Thursday , May 2 2024

ዜና

በዓል መዚ ኢመግረሽን ንፓስፖርት ብሪጣንያውያን ዜጋታት ማሕተም ናይ ምሃብ ውጥኑ የደንጒዮ ምህላዉ ተገሊጹ።

በዓል መዚ ኢመግረሽን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዚ ዝኸውን ዘሎ ብመሰረት ወግዓዊ ምልቃቕ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ዓንቀጽ 50ን እዩ ኢሉ’ሎ። እዚ ማሕተም ኣብ ኣጋጣሚ ውዕል ኣልቦ ምልቃቕ ክሳብ 29 መጋቢት ብሪጣንያውያን ኣብ ሽወደን ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱ ዝብል ውጥን እዩ ኔሩ። ካብ በዓል መዚ ኢመግረሽን ዝኾነት Asa Hemingway ዝበለጸ ሓበሬታ ይጽበዩ ምህላዎም ገሊጻ’ላ። ኣብ ሽወደን ልዕሊ 20 ሽሕ ብሪጣንያውያን …

Read More »

ኣማኢት ወተሃደራት ዝጸዓና ወተሃደራውያን ነፈርቲ ሩስያ ብሰንበት ኣብ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ቬነዝዌላ ዓሊበን።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ስፑትኒክ እዘን ነፈርቲ “ቴክኒካዊ ወተሃደራዊ ውዕላት ንምምላእ” እየን ተላኢኸን ዘለዋ። ቨነዝዌላዊ ጋዜጠኛ ሃቬር ማዮርካ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ካብተን ነፈርቲ 100 ወተሃደራትን 35 ቶን ጽዕነትን ክራገፍ ምርኣዩ ገሊጹ’ሎ። እዘን ክልተ ሃገራት ወተሃደራዊ ውዕል ድሕሪ ምፍራመን ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ እዚ ዝፍጸም ዘሎ። ሩስያ ንነዊሕ እዋን መሻርኽቲ ቨነዝዌላ ኮይና ንሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ሓገዝን …

Read More »

ነበርቲ ሁስቢ ሰላማዊ ሰልፊ የካይዱ።

ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ሁስቢ ንኽሰርሖ ሓሲብዎ ዘሎ መንበሪ ገዛውቲ ብምቅዋም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ሰባት ሎሚ መዓልቲ ሰንበት 24 ማርች 2019 ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ተፈሊጡ። Foto: Christy Chamy እቶም ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝገልጽዎ እዚ ገዛውቲ ንምስራሕ ብዙሕ ኣግራብ ክበርስ ስለዝኾነ እዚ ኸኣ ነቲ ከባቢ ሃሳይ እዩ ብዝብል ምኽንያት ከምዝተቃወምዎ ሓቢሮም። ኣብ ሁስቢ ዝርከቡ ነበርትን ማሕበራትን ብሓባር ዝጸውዕዎ ሰላማዊ ሰልፊ …

Read More »

ሰልፍና ምስ SD ክዘራረብ ድሉው’ዩ ክብል መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ Ulf Christerson ገሊጹ።

ሰልፍና ምስ SD ክዘራረብ ድሉው እኳ እብተኾነ ናብ ዝኾነ ቀጽሪ ወይ ምምስራት መንግስቲ ግና ኣይንኣቱን ኢና ክብል መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ Ulf Christerson ገሊጹ። “ምስ ኲሎም ሰልፊታት ክንዘራረብ ድሉዋት ኢና–እዚ ማለት ግና ሓድሽ ቀጽሪ ክነቕውም ኢና ማለት ኣይኮነን” ክብል ኣብ ናይ ፌይስቡክ ገጹ ኣስፊሩ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ መሻርኽቱ ዝኾነት ፕረሲደንት ክርስትያናዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ Iba Bosch Tor ትማሊ ምስ Sverige Domkraterna ክትተሓባበር …

Read More »

መልእኽቲ ሞባይል Tele2 ክጥለፍ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ናይ Tele2 መልእክቲ ድምጺ ብዝኾነ ካልእ ሰብ ክስማዕ ይኽእል እዩ ክብል ሎሚ ዝተዘርግሐ ዜና ኣቃሊዑ። እዚ ናይ ሞባይል ኦፐሬተር ነዚ ንምጽጋን ምሉእ መዓልቲ ይሰርሕ ምህላዉ ድማ ተገሊጹ’ሎ። ስርዓተ መልእኽቲ ድምጺ Tele2 ብዙሕ ኣበራት ከም ዘለዎ ይፍለጥ እዩ፡ ምኽንያቱ መልእኽቲ ዝኾነ ሰብ ብኻልእ ሰብ ክጥለፍን ክስማዕን ስለዝኽእል። መዓስ ምዃኑ ብልክዕ እኳ እንተዘይሓበሩ እዚ ብህጹጽ ክፍታሕ ዘለዎ እዩ ክብሉ ኦፐሬተራት ሞባይልት ኣፍሊጦም …

Read More »

ኣንስተይቲ ጤል ከንቲባ ክትከውን ተመሪጻ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ሓንቲ ፌየር ቪው ዝስማ ኣሜሪካዊት ከተማ እዩ ተሰሚዑ። እዛ ሰለስት ሽሕ እኳ ዘይበጽሕ ህዝቢ ዝነብረላን ብናይ 19 ክፍለ-ዘመን ስነ-ህንጻዊ ቅድታታ እትፍለጥን ንእሽቶ ከተማ ነታ ሓዳስ ከንቲባኣ ሓንጐፋይ ኢላ ከም ዝተቐበለት ማዕከናት ዜና ሓቢረን ኣለዋ። እታ ኸንቲባ ሊንከን ብዝብል ስም እትጽዋዕን 3 ዓመት ዝዕድሚኣን ኣንስተይቲ ጤላ ኣያ። እቲ ፍጻመ ምስ መዓልቲ ደቀንስትዮ ምግጣሙ ድማ ተደራቢ ፍሉይነት ረኺቡ ኣሎ። …

Read More »

ቴክኒካዊ ጸገም ምድንጓይ በረራታት የስዕብ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ዝርከብ ኣገባብ መቆጻጸሪ ፓስፖርትታት ብልሽት ስለዘጋጠሞ ገያሾ ነዊሕ ሪጋ ክጽበዩ ከምዘገደደን ነፈርቲ እውን ኣብ ዝተወሰነለን ሰዓታት ክበራ ከምዘይከኣላ ተፈሊጡ። ወሃቢት ቃል ትካል ስወደቭያ (Swedavia) ዝኾነት ኢሊን ሎሬን ከምዝሓበረቶ ሰራሕተኛታት ምቁጽጻር ፓስፖርት ብሰንኪ ብልሽት ቴክኒክ ንዘጋጠመ ሽግር ንምፍታሕ ብናይ ቀደም ኣገባብ ክሰርሑ ስለዘተገደዱ ብዙሕ ምድንጋይ ከምተፈጥረ ሓቢራ።

Read More »

ሽወደናዊ ትካል ክንክን ጥዕና ድሕሪ ዝመጾ ምቅላዕ መርመራ ምጅማሩ ተገሊጹ።

ኩባንያ ክንክን ጥዕና GHP ኣብ ኢማራት ዓረብ ዘለዋ ሆስፒታላት ዘሎ ኣገባብ ሰብኣዊ መሰላት ከመይ ምዃኑ ዝከታተል ሳልሳይ ኣካል ክረቁሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ካሊበር ዝተባህለ መደብ ኣብ ረድዮ ሽወደን ድሕሪ ዘውጽኦ መቃልዒ ጸብጻብ ምዃኑ ይንገር ኣሎ። ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጻቡ ካሊበር ዘይተመርዓዋ ደቅርንስትዮ ብጒዳይ ጥንስን ሕርስን ዝተላዕለ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትዋ ምህላወን፡ ምኽንያቱ ድማ ስጋዊ ርክብ ቅድመ-መርዓ ብሕጊ …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ ዓርቢ 22 መጋቢት 2019 Swedish News on Tigrigna

Read More »

ኣብ ዓመተ 2019 5000 ናይ ኮታ ስደተኛታት ክትቅበል ምኻና ተፈሊጡ።

ኣብ ዓመተ2019 ሸወደን 5000 ስደተኛታት ብኮታ ደረጃ ክትቅበል ምኻና ሓላፊ ጉዳይ ምስግ ጋር ሰደተኛታት ኣብ በዓል መዚ ኢመግረሽን ዝኾነ ኦስካር ኤክብላድ (Oskar Ekblad) ሓቢሩ። ብዝሕን ዝመጽሉ ከባቢን ድማ ከምዚ ዝስዓብ ክኸውን ምኻኑ ተሓቢሩ ኣሎ። (ዝመጽሉ ከባቢ ) Uttagningsområde (ብዝሒ)Platserሶርያን ከባቢኡን / Syrien och dess grannländer2 000 ምብራቕ / ቀርኒኣፍሪቃ / Östra Afrika och Afrikas horn1 300ሰሜን ኣፍሪቃ (ማእከላይ ባሕሪ ተጓዓዝቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com