቶ ሽወደን እያ። ኣብዚ ዝግበር ምርጫ ምስ ውጽኢት ሃገራዊ ምርጫ ግርም ጌሩ እዩ …

Read More »

ካብ ባሕቲ ሚያዝያ ጀሚሩ ሓድሽ መምርሒ ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ምውጽኡ ፖሊስ ሓቢሮም።

ፓስፖርትን ወይ ወረቐት መንነት እንድሕር ተመልክት ኣሎኻ ኴንካን ናይ ኣገልግሎት ካርድ እንድሕር ኣሎካ SIS ዝብል ምልክት ክግበረሉ ኣለዎ። ናይ ሽወደን ፓስፖርት ንምሕታት ካልኦት ዓይነታት ናይ ኣገልግሎት ካርዲታት ከም መለለዪ ወረቐት ከገልግልሉ ዝኽእሉ ዋጋ ኣይክህልዎምን እዩ። ኣብዚ መስርሕ ሽወደናዊ ዜጋ ምዃንካ ግድን ክትሕተት ኢኻ። ፖሊስ ሽወደናዊ ዜጋ ምዃንካ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ዘበለ መርመራ ከካይዱ እዮም። ትሕቲ-ዕድመ ንዝኾኑ ቘልዑ ፓስፖርት ወይ መለለዪ ወረቐት …

Read More »

መርበባት ሓበሬታ ናይ ሰብኡት ጾታዊ ጸዓት ዝውስኽ ናይ ሓሶት መድሃኒት ይሸጡ ምህላዎም ተለቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ።

ገለ መርበባት ሓበሬታ በባህርያዊ ቀመማት እተዳለወን ናይ ሰብኡት ጾታዊ ጸዓት ዝውስኽ ናይ ሓሶት መድሃኒት ይሸጡ ምህላዎም ሓደ ጸብጻብ ተለቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ። ብመሰረት እዚ ጸብጻብ እዘን መርበባት እቲ ሸማታይ ገለ ኣቕሑ ብቐጻሊ ከም ዝገዝእ ብምግባር ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን የእትዎኦም ኣለዋ። ኤጀንሲ ሓለዋ ሸመትቲ ሽወደን ቅድሚ ሕጂ 94 ናይ ሓሶት ንግድ ናብ Aliaz ኮርፖሬሽን ምርካቡ ይፍለጥ። ከምዚኦም ዝበሉ መርበብ ሓበሬታታት ንሸመትቲ ኣብ …

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 01 ሚያዚያ 2019

ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይ ሎሚ ዜናታት፣- 1. ፍሉይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዉሕሃ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ ወሲኽካ ዝተኣሰሩ ብዙሓት እሱራት ንሃለዋቶም ሓበሬታ ከምዝስኣነ ገሊጹ። 2. ዴንማርክ ዜግነት እቶም ኣብ ግብረ ሽበራ ዝተሳተፉ ሰባትን እንኮላይ ዝወለድዎም ቆልዑን ክትሓክኽ እያ። መደባትናን ብሰፊሕ ሓበሬታን ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

ሎሚ መዓልቲ ሽወደን ኣዋጅ ምክልኻል እንስሳ ንምትግባር ተላዒላ።

እዚ ኣዋጅ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ከም ሓድሽ ሕጊ ተኣሚሙ ዝጸንሐ እዩ፡ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ ድሙን ካልኦት ዘቤታዊ እንስሳን ምድርባይ ዝኽልክል ኮይኑ ወነንቲ እዞም እን ስሳታት ፍቓድ ብቕዓት ምውናን ክህልዎም ክግበር እዩ። ነዚ እማመ ሓድሽ ሕጊ ዓሚ ክቐርብ ዝገበሩ ሚኒስተር ገጠራዊ ጒዳያት ነበር Sven Erik Boeckt ከምኡ’ውን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር Isabella Lovin እዮም። ንሳቶም ብዛዕባ ዕላማ እማመኦም እንክገልጹ” መፍረ ምህርቲ …

Read More »

38 ዝዕድሚኡ ሽወደናዊ ኣብ ኢትዮጵያ ደሃይ ካብ ዘጥፍእ ዓመት መሊኡ ተባሂሉ።

ጠበቓኡን ስድራኡን ኣብ ኢትዮጵያ ንዕረፍቲ ምስ መጸ ብ ፖሊስ ከም እተታሕዘ እዮም ዝኣምኑ። ኣካያዲ ህዝባዊ ርክባት ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ Patric Nilsen “ምእላሽ ኣየቋረጽናን፡ ተኣሲሩ ምህላዉ ግምት ኣሎና፥ ግና ዛጊት ነዚ ዘረጋግጸልና ሓበሬታ ኣይረኸብናን” ኢሉ። ስድራ እዚ ዜጋ ምስ ኣመሓደርቲ ዞባ ብዝገበርዎ ርክባት መሰረት ብምግባር ጠበቓ እቲ ስድራ ሙሴ ኤፍሬም እዚ ዜጋ ኣብ ትሕቲ ቅይዲ ምእታዉ ምርግጋጹ ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ሽወደን ቅልጡፍ …

Read More »

ዓቃባውያን ኣብ መባእታ ቤትትምህርቲ ሕጃብ ክእገድ ጸዊዖም።

SVT ሽወደን ሓሙስ ምሽት ፕሮግራም ኦፒንዬን ካብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤትትምህርቲ Saskatchewan ብቐጥታ ከተመሓላልፍ እያ። ኣብዚ ፕሮግራም ዓቃባዊ ሰልፊ ብዛዕባ ምእጋድ ሕጃብ ኣብ መባእታዊ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዝገብሮ ክትዓት ክቐርብ እዩ። ዋና ኣሰናዳኢ እቲ ፕሮጀክት Eskil Lundgren እዚ ውጥን ብ ሓላፊ ዓቃባዊ ሰልፊ Yari Bustinen ከምኡውን ብኢማም ዓቢ መስጊድ Eskilistunaን ካልኦት ዝተፈላለዩ ውድባት መንእሰያት ዝድገፍ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። እዚ ብ Belinda Olson ዝድገፍ …

Read More »

ብዓልቲ ቤቱ ብኻራ ዝቐተለ ኤርትራዊ መንእሰይ 17 ዓመት ማእሰርትን ንሃገሩ ክባረርን ተፈሪዱ።

ኣብ ከተማ ሞታላ ዝነብር ወዲ 33 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ብዕለት 8 ኖቨምበር 2018 ንብዓልቲ ቤቱ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ብኻራ 20 ግዜ ብምውጋእ ከምዝቀተለ ዝዝከር ኮይኑ ቤት ፍርዲ ሊንሾፒንግ ነዚ ኣቦ ክልተ ቆልዑት መንእሰይ ን17 ዓመት ማእሰርትን ድሕሪ ማእሰርቱ ምውድኡ ድማ ናብ ሃገሩ ክባረር ፈሪድዎ። እዚ መንእሰይ ነዚ ገበን ክፍጽሞ ዝኸኣለ ብዓልቲ ቤቱ ፍትሕ ስለዝሓተተቶ ምኻኑ ኣብ ግዜ መርመራ ካምዝሓበረ ተፈሊጡ። እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com